ሓሙሽተ ኣንስቲ፡ 52 ቆልዑን 800 ከብትን ዘለዎ ሽማግለ

ኣብ ባህሊ ኦሮሞ ከብቲ ኣዝየን ኣገደስቲ እየን።

ከብቲ ዘለዎ ብከብቱ ይውደስ። ቀደም ሃብቲ ብብዝሒ ከብቲ እዩ ዝግለጽ ነይሩ። ብፍላይ ኣርባሕቲ እንስሳ ኣብ ዝዀኑ ከባቢታት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ወነንቲ ከብቲ ምርኣይ ዘገርም ኣይነበረን።

እንተዀነ እዚ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ናይ ቀደም ታሪኽ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ።

ንኣቶ ጃርሶ ዳክሲሶ ግን ሕጂ’ውን ናይ ቀደም ታሪኽ ኣይኰነን። ንሱ፡ ክሳብ ሕጂ ሃብቱ ብከብቱ፡ ብዘርብሐን ኣላሕሙ እዩ ዝዕቀን።

ኣብ ዞባ ኣርሲ ወረዳ ኣጄ ዝነብር ወዲ 75 ዓመት ኣቶ ጃርሶ፡ 800 ከብቲ ይውንን።

ስሙ ዝጽዋዕ ግን ብብዝሒ ከብቱ ጥራይ ኣይኰነን።

ኣቶ ጃርሶ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ ሓሙሽተ ኣንስቲ ኣለዋኦ። ካብ ኣንስቱ 52 ቆልዑ ወሊዱ’ዩ።

ንደቂ ደቁ ሓዊሱ ድማ ጠቕላላ ኣባላት ስድርቤቱ ልዕሊ 100 ምዃኖም ይዛረብ።

ካብተን ኣስታት 100 ዝዀና ከብቲ ዝሓልቦ ጸባ፡ ካብታ ዓባይ ስድራቤት ሓሊፉ ንጎረባብቱ'ውን ዝተርፍ እዩ። ብተወሳኺ ናብ ዕዳጋ’ውን ይቐርብ።

ኣቶ ጃርሶ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ ከብቱ ናብ መጓሰ ዝኸዳን ኣብ ደምበ ዝውዕላን ኢሉ ኣብ ክልተ ይመቕለን።

“ናብ መጓሰ ዝኸዳ 800 ከብቲ ኣለዋኒ። እዚ ምስ ኣላሕም ዝኸዳ ምራኻት የጠቓልል" ይብል።

እዚ ሽማግለ ሰብ ከመይ ኢሉ ክንድዚ ዝኣክል ብዝሒ ከብቲ ክውንን ክኢሉ? ንሱ ከም ዝብሎ፡ ዋላ’ኳ ካብ ወለዱ ወሪሱ እንተነበረ፡ ንሱ ባዕሉ’ውን ንነዊሕ ዓመታት ከብቲ ከርብሕ ጸኒሑ’ዩ።

“ካብ ኣቦይ 42 ከብቲ ወሪሰ’የ" ብምባል ምስቲ ንሱ ዘርበሐን ኣብዚ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ብዘይካ ከብቲ፡ ሓያሎ ኣእዱግን ኣባቕልን ከምኡ’ውን ጤለበጊዕ ከም ዝውንን ይገልጽ።

“ብድምር 150 ኣጣልን ኣባጊዕን፡ ኣስታት 50 ኣእዱግን ኣፍራስን ኣለዉኒ" ይብል ካብ ሸውዓተ ዘይውሕዱ ጓሶት ዘለዎ ኣቶ ጃርሶ።

ኣቶ ጃርሶ ካብ ምርባሕ ከብቲ ብተወሳኺ ኣብ ሕርሻ’ውን ይነጥፍ’ዩ።

ኣብቲ ዝነብረሉ ዞባ ኣርሲ፡ ኣጄ ሻለ ብዝብል ዝፍለጥ ከባቢ ብዘይካኡ ኣማኢት ከብቲ ዝውንኑ ብዙሓት ሰባት ከም ዘለዉ ይዛረብ።

ቦኽሪ ወዱ ከይተረፈ ካብ 300 ዘይውሕዳ ከብቲ ይውንን።

በብዓመቱ ካብ 95 ኣላሕም ጸባ ይሓልብ፤ ካብታ ስድራቤት ዝተረፈ ጸባን ፍርያት ጸባን ድማ ንዕዳጋ ከም ዝቐርብ ይገልጽ።

“ ጸባ ንሰብ ንህብ፤ እቶም ጓሶት ይሰትዩ። ጋሻ ይሰቲ” ይብል። ኣደ ደቁ ናብ ከተማ ኣጀ ወሲደን ካብ ዝሸጥኦ ጸባን ፍርያት ጸባን ኣብ ሰሙን ብዙሕ ኣታዊ ከም ዝረክብ’ውን ወሲኹ ይሕብር።

ኣይተ ጃርሶ ኣብ ሰሙን ካብ ጸባን ፍርያት ጸባን ብዙሕ ገንዘብ ከም ዝረክብ ይዛረብ።

ንሱ ዝውንኖም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብዑር፡ ናቱን ናይ ኣዝማዱን መሬት ይሓርሱ።

ኣቶ ጃርሶ፡ እተን ልዕሊ 800 ዝዀና ዝውንነን ከብቲ፡ ደቁን ደቂ ደቁን ከም ናቶም ገይሮም ከም ዝጥቀሙለን’ዩ ዝዛረብ።

"ናተይ ይብሃላ እምበር፡ ብዙሓት ሰባት እዮም ዝጥቀሙለን። 10 ወይ 20 ከብቲ እናመደብኩ እቶም ዝተጸገሙን ንደቀይ ዝተመርዓዉን ይጥቀሙለን" ይብል።

ኣቶ ጃርሶ ኣብ ሰፊሕ ሕርሻ ዝተዋፈረ ዕዉት ሓረስታይ’ውን እዩ። ኣማዒት ኣብዑር’ኳ እንተሃለዎ፡ ብትራክተር’እዩ ዝሓርስ።

“ልዕሊ 40 ሄክታር እሓርስ። እቲ ዝዓበየ ፍርያተይ ዕፉን’ዩ” ይበል’ምበር ፋጆሊ፡ ዳጉሳን ድንሽን’ውን የፍርይ’ዩ።

‘ኪለ ሊጡ’

ኣብ ከባቢ ኣርሲን ባሌን፡ ብብዝሒ ከብቲ ዘርብሑ ሰባት ዝፍጽምዎ 'ኪለ ሊጡ' ወይ (ኣብ ጉድጓድ ምጥላቕ) ዝበሃል ጥንታዊ ስርዓት ኣሎ።

ኣብዚ ስነ-ስርዓት እዚ፡ እዚ ሰብ ብቁመቱ ማዕረ ጉድጓድ ይኳዓት እሞ፡ እቲ ጉድጓድ ብጸባ ይምላእ። ሽዑ እቲ ሰብ ናብቲ ብጸባ ዝተመልአ ጉድጓድ ኣትዩ ይወጽእ።

ኣቶ ጃርሶ ግን ዛጊት ነዚ ስነ-ስርዓት ክፍጽም ኣይከኣለን።

ናይዚ ምኽንያት ድማ ብመሰረት ባህሊ ሲኮን መንዶን ስነ-ስርዓት ኪለ ሊጡ ክፍጸም ዝኽእል 100 ኣራሑ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ናይ መጀመርታ ምራኸን እንተወሊደን ጥራይ እዩ።

95 ከብቱ በብዓመቱ እኳ እንተወለዳ፡ ኣብ ሓደ ዓመት ግን ክሳዕ ሕጂ 100 ኣራሑ ከም ዘይወለዳ ይዛረብ።

ህይወት ካብ ገጠር ናብ ከተማ

ኣቶ ጃርሶ ምሉእ ዕድሚኡ ኣብ ገጠር እኳ እንተነበረ፡ ኣብ መጻኢ ግን ኣብ ከተማ ህይወት ክምስርት ድሌት ኣለዎ።

እቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ድማ ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ንከብቱ ዝስተ ማይ ንምርካብ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸበደ ብምምጽኡ ምዃኑ ይገልጽ።

“ዓመታዊ ንማይ ብዙሕ ገንዘብ’የ ዘውጽእ። ንሓንቲ መኪና ማይ ካብ 7-10 ሽሕ ብር’የ ዝገዝኦ" ይብል።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ቁጽሪ ከብቱ ብምንካይ ካብ ናብራ ገጠር ናብ ከተማ ክሰጋገር መደብ ከም ዘለዎ ሓቢሩ።

"ምርባሕ ከብቲ ኣዝዩ ኣድካሚ ስራሕ እዩ" ይብል።

ኩሎም ደቁ ኣቓልቦኦም ናብ ትምህርቲ፡ ንግድን ምዝዋር መኪናን ከም ዝገበሩን ናይ ከተማ ህይወት ከም ዝመረጹን ብምጥቃስ "ኣምላኽ እንተፈቒዱ ነዘን ከብቲ ናብ ገንዘብ ክንቅይረን ንሓስብ ኣለና።"

ኣብ ከተማ ኣጄ ህንጸ ምህናጽ ጀሚሩ ኣሎ። ታሕተዋይ ክፋል ናይቲ ህንጻ ንባንኪ ከም ዝተኻረየን ኣብታ ከተማ "ቤት መስተ" ከም ዝኸፈተን መኽዘን’ውን ከም ዝውንን ይገልጽ።

ኣቶ ጃርሶ ድሮ ርስቱ ንደቁን ኣንስቱን መቓቒሉ ከም ዝወድአ’ውን ይሕብር።