ክብረወሰን ዓለም ዝሰበረ ልዕሊ 12 ኩንታል ዝምዘን ዱባ

ማይክል ጆርዳን ዝብል ስም ዝተዋህቦ ዓቢይ ዱባ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝኸበደ ብዝብል ተመዝጊቡ ዝጸንሐ ዱባ ብምምሕያሽ ክብረወሰን ዓለም ኣመሓይሹ።

ነቲ ዱባ ዘዕበየ ውልቀሰብ ድማ 30 ሽሕ ዶላር (24,500 ፓውንድ) ሽልማት ገንዘብ ክረክብ ኣኽኢሉ።

ኣብ ኣመሪካ ሚነሶታ መምህር ሕርሻ ኣትክልትን ፍረታትን ዝዀነ ትራቪስ ጂንገር ዘዕበዮ 1,247 ኪሎ ግራም ዝምዘን ዱባ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ክብረወሰን ብ21.3 ኪሎግራም በሊጽዎ ኣሎ።

ጂንገር ነቲ ዶባ ኣብ ዘዕብየሉ እዋን ተወሳኺ ፍሉይ ክንክን ዝገብረሉ ዝነበረ ኰይኑ ኣብ መዓልቲ 12 ግዜ ማይ የስትዮ።

ነቲ ማይክል ጆርዳን ዝብል ስም ዝተዋህቦ ዱባ ብ10 ሚያዝያ ኣብ ሚነሶታ ዝተኸሎ ኰይኑ ኣብ ክንክንን ምምጋብን ጥራይ ኣስታት 15 ሽሕ ዶላር ከምዘውጽኣሉ መርበብ ሓበሬታ ኤስኤፍጌት ዶት ኮም (sfgate.com) ሓቢሩ።

ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ኣብቲ ውድድር ንምስታፍ ብመኪና ናብ ካሊፎርንያ ወሲድዎ።

እዚ ወዲ 43 ዓመት መምህር ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ዱባ ናይ ምቡቋል ተመኵሮ ዝጸንሖ እዩ፤ ሰለስተ ግዜ ከኣ ሻምፕዮን ኰይኑ ኣሎ።

እቲ ውድድር ከም መዘናግዒ እዩ ነይሩ፡ ኣብ 1974 ኣብ መንጐ ከተማታት ሰርክልቪል ካብ ኦሃዮ ከምኡ’ውን ሃፍ ሙን በይን ካብ ካሊፎርንያን ተጀሚሩ።

ኣብዚ እዋን ከኣ ዝዓበየ ዱባ ናይ ምምዛን ዓለማዊ ውድድራት ከምዝዓበየ ኣዳለውቲ ይዛረቡ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ዝተዓወተ ገዚፍ ዱባ ብስም እቲ ብሉጽ ተጻዋታይ ኩዕሶ ሰኪዐት ነበር ማይክል ጆርዳን ከምዝተሰመየ ኣፍራዪኡ መምህር ሕርሻ ኣትክልትን ፍረታትን ትራቪስ ጂንገር ተዛሪቡ።