እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግምት ጸወታታት ፕረምየር ሊግ፡ ማን ሲቲ ይስዕሩዶ? ኣርሰናልከ?
ተጻወትቲ ቶተንሃም ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ድንቂ ዝዀነ ብቕዓት'ዮም ዘርእዩ ዘለዉ፣ እንተዀነ ኣብ ፕረምየር ሊግ ዘለዉዎ ደረጃ ግን ንኣሰልጣኒ ቶማስ ፍራንክ ዘየሻቕል ኣይኰነን።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ በርንለይ ማዕረ'ዮም ተፈላልዮም። ነቲ ጸወታ ብኣካል ዝተዓዘቦ ተንታኒ ቢቢሲ ስፖርት ክሪስ ሳቱን ደገፍቲ እታ ጋንታ ሕጕሳት ዘይምዃኖም'ዩ መስኪሩ።
እዚ ብቕዓት ሒዞም'ዮም ሰንበት ነታ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ሜዳኦም ክዕድምዋ።
እታ ነዚ ሰሌዳ ብ50 ነጥቢ ትቕልሶ ዘላ ኣርሰናል ከኣ ናብ ሊድስ ከይዳ ክትጋጠም'ያ።
መበል 24 ሰሙን ጸወታታት ፕረምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝምልክት ክሪስ ሳቱን ዝሃቦ ግምት ይስዕብ።
ብራይተን ምስ ኤቨርተን
ጃክ ግሪሊሽ ኣብ ጸወታ ዘይምህላዉ ንኤቨርተን ዓቢይ ክሳራ'ዩ። ብኣንጻሩ ኣሊማን ንዲያዮ ናብ ሜዳ ምምላሱን ኣጥቃዓይ ባሪ ሸቶ ከመዝግብ ምጅማሩ ከኣ ነታ ጋንታ እፎይታ ዝህብ'ዩ።
ኤቨርተን ክሳብ ሕጂ ኣብ ሜዳኦም ወጻኢ ኣብ ዘካድዎ ጸወታታት፡ ጽቡቕ ኢልካ ክግለጽ ዝከኣል'ዩ።
ካብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ጀሚሮም ካብ ሜዶኦም ወጻኢ ሓንሳብ ጥራይ'ዮም ተሳዒሮም።
ብራይተን ዋላ ደኣ ውድእቲ ጋንታ ኰይና ኣላ ኣይንበላ፡ ኣብ ሜዳኣ ሓንሳብ ጥራይ'ያ ተሳዒራ፡ ካብዚ ብምብጋስ እዘን ጋንታታት ነጥቢ ተማቒለን ክወጽኣ'የን እብል።
ግምት፡ 1-1
ሊድስ ምስ ኣርሰናል
እዚ ጸወታ ኣዝዩ መሳጢ'ዩ ክኸውን። መድፈዓኛታት ኣብ ከመይ ኵነተ ኣእምሮ ከም ዘለዉ'ውን ከርእየና'ዩ።
ሊድስ ኣብ ሜዳኦም ጽቡቕ'ዮም ዝጻወቱ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኤቨርተን ምስዓሮም ዝኸሰርወን ሰለስተ ነጥቢ ንኣሰልጣኒ ዳነኤል ፋርከ ኣሰንቢደንኦ'የን።
ኣርሰናል ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ንሊድስ ናብ ሜዳኣ ዓዲማ 5 ብ0 እያ ስዒራታ።
ሕጂ ግን ኣርሰላውያን ሸቶ ናይ ምምዝጋብ ዓቕሞም ከም ቀደሙ የሎን። ብጸቢብ ናይ ምስዓር ተኽእሎ ግን ኣለዎም።
ግምት፡ 0 - 1
ዎልቭስ ምስ ቦርንማውዝ
እታ ኣብ መበል 20 ተሰሪዓ ዘላ ዎልቭስ ምምላሳ ዳርጋ ርጉጽ ስለ ዝዀነ ንኽብራ'ያ ክትጋጠም።
ኣብ ዝሓለፈ ጸወታታት ጽቡቕ ብቕዓትን ውጽኢትን ከተመዝገብ ምጽንሓ ዝክሓድ ኣይኰነን።
በርንማውዝ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ጸወታኦም፡ ኣብ ውዱእ ሰዓት ብዘመዝገብዋ ሸቶ ንሊቨርፑል ክስዕሩ ምኽኣሎም፡ ፍናኖም ሰማይ'ዩ ዓሪጉ ዘሎ።
ካብ ሜዶኦም ወጻኢ ኣብ ዝገብርዎ ጸወታታት ግን ዘዕግብ ውጽኢት ከመዝግቡ ኣይጸንሑን፣ ካብ ዝሓለፈ ነሓሰ ጀሚሮም ሓንሳብ ጥራይ'ዮም ካብ ሜዳኦም ወጻኢ ተዓዊቶም።
በርንማውዝ ኣብ ልዕሊ ዎልቭስ ሸቶ ከመዝግቡ'ዮም፣ ሸቶ ግን ክኣትዎም'ዩ ኢለ እግምት።
ግምት፡ 1 - 1
ቸልሲ ምስ ዌስትሃም
ቸልሲ ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ንናፖሊ ብምስዓር ናብ ዝቕጽል ዙር ምሕላፋ ኣረጋጊጻ'ያ።
ኣሰልጣኒ ሊያም ሮዝንዮር በዚ ዓወት፡ ኣፍ ብዙሓት ነቐፍቱ ክዓብስ ክኢሉ'ዩ።
ኵነታት ዌስትሃም ግን ዘተኣማምን ኣይኰነን። ቅድሚ ቅሩብ ሳምንታት ተስፋ ዝቘረጹ መሲሎም እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣብ ዳሕረዎት ዘካይድወን ክልተ ጸወታታት ግን ክስዕሩ ክኢሎም'ዮም።
ተጻወትቲ ቸልሲ ናብ ጣልያን ከይዶም ዘካየድዎ ጸወታ ኣድኪምዎም ክኸውን ይኽእል'ዩ፣ ምዕዋቶም ግን ኣይተርፎምን'ዩ።
ግምት፡ 2 - 1
ሊቨርፑል ምስ ኒውካስል
ኒውካስል ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣንጻር ፒኤስጂ ዘካየድዎ ጸወታ ንምጽብጻብ ናብ ፓሪስ ከይደ ነይረ፣ ኣጀማምርኦም ድኽም ዝበለ'ኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ መወዳእታ ተበራቢሮም ዝፈጠርዎ ዕድላት ብምብዃኖም ክዕወቱ ኣይከኣሉን።
ኒውካስል ኣከፋፋሊ ብርኖ ጉማሬሽ ኣብ ዘይተሰለፈሉ፡ ዓወት ከም ዝርሕቓ ብቝጽራዊ ሓቂ ዝተመስከረ ኰይኑ ኣሎ።
ኣሰልጣኒ ኤዲ ነዚ ኣከፋፋሊ ንጸወታ ኣንጻር ሊቨርፑል ንምዕቃብ'ዩ መስለኒ፡ ኣብቲ ኣንጻር ፒኤስጂ ዝገበርዎ ጸወታ ኣየሰለፎን።
ሊቨርፑል ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣንጸር ቃራባቕ 6 ሸቶታት ከተመዝገብ ክኢላ'ያ፣ ኣብ ፕረምየር ሊግ ተርእዮ ዘላ ብቕዓት ግብ ክብን ለጠቕን ዝበዝሖ'ዩ ኰይኑ ዘሎ።
እንተዀነ፡ ንኒውካስል ግን ኣይክሰንፉላን'ዮም።
ግምት፡ 2 - 1
ሰንበት
ኣስቶንቪላ ምስ ብረይንትፎርድ
ኣስቶንቪላ ንቲየለማንስ፡ ማጊንን ካማራን ብማህረምቲ ከሲራቶም ኣላ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ናብ ስታድዮም ጀምስ ፖርክ ተጓዒዛ ክትዕወት ክኢላ'ያ፣ ኣብዚ ጸወታ'ውን ብተመሳሳሊ ክትዕወት ከም እትኽእል'የ ዝግምት።
ተጻወትቲ ብረይንትፎርድ ኣብ ዝሓለፈ ዘካየድዎ ክልተ ጸወታታት ኣከታቲሎም ክስዓሩ ምኽኣሎም ሞራሎም ዝተተንከፈ ይመስል፣ ንኣስቶንቪላ ናይ ምብዳህ ዓቕሚ ዘለዎም'ውን ኣይመስለንን።
ግምት፡ 2 - 0
ማንቸስተር ዩናይትድ ምስ ፉልሃም
እታ ቅድሚ ኣዋርሕ ዝነበረት ማንቸስተር ዩናይትድ እንተትኸውን ፉልሃም ክትስዕር'ያ ኢለ ኣፈይ መሊአ ምተዛረብኩ።
ካሪክ ካብ ዝሕዛ ግን ተጻወትቲ ማንቸስተር ዩናይትድ ነገራት ቅልል ዝበለሎም ይመስሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ጸወታታት ንኣርሰናልን ማንቸስተር ሲቲን ክስዕሩ ምኽኣሎም ከኣ ንፍናኖም ሰማይ ኣዕሪግዎ'ዩ።
ፉልሃም ኣብ ዝኣተዉዎ ጸወታ ሸቶ ናይ ምምዝጋብ ዓቕሚ ኣጥርዮም ኣለዉ፣ ንማንቸስተር ዩናይትድ ናይ ምምስዓር ዓቕሚ ዘለዎም ግን ኣይመስለንን።
ግምት፡ 2 - 1
ኖቲንግሃም ፎረስት ምስ ክሪስታል ፓላስ
ኖቲንግሃም ፎረስት ነዚ ጸወታ እንተ ተዓዊታትሉ፡ ሓደጋኣ ክቕንስ ይኽእል'ዩ።
ኣብዚ ጸዋታ እንተ ተሳዒሮም ግን ናይ ምምላስ ሓደጋኦም መሊሱ ክብእስ'ዩ።
ኣሰልጣኒ እዛ ጋንታ ኦሊቨር ግላስነር ኣብዛ ጋንታ ዋላ ደኣ ታሪኽ ይስራሕ'ምበር፡ ሕጂ ግን ክገድፋ ዘለዎ ኰይኑ ይስምዓኒ።
ነዚ ጸወታ ግን ክሪስታል ፓላስ ብዓወት ክወጽእዎ'ዮም ዝብል ግምት የብለየን።
ግምት፡ 1 - 0
ቶተንሃም ምስ ማንቸስተር ሲቲ
ኣርሊንግ ሃላንድ ናብቲ ንቡር ሸቶ ናይ ምምዝጋብ ዓቕሙ ተመሊሱ'ዩ።
ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣንጻር ጋላታሳራይ ትንኣድ ሸቶ ኣቍጺሩ።
ማርክ ጌሂን ኣንትዋን ሰሜንዮን ነዚ ጸዋታ ድልዋት ምህላዎም'ውን ንሲቲ እፎይታ ዝህብ ዜና'ዩ።
ኣብ ልዕሊ ኣርሰናል ጸቕጢ ንምፍጣር ማንቸስተ ሲቲ ብዙሕ ምትዕርራያት የድልያ'ዩ።
ደገፍቲ ቶተንሃም ጋንታኦም ብተእርእዮ ዘላ ትሑት ብቕዓት ፈጺሞም ሕጕሳት ኣይኰኑን፣ ነዚ ጸወታ'ውን ብሓጐስ ክዛዝምዎ'ዮም ዝብል ግምት የብለየን።
ግምት፡ 0 - 2
ሳንደርላንድ ምስ በርንለይ
ዎልቭስ ክትምለስ'ያ ኢለ ካብ ዝድምድም ሓያለ ሰሙና ሓሊፉ ኣሎ፡ ሕጂ ከኣ ናይታ ብ15 ነጥቢ ኣብ መበል 19 ተሰሪዓ ዘላ በርንለይ ተራ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ውዱእ ሰዓት ብቶተንሃም ሸቶ ተመዝጊብዎም'ዮም ማዕረ ወጺኦም፣ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ግዜ ማዕረ ዝወጽእዎ'ውን ብተመሳሳሊ ሰኣን እኹል ምክልኻል ዝኸሰርዎ'ዮም።
እታ ኣብ መበል 11 ዘላ ሳንደርላንድ ካብዚ ጸወታ 3 ነጥቢ ሒዛ ክትወጽእ'ያ ኢለ እግምት።
ግምት፡ 1-0