ዓወት መስርሕ ሰላም ምትእስሳር ኢትዮጵያን ኤውሮጳን ንምምሕያሽ ኣገዳሲ’ዩ - ሕብረት ኤውሮጳ

ሕብረት ኤውሮጳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምምሕያሽ ዝምድና ሕብረት ኤውሮጳን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ውጽኢት ናይቲ ንግጭት ትግራይ ንምፍታሕ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ዝምርኮስ ምዃኑ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ እቲ ሕብረት ገሊጹ።

ኣብ ሕዳር ኣብታ ሃገር 2020 ኲናት ሓድሕድ ምስ ተላዕለ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብምጥቃስ ንኢትዮጵያ ዝህቦ ዝነበረ ባጀታዊ ደገፍ ከም ዘቋረጸ ይፍለጥ።

ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ጆሴፕ ቦረል፡ እቲ ግጭት ንምውጋድ ዝግበር ዘሎ ምዕባለ፡ ሎሚ ኣብ ዓለምና ብስራት ብርቂ ኣብነት ምዃኑ ገሊጹ።

ቀስ ብቐስ ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ ናብ ንቡር ምምላስ ግን ኣብ ምዕባለ እቲ መስርሕ ሰላም ዝተመርኰሰ ከም ዝዀነ ሓቢሩ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ሰበስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ንዝፍጸም ሰፊሕ ግህሰት ተሓታትነት ክህሉ ኣለዎ ምባሎም ዝዝከር’ዩ።

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ተፈጻምነት እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም፡ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርክብ ዳግም ክጅምሮ ዘኽእሎ ኩነታት ከም ዝፈጥር ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቲ ሕብረት፡ በቲ ዝተኸተመ ስምምዓት ንሕብረት ኣፍሪቃ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ከምዝናኣደ ይዝከር።

ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ ንዝተራእየ ለውጢ ዘመስገነ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ነዚ ክድግፍ ድልው ምዃኑ ኣረጋጊፁ ነይሩ።

“እቲ ስምምዕ ብዘላቕነት ክፍፀም እንተኺኢሉ እቲ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ስትራቴጂካዊ ርክብ ዳግማይ ንኽጅመር ዝገብር እዩ” ኢሉ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ባይቶ ጸጥታ ንኲናት ትግራይ ፍታሕ ከምጽእ ብዘይምኽኣሉ ወቒሱ ነይሩ።

ኣብ መግለጺኡ “ሰላማውያን ሰባት ውሕስነቶም ክሕሎ፡ ከምኡ እውን ከቢድ ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝፈጸሙን ግፍዕታት ዝሰርሑ ብሕጊ ክሕተቱ ትርጉም ዘለዎ ስጉምቲ ክወስድ ንላቦ” ኢሉ ነይሩ።

ሕብረት ኤውሮጳ ሓደ ካብቶም ንኢትዮጵያ ናይ ባጀት ደገፍን ሰብኣዊ ሓገዝን ብብዝሒ ዝህቡ ለገስቲ ኰይኑ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ ግን ዝህቦ ሓገዝ ኣወንዚፍዎ ጸኒሑ'ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውሳነ እቲ ሕብረት "ኣብ ግጉይ ገምጋም ዝተመርኮሰ ስጉምቲ'ዩ" ክብል ተቓውሞኡ ከም ዘስምዐ ይዝከር።