ኣብ መንጎ እንግሊዝን ፈረንሳን ጃልባ ብምጥሓላ ስደተኛታት ሞይቶም

ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንምስጋር ብንእሽቶ ጃልባ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ስደተኛታት በዝገጠሞም ሓደጋ ብውሕዱ 6 ህይወቶም ስኢኖም።

ሓለዋ ዶብ ባሕሪ ፈረንሳ፡ እታ ነቶም ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ትማሊ ቀዳም ንግሆ ኣብ ከባቢ ካሌ ፈረንሳ ኣብ ዝርከብ ክፋል ባሕሪ ጸገም ከምዘጋጠማ ሓቢሩ።

ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባት ዜጋታት ኣፍጋኒስታን እኳ እንተዀኑ፡ ዜጋታት ሱዳን እውን ከምዝርከብዎም ተገሊፁ።

ሓለውቲ ዶባት ፈረንሳን ብሪጣንያን፡ ካብቲ ሓደጋ 49 ስደተኛታት ከምዘድሓኑ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።

ይኹን እምበር፡ ክልተ ስደተኛታት ገና ሃላዋቶም ኣይተፈልጠን።

ማዕከን ዜና ፈረንሳ ኤኤፍፒ፡ ንሓደ በዓል ስልጣን እታ ሃገር ብምጥቃስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኩሎም በቲ ሓደጋ ዝሞቱ ኣብ 30ታት ዕድመ ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮ ምዃኖም ሓቢሩ።

ሰበስልጣን ሓለዋ ባሕሪ ፈረንሳ፡ እታ ብዙሓት ሰባት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ኣብ ጸገም ከምዘላ ብጥቐኦም እትሓለፍ ዝነበረት መርከብ ድሕሪ ምሕባራ፡ ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት ፈረንሳ ከምዝተዋፈሩ ኣፍሊጦም።

እተን ናይ ፈረንሳ ናይ ህይወት ኣድሕን ጀላቡ ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሓ፡ ኣብ ባሕሪ ንሓገዝ ፃውዒት/ኣውያት ዘሰምዑ ሰባት ከም ዝነበሩ ተሓቢሩ።

ኣብ ህይወት ምድሓን ስራሕቲ ዝተዋፈረ፡ ዣን-ፒየር ፊኖት፡ እታ ጃልባ ልዕሊ ዓቐን ክብደት ፅዒና ስለዝነበረት ንቕድሚት ክትቅፅል ከምዘይከኣለት ገሊጹ።

ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት፡ ኣብዚ ሰሙን ጥራይ ስደተኛታት ካብ ባሕሪ ክድሕኑ ንሻብዓይ ግዜኡ ምዃኑን፡ ብሰንኪ ምውሳኽ ቁጽሪ ዘይሕጋዊ ምስግጋር፡ ኣሰጋገርቲ ደረጀአን ዘይሓለዋ ጀላቡ ይጥቀሙ ከምዘለዉን ገሊጾም።

ሰበስልጣን ፈረንሳ ነቶም ስደተኛታት መንነቶም ንምፍላጥን ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ጉዕዞኦም ብዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ንምእካብን ቃለ መሕትት ክገብሩ ጀሚሮም ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንስድራቤት እቶም በቲ ሓደጋ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ዝተሰመዖ ሓዘን ብምግላጽ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብጃልባ ቻነል ኢንግሊዝ ምሕላፍ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ዘርኢ እዩ ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ጥራይ፡ ኣስታት 1000 ሰባት ነቲ ንደቡባዊ እንግሊዝ ካብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ዝፈልዮ መትረብ ሰጊሮም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ከምዝሰገሩ መረዳእታት ይሕብሩ።

ካብ 2018 ጀሚሩ ዳርጋ 100 ሽሕ ስደተኛታት ነዚ መትረብ ሰጊሮም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከምዝኣተዉ ይዝረብ።

ከምዚ ዓይነት ስደት ንምንካይ፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንዝመጹ ሰባት ናብ ካልእ ሳልሳይ ሃገር ከም ዘሰጋግርን ኣብ ሳልሳይ ሃገር ኰይኖም ሕቶ ዑቕባኦም ክከታተሉ ንምግባር ይፍትን ከምዘሎን ይግለፅ።