እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካብ መምህርነት ዩኒቨርሲቲ ክሳብ ሸቐጥ ኣብ ጐደናታት መቐለ፤ ጕዕዞ ብርሃን ወ/ገብሪኤል
“ኣብ ህይወት ዘዕግበካ ነገር እቲ ብጉልበትካን ኣእምሮኻን ፅዒርካ እትረኽቦ ነገር እዩ” ትብል ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዝነበራ ናይ 20 ደቓይቕ ዕላል።
ንሳ ነዚ ሓሳብ ዝገለፀት፡ ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ካብቲ ክብሪ ዝነበሮ ስራሕ ደው ድሕሪ ምባላ፡ መሰናኽላት ህይወት ንምስዓር ንኻልእ ኣማራጺ ናብ ጐደናታት መቐለ ወጺኣ ብሸቐጥ ክትናበር ንዝወሰደቶ ውሳነ ዛዕባ ብምግባር ከነዘራርባ ኣብ ዝደወልናላ እዩ።
ብርሃን ወልደገብርኤል ትበሃል፤ ኣብ መቐለ እያ ተወሊዳ ዓብያ። ካብ ቀዳማይ ደረጃ ክሳብ ቀዳማይ ዲግሪ ዝረኸበትሉ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርታ ካብታ ከተማ ኣይወጽአትን። ካልኣይ ዲግሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝዛዘመት ትዛረብ።
“ቀዳማይ ዲግሪ ብጋዜጠኝነትን ኮሚዩኒኬሽንን ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ፤ ማስተርስ ዲግሪ ድማ ብተመሳሳሊ ዓውዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተማሂረ ተመሪቐ።”
ብርሃን፡ ብዝተመረቐትሉ ሞያ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ማዕከናት ዜና ንዝተወሰኑ ዓመታት ምስ ሰርሐት፡ ናብ መምህርነት ዩኒቨርሲቲ እያ ኣትያ።
“ኣብ ኤፍ ኤም መቐለ ንውሱናት ኣዋርሕ ምስ ሰራሕኩ ናብ ድምፂ ወያነ ኣትየ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ብሞያይ ኣገልጊለ። ብድሕሪኡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ብመምህርነት ኣትየ ኣብ ክፍሊ ጋዜጠኝነትን ኮሚዩኒኬሽንን ይምህር ነይረ፡” ትብል።
ኲናትን ስእነት ስራሕን
ንኣስታት ሽድሽተ ዓመታት ብመምህርነት ክትሰርሕ ዝፀንሐት ብርሃን፡ ኣብዚ እዋን ካብ ሞያኣን ስርሓን ካብ እትፈለላ ልዕሊ 3 ዓመታት ክመልእ ቀሪቡ’ሎ።
ካብ እትፈትዎ ስራሕ ክትፍለ ዘገደዳ ድማ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት እዩ ነይሩ።
ኲናት ምስተወልዐ ነቲ እትፈትዎ ስርሓ ብምስኣና ናብ መቐለ ክትመፅእ ተገዲዳ። በዓል ገዝኣን ወዶምን እውን ምስኣ ነበሩ።
ነዓኣ ግን ሽዑ ስርሓ ምስኣና ዘይኰነስ ጉዳይ ምንባርን ዘይምንባርን እዩ ድቃስ ዝኸልኣ ዝነበረ።
“ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ንዅሉ ህዝቢ ትግራይ ፀልማት እዩ ነይሩ። እንታይ ሰሪሐን በሊዐን ክሓድር ኢልካ እትሓስበሉ ዘይኮነስ ንፅባሕኸ ብህይወት ክፀንሕ’ዶ? ይህሉ ይኸውን እናበልካ መዓልታት እትቘጽረሉ እዩ” ክትብል ነቲ ክልተ ዓመታት ትዝክሮ።
ንብርሃን እቲ እዋን ብዛዕባ ፅባሕ ይዅን ንመጻኢ እትትልመሉ ግዜ ኣይነበረን። ብህይወተይ ንምንባርካ'ውን ርግፀኛ ክትከውን ኣይትኽእልን።
“ንህይወት ትርጕም እትስእነሉ ግዜ ነይሩ። ብፍላይ ቤተሰብ መስሪትካን ቈልዓ ሒዝካን ብጣዕሚ እዩ ዝኸብድ። ንፅባሕ ብህይወት ምጽናሕካ እዩ ዘሕስበካ ካልእ ኵሉ ነገር ብኻልኣይ ደረጃ ኢኻ ትሰርዖ” ትብል።
ንሳን በዓል ቤታን ዝነበሮም ስራሕ ብምስኣኖም ልክዕ ከምቲ ካልእ ትግራዋይ ንመዓልታዊ መነባብሮ ዝኸውን ምንጪ እቶት ኣይነበሮምን። ብፍላይ ንውላዶም እንታይ ከምዘቕርቡሉ ምሕሳብ እቲ ብቐዳማይ ደረጃ ዝሰርዕዎ ጭንቀቶም ኮነ።
“ንዝዀነ ይዅን ሰብ ዘይትምነዮ ኵነታት እዩ። ህይወት ኣብ ሓደ ቦታ ደው ዝበለት ይመስለካ። ኣብቲ ኵነታት ኴንና ግን ወፂእና እንምለሰሉ ዓይነ ብርኪ ስለዝነበረና ተመስገን ዘብል እዩ” ክትብል ንዝሓለፍዎ ትዝክር።
ጐደናታት መቐለ ከም ኣመራጺ
ስርሖም ብምስኣኖም ዝዀነ ዓይነት ኣታዊ ኣይነበሮምን። ንሳን በዓልቤታን እንተረኺቦም እናጠዓሙ እንተዘይረኺቦም ጠምዮም እናሓለፉ መዓልታት ሓሊፉ።
ገና ህጻን ዘሎ ወዶም ግን ግድን መግብን ካልኦት ነገራት የድልዮ ስለዝነበረ፡ ብርሃን ምስ በዓልቤታ ኣብ ሓደ ጉዳይ ተዘራረቡ።
“ኣብ ኢድካ ዝዀነ ነገር እንተዘይሃልዩካ ዝዀነ ኣማራፂ ኢኻ ምድላይ ትጅምር። እትተኣማመነሉን ዝሓዝካዮን ነገር ምስ ሰኣንካዮ ንምንባርካ ኣማራፂታት ክትእልሽ ትጅምር። ስለዚ እታ ንድልየታትካ ክተማልኣላ እትኽእል ስራሕ ኢኻ ትዋፈረላ” ክትብል ትዛረብ።
ስለዝዀነ ብርሃን፡ ገና ቈልዓ እናሃለወት እኖሓጎኣ (ዓባያ) ወፊረን ዝኣትዋሉ ሓደ ዓውዲ ስራሕ ናብ ሕልናኣ ቀረበ። ቈልዓ ኰይና ምስአን እናኸደት ትውዕለሉ ዝነበረት ስራሕ ድማ ዕዳጋ ሸቐጣት እዩ ነይሩ።
ምስ በዓልቤታ ኣብቲ ጉዳይ ተዘራረቡ። ህይወቶምን ህይወት ወዶምን ከቐፅሉ እንተዀይኖም ናይ ግድን ሸቐጣት ሒዝካ ናብ ጐደናታት ምውፃእ ኣማራፂ ዘይብሉ ፍታሕ ምንባሩ ተረዳድኡ። ነቲ ስራሕ ድማ ንሳ ክትወፍረሉ ወሰኑ።
“ምስ በዓል ገዛይ ብምዝርራብ ምስ ወሰንና፡ ለካቲት 2014 [ግእዝ] ናብቲ ስራሕ ኣትየ። ንመግቢ ዝውዕል ከም ኣሕምልትን ፍረምረን ዝበሉ መሰረታዊ ሸቐጣት ሒዘ ክዘውር ጀሚረ። ካውሎ፡ ኮሚደረ፡ ሽጉርትን ካልኦት ዝሓሸ ዕዳጋ ዝረኽቡ ነገራትን ይሸይጥ” ትብል።
ኣብቲ ፈለማ ኣብ ሓደ ቦታ ኮፍ ኢላ ክትሸይጥ እንተፈተነት’ኳ ውፅኢታዊ ብዘይምንባሩ ግን ምስ ፀሓይን ንፋስን ሓዝ ክሕዝ እናተበኣሰት ኣብ ጐደናታት መቐለ ክትዘውር ተገደደት።
ነታ በዓልቲ ሓንቲ እግሪ ዓረብያ ብኣስቤዛታት መሊኣ እናደፍአት ዓዳጊ እንተረኸበት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ትንቀሳቐስ።
“ካብ መንደር ናብ መንደር እየ ዝዘውር። ኣዝዩ በዳሂ ነይሩ። ግን ድማ ትኽእሎ ኢኻ። ጥራይ ብህይወት ምህላው’ምበር ዘይከኣል ኣይነበረን። ኵሉ ትሕቲ ሞት እዩ። ብኣእምሮኻን ኣካልካን ጽዒርካ እትረክቦ ነገር ይንኣስ ይዕበ ዕገበት እዩ ዝህበካ” ብምባል ነቲ ዘላትሉ ኵነታት ተመስግን።
ሰባት እንታይ በሉ?
ብርሃን ክሳብ ካልኣይ ዲግሪ ተማሂራ፤ ብሞያ ጋዜጠንት ሰሪሓ፤ ብመምህርነት ዩኒቨርሲቲ ኣገልጊላ ሎሚ ግን ኣብ ጐደነታት መቐለ ሸቐጣት ሒዛ ክትርኣይ “ከቢድ ወይ ዘሕዝን” ኵነታት ከምዝዀነ ምግማት ይከኣል ይኸውን።
ንሳ ግን ነዚ ከም ዓቢይ ኒሕን ሓይልን እያ ትወስዶ። ካብቲ ዝነበረ ናይ ኲናት መዓት ብህይወት ወፂእካ ነዚ ስራሕ ምስራሕ ከም ዕድል ትቘጽሮ።
“ኣብዚ ስራሕ ካብ ዝረኣዩኒ ሰባት እቶም ዝበዝሑ ናእዳ እዮም ዘቕርቡለይ። ‘ንሕና ደፊርና ክንወፅኣሉ ዘይከኣልና ስራሕ ደፊርክዮ’ ይብሉኒ። ግዘን ኵነታትን ንዝሃበካ ስራሕ ከም ኣማራጺ ወሲድካ ክትሰርሕ ግድን እዩ” ክትብል ነቲ ካብ ሰባት ዝወሃባ ሓሳባት ትገልፆ።
ካብዚ ብዝተፈለየ ድማ ውሑዳት ሰባት ‘ዝምጥና ስራሕ ከምዘይኰነ’ ዝገለፁላ ኣይተስኣኑን።
ስራሕካ ስኢንካ ብዘይ መሃያ ምንባር ኣዝዩ በዳሂ ከምዝዀነ እትዛረብ ብርሃን ግን፡ ንምንባር ክትብል ኣማራጺ መገዲታት ምኻድ ግድን እዩ ትብል።
ንሳን በዓልቤታን ልክዕ ከም ካልኦት ሰራሕተኛታት መንግስቲ መሃያ ካብ ዘይክፈሎም ክልተ ዓመት መሊእዎም ኣሎ። በዚ ምኽንያት መዓልታዊ መሰረታዊ ጠለባት ንምምላእ ዝግበር ቃልሲ ኣዝዩ በዳሂ ከምዝዀኖም ብርሃን ትዛረብ።
በዚ ምኽንያት ህይወት እታ ስድራ ክትቕጽል ንምግባር ሎሚ’ውን ኣብ ጐደናታት መቐለ ትውዕል ኣላ።
“እንቋዕ ብህይወት ወጻእና እዩ እቲ ቀንዲ ነገር። ብህይወት እንተሃሊኻ ዘይስራሕ የለን። ሎሚ ኣብቲ ስምምዕ ሰላም ተስፋ ጌርናለና። ብቕልጡፍ ተፈጺሙ ድማ ናብ ዝነበርናሉ ስራሕ ክንምለስን ናብራና ክንመርሕን ተስፋ ኣሎአና” ክትብል ትዛረብ።