እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተቐናቐንቲ ሃገራት ኢራንን ስዑዲ ዓረብን፡ ድሕሪ 2016 ንፈለማ እዋን ተዘራሪበን
ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልተ ታሪኻውያን ተቐናቐንቲ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዝዀና ኢራንን ስዑዲ ዓረብን ድሕሪ 2016 ንፈለማ እዋን ተዘራሪቦም።
ቴሌቪዥን ኣል-ኤኽባርያ ስዑዲ ዓረብ፡ ልኡል ፋይሳል ቢን ፋርሃን ኣል ስዑድን ሑሴን ኣሚር-ዓብደላህያንን ኣብ ቻይና ሰላምታ ክለዋወጡ ዘርኢ ሓጺር ቪድዮ ኣመሓላሊፋ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቻይና፡ ኣብ ዝተኻየደ ታሕተዋይ ደረጃ ዝርርብ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታተን ናብ ንቡር ንምምላስ ተሰማሚዐን እየን።
ስዑዲ ዓረብ ኣብ 2016 ኣብ ቴህራን ዝርከብ ኤምባሲኣ ብሰባት ድሕሪ ምውራሩ ዝምድናታታ ቘሪጻ ጸኒሓ።
እዚ ድማ ሪያድ ንሓደ ፍሉጥ መራሒ ሺዓ ኣስላም ድሕሪ ምቕታላ ዘጋጠመ እዩ ነይሩ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ መንጎ እታ ዝበዝሕ ህዝባ ተኸታሊ ሱኒ ዝርከበላ ስዑዲ ዓረብን ብሺዓ እትምራሕ ኢራንን ዝነበረ ወጥሪ ልዑል ኰይኑ ጸኒሑ።
ክልቲአን ሃገራት፡ ኣብቲ ዞባ ጽልዋ ዝደልያን ንሓድሕደን ዝፈራርሓን ገይረን ይርእያ።
ብተወሳኺ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከቡ ተቐናቐንቲ ወገናት ይድግፉ - እንተላይ ኣብ ሊባኖስ፡ ሶርያ፡ ዒራቕ - ብግልጺ ድማ ኣብ የመን።
ኢራን ኣብ 2014 ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፍ መንግስቲ ብሓይሊ ዘውጽኡ ዓመጽቲ ሺዓ ሑቲ ክትድግፍ እንከላ፡ ስዑዲ ዓረብ ድማ ካብ 2015 ጀሚራ ኣንጻር ሑቲ ኣዕናዊ ወፍሪ ደብዳብ ነፈርቲ ትመርሕ ኣላ።
ስዑዲ ዓረብ እውን ኢራን ኣብ ልዕሊኣ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ንሑቲ ሓጊዛቶም ክትብል ትኸስስ።
ብ2019፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ብዓይነቱ ዝኸበደ ደብዳብ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ተፈጺሙ እዩ።
እዚ ድማ ኣብ ምፍራይ ነዳዲ ምትእጉጓልን ዕንወትን ኣስዒቡ። ስዑዲ ዓረብን መሻርኽታ ኣሜሪካን ነቲ መጥቃዕቲ ንኢራን ክኸሳ እንከለዋ - ኢራን ነጺጋቶ።
ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ ፈተነታት ዕርቂ እኳ እንተዘይተዓወተ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ኤምባሲታተን ከም ዝኸፍታ ገሊጸን ነይረን።
ርክባት ንግድን ጸጥታን ዳግማይ ክቐውም ምዃኑ እውን ገሊጾም።
ኣሜሪካ ነዚ ብጥንቃቐ ክትቕበሎ እንከላ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ድማ ቻይና ነቲ ስምምዕ ንክብጻሕ ንዝገበረቶ ጻዕሪ ኣመስጊኑ።