እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቈልዑ ንምዕባይ ብሉጻት ዝዀና ሃገራት
ብዙሓት ስድራቤታት ብፍላይ ድማ ስደተኛታት ደቅና ኣበይ እንተዕበናዮም ዝሓሸ ይኸውን? ብሱሩ ኣበየነይቲ ሃገር ይምረጽ? ዝብሉ ሕቶታት ብተደጋጋሚ ይሓቱ’ዮም።
ንሕና ክኣ፡ ንኹሎም ሕቶታቶም ንምልስ።
ናብ ካልእ ሃገር ክግዕዙ ንዝደልዩ ሰባት፡ ደረጃ ናይተን ኣብ ዓለም ኣዝየን ንምባር ምቹኣት ዝዀና ሃገራት ምፍላጥ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ቈልዑ ምስ ዝህልወካ ግን፡ ካልኦት ኣብ ግምት ክኣትው ዝግብኦም ነገራት ኣለው።
ንበል ማእከላይ እቶት ወይ ቁጠባዊ ምርግጋእ ንላዕሊ ክትመዝኖም ዘለካ ረቛሒታት ብዙሓት’ዮም።
ብዛዕባ ጥዕና ወይ ኩነታት ህጻናት ናይቲ ከባቢ፣ ጽሬት ትምህርቲ፣ ፖሊሲታት ዕረፍቲ ስድራቤት - ዋላ’ውን ኣየኖት ሃገራት ዝያዳ ሓምላይ ቦታ ወይ መጻወቲ ቦታታት ኣለወን ክትፈልጡ ትደልዩ ትዀኑ።
ኤጀንሲ ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) “report cards” ኣብ ዝብሎ ጸብጻቡ፡ ብዛዕባ ጽቡቕ ህይወት ህጻናት ኣብ ዘተኮረሎም ከምዚ ዓይነት ረቛሒታት እዮም።
ገለ ካብዚ መጽናዕቲ ብምውሳድ፡ ነፍሲ ወከፍ ስደተኛ ስድራቤት ዘልዕሎ ሕቶ ንምምላስ ክንፍትን ኢና፤ ቆልዑ ንምዕባይ ዝበለጹ ቦታታት ኣበይ እዮም?
ጃፓን
ዩኒሴፍ ኣብ 2020 ብዛዕባ ጽቡቕ ህይወት ህጻናት ኣብ ዘካየዶ ትንታነ፡ ጃፓን ብኣካላዊ ጥዕና (ሞት ህጻናትን ልዕሊ ዓቐን ርጉድን ኣብ ግምት ብምእታው) ቁጽሪ ሓደ ገይሩ ሰሪዑዋ።
ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ብፍሉይ ህጻናት ዝዓብዩሉ ከባቢታት ዝርኣየ ኣብ 2022 ዝዉጽኦ ጸብጻብ ‘ካርድ ዩኒሴፍ’፡ ን"ዓለም ኣብ ዙርያ ህጻን" ብዝብል ካልኣይ ደረጃ ሒዛ እያ።
እዚ ደረጃ፡ ሓምለዋይ ቦታ ከተማታትን ድሕነት ትራፊክን ዘጠቓልል እዩ።
ጃፓን ብተወሳኺ ዝወሓደ መጠን ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ዘለዎም ህጻናት ዘለዋ ሃገር ኰይና፡ ትሑት ሞት ህጻናት፣ ትሑት መጠን ብከላ ኣየር ወይ ማይ ዘለዋ ሃገር እያ።
ብመንጽር ሓደጋ ትራፊክ ጥራይ ዘይኰነ፡ ሓፈሻዊ ብኻልኦት መገዲታት ዘጋጥም ቅትለት’ውን ክርአ እንከሎ ጃፓን ካብተን ውሑድ መጠን ቅትለት ዝረኣየን ሃገራት እያ።
ዩኒሴፍ ነዚ ከረድእ እንከሎ፡ ካብ 100,000 ሰባት 0.2 እዩ ይብል፤ እዚ ቑጽሪ ኣብ ኣሜሪካ (5.3)፣ ካናዳ (1.8)፣ ኣውስትራልያ (0.8) እዩ።
በዚ ምኽንያት፡ ጃፖን ንስድራቤታት ካብተን ውሑሳት ሃገራት እያ ትስራዕ።
ኣብታ ሃገር ዘሎ ውሕስና ድሕነት ድማ ስድራቤታት ቁሩብ ክዛነዩ የኽእሎም ጥራይ ዘይኰነ፡ ህጻናት ብናጽነት ክዓብዪ ኣብ ምግባር ዓብዪ ጽልዋ ከም ዘለዎ ኣብ ቶክዮ ተወሊዳ ዝዓበየት ተቐማጢት ለንደን ማሚ ማካግ ትዛረብ።
"ቆልዑ ካብ ሽዱሽተ ዓመት ዕድሚኦም ጀሚሮም ባዕሎም ናብ ቤት ትምህርቲ ይኸዱ። እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ዘሎ እንተዘይኰይኑ ድማ ባዕሎም ብኣውቶቡስ ወይ ባቡር ይኸዱ" ትብል።
ወሲኻ፡ "ኣብ ማእከል ቶክዮ'ውን እንተዀነ፡ ናይ ብሓቂ ውሑስ ስለ ዝዀነ ቆልዑ በይኖም ብናጽነት ናብ ቤት ትምህርቲ ይኸዱን። ንሕና (ስድራቤት) ዘጨንቕ ነገር ስለ ዘይብልና፡ ፈጺምና ኣይንጭነቕን” ኢላ።
ጃፓን ኪኖ እቲ ብጥዕናን ድሕነትን ዝረኸበቶ ደረጃ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ዝለዓለ ስርዓታት ትምህርቲ ዘለዋ ሃገር እያ።
ትካል ቁጠባዊ ምትሕብባርን ልምዓትን (OCED) ዘካየዶ ዳህሳስ፡ ካብ 76 ሃገራትን ዞባታትን መበል 12 ደረጃ ኣቐሚጡዋ ይርከብ።
ከምኡ’ውን፡ ወለዲ ዝኽፈሎ ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ብምሃብ ልግሲ ዝመልኦ መሰላት ትህብ ተባሂላ ትንኣድ። ኣቦታት’ውን ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ክወስዱ ተተባብዕ።
እቲ ዝገርም ግን ጃፓን ንስድራቤታት እተቕርቦ ብዙሕ ረብሓታት እኳ እንተሃለወ፡ ደቂ ዓዲ ግን ገለ ዝነቕፉዎም ነገራት ኣይስኣኑን።
“ጃፓን ብሓቂ ቈልዑ ንምዕባይ ደስ እትብል እያ ምበልኩ” ትብል ማካግ።
ኢስቶንያ
ኢስቶንያ ብሓፈሻ ኣብ ደረጃ ዩኒሴፍ ኣብ ቅድሚት እትርከብ ሃገር እኳ እንተዘይኰነት፡ ብብዙሕ ኣገደስቲ መዳያት ግን ኣብ ቅድሚት ትስራዕ’ያ።
ኣብዛ ሃገር ዝነብሩ ህጻናት፡ ዳርጋ ካብ ዝዀነት ሃብታም ሃገራት ንላዕሊ ንውሑድ ብከላ ኣየር፣ ዝወሓደ ብከላ ድምጽን ውሑድ ጸረ-ባልዕን ዝተቓልዑ እዮም።
ካብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት - ኣመሪካ፣ ካናዳ፣ ኣውስትራልያን ዓባይ ብሪጣንያን ሓዊሱ - ዝበዝሓ ከተማታት ኢስቶኒያ ሓምለዎት እየን።
ብፍላይ ህጻናት ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ናይ መዘናግዒ ቦታታት ኣዝዮም የስተማቕሩዎም።
ብተወሳኺ ኢስቶንያ ምስ ካልኦት ሃፋትም ሃገራት ክትወዳደር እንከላ፡ ኣብታ ሃገር ትሕቲ ክብደት ዝውለዱ ህጻናት ኣዝዮም ውሑዳት እዮም፤ ብሓፈሻ ንጽሬት ክንክን ስድራቤታዊ ናብዮት ጽቡቕቲ መርኣያ ተባሂላ ትውሰድ።
ኢስቶኒያ ዝያዳ ሰሓቢት ዝገብራ ግን፡ እቲ ዘለዋ ስርዓተ ትምህርቲ እዩ።
ካብ ዝዀነት ኤዥያዊት ሃገር ንላዕሊ፡ ህጻናት እታ ሃገር ዝሓሸ ክእለት ሒሳብ፡ ሳይንስን ትምህርትን
ኣለዎም። ዲጂታላዊ ክእለታት’ውን ልዑል ትኹረት ይግበረሎም።
"ኣብ መውዓሊ ህጻናት ሮቦቲክስ፣ ስማርት ታብሌታትን ካልእን ኣሎ” ትብል ስርዓታት ቅድመ ትምህርቲ እታ ሃገር እተጽንዕ ኣካያዲት ስራሕ ቦርድ ትምህርትን መንእሰያትን ኢስቶንያ ኣን-ማይ ሚሳክ።
ረብሓ እቲ ስርዓት ትምህርቲ ግን ካብ ክእለት ምንባብን ሮቦቲክስን ዝሓልፍ እዩ።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጽአ ጸብጻብ (OECD) ከም ዘመልክቶ፡ ማእከላይ ቈልዓ ሓሙሽተ ዓመት ኢስቶንያዊ ህጻን፡ ካብቶም ኣብ ኣመሪካን ዓዲ እንግሊዝን ዘለዉ ንላዕሊ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ-ስምዒታዊ ክእለታት - ምስ ካልኦት ህጻናት ምትሕብባርን ስምዒታት ምልላይን - ዝበለጸ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ብተወሳኺ ኣብ ከም ኣእምሮኣዊ ተዓጻጻፍነትን ምዝካርን ዝኣመሰሉ ክእለታት ብሉጻት እዮም።
ብድሕሪኡ ናይ ስድራቤት ዕረፍቲ ኣሎ።
ኢስቶንያ ኣብ ዓለም ለጋስ ፖሊሲታት ካብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ እያ።
100 መዓልታት ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ከምኡ’ውን 30 መዓልታት ናይ ኣቦነት ዕረፍቲ ሓዊሱ፡ ሓደ ቈልዓ ሰለስተ ዓመት ክሳብ ዝመልኦ ተፈራሪቑ ዝወሃብ 475 መዓልታት ናይ ወለዲ ዕረፍቲ እትህብ ሕያወይቲ ሃገር እያ።
ክሳብ 60 መዓልቲ ክልቲኦም ወለዲ (ሰብኣይን ሰበይትን) ብሓንሳብ ኣብ ገዛ ክጸንሑን ክልቲኦም ድማ ደሞዝ ክኽፈሉን ይኽእሉ።
ነፍሲ ወከፍ ወላዲ ንነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ክሳብ 14 ዓመት ዝመልእ ንነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ዝኸውን 10 ናይ ስራሕ መዓልታት ናይ ወለዲ ዕረፍቲ እውን ይረክብ።
(እዚ ዕረፍቲ እዚ ንቐወምትን ግዝያውያንን ነበርቲ ኢስቶንያ ዝወሃብ ኰይኑ፡ ንዜጋታት ወጻኢ’ውን ይሓውስ)
ስጳኛ
ስጳኛ ዩኒሴፍ ኣብ ዘቐመጦ ደረጃ ዝለዓለ መስርዕ ዝሓዘት ኰይና፡ ኣብታ ሃገር ብፍላይ ብሰንኪ ብከላ ኣየር ወይ ማይ ዝመጽእ ሕማም ህጻናት ትሑት እዩ።
ዋላ’ውን ማሕበራዊ፡ ትምህርትን ጥዕናዊ ኣገልግሎታትን ዝደኸሙ እንተዀኑ፡ ኣብ ስጳኛ ዝርከቡ ህጻናት ልዑል ጽቡቕ ህይወት ኣለዎም።
እታ ሃገር ብጥዕና ኣእምሮ ህጻናት ሳልሳይ እያ ትስራዕ፤ ብመሰረታዊ ኣካዳሚያውን ማሕበራውን ክእለት ድማ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ትስራዕ።
(81%) ህጻናት ብቐሊሉ ምስ መሳቱኦም ምሕዝነት ክፈጥሩ ከም ዝኽእሉ ይግለጽ፤ እዚ ምስ ኔዘርላንድ/ሆላንድ ዝመጣጠን እዩ።
ኣብ ሃፋትም ሃገራት ካብ ዝርአን መጠን ነብሰ ቅትለት መንእሰያት ድማ እቲ ዝተሓተ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ትሕቲ ሓደ ሲሶ ናይቲ ኣብ ኣመሪካ፣ ካናዳ፣ ኣውስትራልያ ወይ ኒውዚላንድ እዩ።
እዚ ነታ ቅድሚ 15 ዓመት ካብ ቺካጎ ናብ ማድሪድ ዝገዓዘት ሎሪ ዛይኖ ዝገርም ኣይኰነን።
ሕጂ ኣደ ሓደ ቈልዓ ኰይና፡ ኣብ ስጳኛ ሓደ ካብቲ ኣዝዩ መንፈስካ ዘሐድስ መዳያት ህይወት፡ ንህጻናት ዝሓቁፍ ባህሊ ምህላው ትዛረብ።
"ኣብዚ ንውላድካ ናብ ኩሉ ቦታ - ቤት መግቢ፣ እንዳ መስተ - ምውሳድ ማሕበራዊ ቅቡልነት ኣለዎ። ፍርቂ ለይቲ ህጻን ቈልዓ ሒዞም ዝንቀሳቐሱ ሰባት ምርኣይ ንቡር'ዩ። ደቅኻ ካልኦት ሰባት ንከይርብሹ ስቕ ክብሉን ድምጾን ክንክዩን ክትዛረቦም ጸቕጢ ኣለዎ። ኣብ ስጳኛ ግን ብዛዕባ እዚ ዝጭነቕ ሰብ የለን። ኩሉ ሰብ ሕጉስን ዓው ኢሉ ዝዛረብን፣ ሓበራዊ ናይ ስድራቤት ግዜ ዘስተማቕርን እዩ” ትብል።
ደጊምና፡ ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ከነልዕል።
ኣቦን ኣደን ነፍሲ ወከፎም፡ ሚኢቲ ሚኢታዊት ደሞዞም ዝኽፈሎ ናይ ኣርባዕተ ወርሒ ዕረፍቲ ይፍቀደሎም።
እታ ኣደ ድማ ውላዳ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ዝመልኦ ዘይኽፈሎ ዕረፍቲ ክትወስድ ወይ ናይ ስራሕ ሰዓታት ክትንኪ ይፍቀደላ።
እዞም ኣማራጺታት እዚኦም ንዝዀነ ኣብ ስርዓተ ማሕበራዊ ድሕነት ስጳኛ ዝተመዝገበ ሕጋዊ ነባሪ ዝምልከቱ ኰይኖም፡ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ዓመታት እንተወሓደ ን180 መዓልታት ኣበርክቶ ዝገበረ ሰብ ተጠቃሚ ይኸውን።
ሕጽረት ክንክን ህጻናት ግን ዓብዪ ጉዳይ እዩ፤ 33 ሚኢታዊት ወለዲ ቁጽሪ እቶም ኣብታ ሃገር ዘለው ማእከላት ዝያዳ እንተዝኸውን ኢሎም ከም ዝምነዩ ይዛረቡ።
ከምኡ’ውን ኰይኑ ግን እታ ሃገር ንስድራቤታት እትህቦም ብዙሓት ነገራት ኣለውዋ።
ፊንላንድ
ዩኒሴፍ ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት ካርድ፡ ፊንላንድ ብሓፈሻ ኣብ ሓሙሻይ ደረጃ ትስራዕ።
ንኣብያተ ትምህርቲ፣ ሓደጋታት ትራፊክን ሓምለዋይ ቦታን ሓዊሱ ንህጻናት ምችእነት ዘለዋ ሃገር እያ።
ብመንጽር ምጽሓፍን ምንባብን ከምኡ’ውን ሒሳብ ህጻናት ብዝለዓለ ደረጃ ዕውታት ካብ ሞንጐ ዝዀኑለን ሃገራት ዓለም ድማ ሓንቲ ኰይና፡ ብፍላይ ወለዲ ምስ ሰራሕተኛታት ኣብያተ ትምህርቲ ዘለዎም ርክብ ልዑል ግምት ይህቡዎ።
ካብ 5-14 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዘጋጥም ሞት እቲ ዝውሓደ እዩ። እዚ ድማ፡ ትሕቲ ፍርቂ ካብቲ ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ እዩ።
ከምኡ’ውን እታ ሃገር ልግሲ ዝመልኦ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ትህብ።
ሓደ፡ እታ ኣደ ዝኽፈሎ ናይ ሸሞንተ ሰሙናት ዕረፍቲ ክትወስድ እንከላ፡ ተወሳኺ ኣብ ሞንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዝማቐሉዎ ናይ 14 ኣዋርሕ ዝኽፈሎ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ይወሃቦም።
ብተወሳኺ፡ ሓደ ቆልዓ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ዝመልኦ ክውዕል ዝኽእል ተወሳኺ ዕረፍቲ ክንክን ህጻናት ትህብ።
(እቲ ቈልዓ ኣብ ፊንላንድ፡ ወይ ኣብ ዝዀነት ሃገር ኖርዲክ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ወይ ቁጠባዊ ቀጠና ኤውሮጳ ቅድሚ ምውላዱ፡ እቲ ስድራ ብውሑድ ን180 መዓልታት ብመድሕን ጥዕና ዝሽፈን ሕጋዊ ነባሪ ፊንላንድ ክኸውን ኣለዎ።)
ኣቦ ሓሙሽተ ቈልዑ ብሪጣንያዊ ሃድሊ ዲን ምስ ስድርኡ ኣብ ፖላንድ፣ ቼክ ሪፓብሊክን ፊንላንድን ተቐሚጡ እዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ንኻልኣይ ግዜ ምስ ስድርኡ ኣብ ፊንላንድ ይነብር ከም ዘሎን እቲ ዓዲ ከም ዝፈትዎን ይዛረብ።
ንርእሰ ከተማ ሄልሲንኪ ሓዊሱ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሽፋን ሓምለዋይ ከባቢ ሓደ ካብ ጸጋታታ እዩ።
"ኣብ ሄልሲንኪ ወይ ፊንላንድ ዝተፈልየ ነገር እቶም መዘናግዒ ቦታታት ብሓቂ ዝተፈለዩ፣ ኣዝዮም ተፈጥሮኣዊ ዝዀኑ እዮም። ልክዕ ናብ ማእከል ከተማ ከም ዝኣቱ ተፈጥሮኣዊ ጫካ እዮም። ኣብ መንጎ ኣብ ተፈጥሮ ምህላውን ብጭንቀትን ዘይምስቓይን ውሁብ ምትእስሳር ኣሎ፤ ስለዚ እዚ ናይ ብሓቂ ኣወንታዊ” ይብል ዲን።
እቲ ኣዝዩ ቀዝሒ ዝበዝሖ ክረምቲ ፊንላንድ ከ?
ዲን፡ ንዝዀነ ዘየጣዕስ ነገር እትኸፍሎ ዋጋ ኣሎ ይብል።
"በቃ ትለምዶ - ወቕቲ ሓሊካ ትኽደን፤ ሓጋይ ድማ ፍጹም ዘገርም'ዩ - ምኽንያቱ ን22 ሰዓታት ብርሃን ጸሓይ ስለ ዘለካ።"
ኔዘርላንድ
ዩኒሴፍ ንጽቡቕ ህይወት ህጻናት ኣመልኪቱ ኣብ ዘስፈሮ ዝርዝር ኣብ ቅድሚት ዘላ ሆላንድ እያ።
ብፍላይ ብመንጽር ጥዕና ኣእምሮ ህጻናት (ቁጽሪ ሓደ እያ) ብክእለታት (ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ትስራዕ)።
ካብ 10 ቈልዑ 15 ዓመት እቶም ትሽዓተ ልዑል ዕግበት ህይወት ከም ዘለዎምን እዚ ድማ ካብ ኩለን ዩኒሴፍ ዳህሳስ ዘካየደለን ዝለዓለን ኰይኑ፡ ካብ 10 ድማ እቶም ሸሞንተ ብቐሊሉ ዕርክነት ከም ዝፈጥሩ ይዛረቡ።
ን13 ዓመታት ኣብ ሆላንድ እትነብርን ጸሓፊትን ኦልጋ ሜኪንግ ገለ ካብዚ ባህሊ ምዃኑ ትገልጽ።
ንሳ ኣደ ሰለስተ ቈልዑ እያ።
"ኣመሪካውያን ንኹሉ ሰብ ፍሉይ ክኸውን ከመይ ጌሮም ክምህርዎ ይፍትኑ’ዮም፤ ኣብዚ ግን 'ንቡር ጥራይ ኩን፤ እኹል’ዩ’ ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ" ትብል።
ኣብታ ሃገር ማሕበራዊ ምትእስሳር ዓብዪ ትኹረት ከም ዝወሃቦ ብምግላጽ፡ ኣብ ጉጅለታት፣ ክለባትን ማሕበረሰባዊ ንጥፈታትን ምስታፍ ልሙድ ምዃኑ ሓቢራ።
ስድራቤታትን ቆልዑን ሆላንድ ሕጉሳት ምዃኖም ክኣ መሓውራዊ ምኽንያታት ከም ዘለው ትዛረብ።
"ብዘይ ስርዓት ድሕነት ሆላንድ፡ ሆላንዳዊ ኣተዓባብያ ክህልወካ ኣይኽእልን። ሆላንድ ድማ ብሓቂ ንወለዲ ብዙሕ ደገፍ እያ ትህብ” ትብል።
ፖሊሲ ዕረፍቲ ስድራቤት ሓደ ኣብነት እዩ።
እዚ፡ ብውሑዱ ን16 ሰሙን ዝጸንሕ ብግዲ ዝውሰድ ምሉእ ክፍሊት ዘለዎ ናይ ወሊድ ዕረፍቲን ክሳብ ሽዱሽተ ሰሙን ዝጸንሕ ዝኽፈሎ ናይ ኣቦነት ዕረፍቲን ዘጠቓልል ኰይኑ፡ እቲ ቆልዓ ክሳብ ሸሞንተ ዓመት ዝመልእ ክውሰድ ዝኽእል ደሞዝ ዘይክፈሎ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ኣለዋ።
እዚ ድማ፡ ንዝዀነ ኣብቲ ብሕጋዊ መንገዲ ዝነብርን ዝሰርሕን ሰብ ይወሃብ።