እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅድሚ 33 ዓመት ኣብ ስርሒት ፈንቅል
ከተማ ባጽዕ ብስርሒት ፈንቅል ሐራ ካብ ትኸውን ሎሚ 33 ዓመታ ትጽንብል ኣላ። ኣብቲ እዋን: ንናጽነት ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ኣብ ዝነበረ ውግኣት ዝተሳተፈ ኣሰናዳኢ ቢቢሲ ትግርኛ ነበር ሳሙኤል ገብረሂወት፡ ኣብቲ ስርሒት ዘጋጠሞ ተመክሮታትን ዝባኸነ ተስፋታትን ጽሒፉ ኣሎ::
ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ፡ ኣብ መሰንጀረይ፡ “ ነዛ ሰብስ ተለልያ’ዶ?” ዝብል ሕቶ ዝሓዘለ ጉርዲ ስእሊ መጽኣኒ። ነታ ስእሊ ምስ ረአኹዋ እቲ ምስሊ ሓጠቕ ስለዝበለኒ፡ ርግጸኛ ኮይነ፡ “ኣበይ ምዃኑ እምበር ኣብ ገለስ እፈልጣ እየ” በልኩ ምስ ነብሰይ።
ነታ ብጸሊም ጻዕዳን ፊልም እተቐርጸት፡ ቁሩብ ግዜ ዝበልዐት፡ ናይ ሓንቲ ኣፍሮ መንእሰይ ጉርዲ ስእሊ ከኣ ኣትኲረ ረአኹዋ። እቲ ግርማ ዘልበሳ ጽዑቕ ጎታን ጸጒሪ ርእሳን እቲ ልውሃት ዝንበቦ ግን ከኣ ዕቱብ ፍረ ገጻን ወዛን ሓጠቕ ኢሉኒ።
ነታ ዝረኣኹዋ ስእሊ ካብታ ናብ ቃልሲ ዝተሰለፍኩሉ ዓመተ ምሕረት ኣትሒዘ ክሳብ ናጽነት ዝተጎናጸፍናሉ እዋን ኣብ ዝነበርኩዎ ኣሃዱታትን ዝወሰድኩዎ ስልጠናታትን ኣብ ዝኽርታተይ ሃሰስ ኢለያ። “ ግዜ ነዊሑ እርስዕ ከይህሉ እምበር፡ ኣብ ዝኽርታት ሰነዳተይሲ ክትህሉ ኣለዋ ” በልኩ ርግጸኛ ኮይነ።
ገለ መዘኻኸሪ እንተረኸብኩ ብምባል ከኣ፡ ንፕሮፋይል እዛ ስእሊ ዝለኣኸትለይ ሓፍትን መሓዙታን፡ ኣብ መኽዘናት መሰንጀሮም ክህሉ ንዝኽእል ስእልታት ፈቲሸዮ። ግን ኣመት ዝህብ ሓበሬታ ኣይረኸብኩን።
ብድሕሪኡ ናብታ ስእሊ ዝለኣኸትለይ ሓፍቲ “ ምስላስ ጋሻ ኣይኮነን፤ ግን ምስ ምንዋሕ ግዜ እርስዕ ስለዘለኹስ መን ምዃና ግዳ ንገርኒ” ክብል ጽሒፈላ።
ኣይደንጎየትን፡ “ማርያ ዑቕባሚካኤል ምስጉን እያ ትበሃል። ማርያ ጓል ዓላ፡ ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ኣብ ፈረሰገ እተሰወአት ዓባይ ሓፍተይ እያ” ክትብል መሊሻትለይ።
“ማርያ፡ ግንባር ጊንዳዕ፡ ፈረሰገ” ዝብል ቃላት ምስ ኣንበብኩ፡ ዝኽረይ ብቐጥታ ንግንባር ጊንዳዕ ተዓዝረ። ሓቀይ እንድየ ወቓሕ ወቓሕ ክትብለኒ። እፈልጣን ፈረቓን እምበር፡ ኣብ ስርሒት ፈንቅል ኣብ ግንባር ጊንዳዕ፡ ንሳ ኣብ ፈረሰገ እንዳ ቡምባ፡ ኣነ ኣብ ማዕዶኣ ኣብ ጭፌታ ማይ ጭቃ ቃልሲ ናጽነት ክንዛዝም ንዓመት መመላእታ ካብ ዝኾነ መሪር ዝመርር ውግኣት ኣብ ጎዳጕዲ ዓሪድና ተደጋጊፍና እንዲና አሕሊፍናዮ፡ ከመይ ዘይፈልጣ ደኣ በልኩ ምስ ነብሰይ።
ግን ከኣ ማርያስ ጓል ክ/ሰራዊተይ ትንበር እምበር፡ ከም ብጾት ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ብኣካል ተራኺብና ንፈልጥ ኣይመስለንን። ግን ከኣ አዐርየ እየ ዝፈልጣን ዘድንቓን:: ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ዳርጋ መዓልታዊ ከይተረኣኣና ውዒልና ኣይንፈልጥን ነይርና::
እንዳ ቡምባ
ነቲ ማርያን ኣሃዱኣን ዓሪዶሙሉ ዝነበሩ እንዳ ቡምባ፡ ካብቲ ኣነን ብጾተይን ዓሪድናሉ ዝነበርና ጭፌታ ብጎድኒ ጽቡቕ ኢና ንርእዮ። ዝበዝሕ መዛግብና ብጎድኒ እዩ ዝተሓላሎ። ስለዝኾነ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ድፍዓታ ክጽጋዕ እንከሎ፡ ካብቲ ማርያ ብከላሺንን ብቡምባ ኢድን እተረኻኽበሉ ርሕቀት፡ ዶሽካ ዝዓጠቑ ኣሃዱታት ከቢድ ብረትና ብጎድኒ ዝጭርግፍዎ የድምዕ።
ብንኣንጻሩ ከኣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብቲ ንሕና ዓሪድናሉ ዝነበርና ድፍዓት ክጽጋዕ እንከሎ ኣብቲ ማርያ ዓሪዳትሉ ዝነበረት መዛግብ ዝነበሩ ነዊሕ ብረት ዝዓጠቑ ብጾትና እዮም መድሕንና ነይሮም።
ስለዚ እየ ነቶም ደጊም ጠፊኦም እንብሎም ዝነበርና ኣይሂ ኣጽዋር ዝዘንቦም ዝነበረ ማርያን ብጾታን፡ ድሕሪ እቲ ንሰማይ ዝቑለል ባርዕን ትክን ካብ ድፍዓቶም ምንቕ ከይበሉ “ኣለና” ንኽብሉ ብቡምባ ኢድን ከላሺንን ኣንጻር እቲ ከጥቅዖም ዝህንደድ ዝነበረ ሓይሊ ክምልሱ አማዕድዎም ስለዝነበርኩስ ንማርያ ከመይ ዘይፈልጣ።
አረ ገጻን መልክዓን ቁመናኣን ምስላን እውን ምፍላጥ ኣየድልየንን እዩ። ኣብቲ መልኣከ ሞት መዓልታዊ ዝዝንብየሉን በብሉጻቶም ሓሓርዩ ዝምንጥለና ዝነበረ መሪር ውግኣት: ካብ ክረምቲ ባሕሪ ክሳብ ሰለስተ ወቕቲ ብሓሳብን መንፈስን ምሳይ እንድያ ነይራ ማርያ።
ስለዚ እየ ከኣ ካብ ጉርዲ ስእላ ንላዕሊ፡ ስማን ስም እቲ ዓሪዳትሉ ዝነበረት ግንባር ጊንዳዕን ምስ ተሰምየ ነብሰይ ሓጠቕጠቕ ዝበለኒ።
ሽዑን ሎምን ንኩሎም እቶም ምሳይን ምስኣን ዓሪዶም፡ ቃልሲ ነጻነት ክዛዝሙ ክቡር ህይወቶም ዝበጀው ሕሩያት ቃልሲ፡ ካብ ምዝካሮም አዕሪፈ ኣይፈልጥን። ናይታ ኣብ ዛንታ ምክልኻል ግንባር ጊንዳዕ፡ ስማን ዓሪዳትሉ ዝነበረት ከውሕን ሓወልቲ ውሽጥን ግዳምን ኮይኑ ኣብ ልብን አእምሮን ህዝቢ ዝተቐርጸት ማርያ ከኣ ሓለፋ ኣለዎ።
ተስፋ'ዶ ተማዕዱ ምሃለወት
እቶም ንማርያ ብቐረባ ዝፈልጡዋስ እንታይ ኮን ምበሉ ብምባል: ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ስደት ንማርያን ዛንትኣን ዝፈልጡ ደቂ ኣሃዱና እንተለው ሃሰስ እናበልኩ፡ ኣብታ አሕተምቲ ሕድሪ፡ ኣብ ስርሒት “ፈንቅል” ንእተፈጸመ እኩብ ዛንታታት ጠርኒፉ “ፈንቅል!” ብዘርእስቱ ዘሕተማ መጽሓፍ ሓጺር ዛንታኣ ኣንቢበ።
ኣብ ሓምሻይ ዓመት ናጽነት፡ ህዝቢ ጊንዳዕን ከባቢኡን፡ ኣብ ድፍዓት ግንባር ጊንዳዕ፡ ብሃታ ሃታ ንዝተቐብሩ ደቁ ኣኪቡ፡ ኣብ ናይ ክብሪ ቦተኦም ከዕርፎም እንከሎ፡ ምስ ሓንቲ ጉጅለ ጋዜጠኛታት: ኣብቲ ማርያን ኣነን ዓሪድናሉ ዝነበርና መዛግብ ንዝካየድ ዝነበረ ኵዕታ ሰማእታት ኣብ ምስናድ ተሳቲፈ ነይረ።
ሽዑ፡ ምስሊ ናይ ሓያሎ ኣነን ብጾተይን ዝቐበርናዮም ደቂ ኣሃዱየይ ብሽክና ርእሶም ከምዘለለኹዎም ኣብቲ እዋን ኣብ እተሓትመ ዓምዲ መስዋእቲ ዋጋ ሓርነት ጽሒፈ ነይረ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ ከኣ ጋዜጠኛ ቲቪ ኤረ እያሱ ተወልደብርሃን ኣብ እግሪ እታ ማርያ ዓሪዳትላ ዝነበረት ከም ሓወልቲ እቲ ግንባር እትጥቀስ “ከውሒ ማርያ” ዝኽረይ ከካፍሎ ቃለ መሕትት ኣካይዱለይ ነይሩ።
ሽዑ ብዛዕባ እታ ብበይኑ ዓይነት ከቢድን ፎኪስን ብረት ዝተተናኾሐት ከውሒ ማርያን ኣብቲ ግንባር ዝተፈጸመ ዘደንቕ ትንግርትን ከዕልሎ እዝከረኒ።
ምስ ማርያን ብጾታን እምበኣር ካብቲ ናይ “ምጾታት” እዋን ኣትሒዝና ብሕልናን መንፈስን ተፈላሊና ኣይንፈልጥን ኢና።
ማርያ ኣብ ዝኽረይ ኣብ መንፈሰይ ኣብ ቃላተይ ኣብ ቅኒተይ ኣብ ምንታይ እሞ ዘየላ “ ማርያ ዋዕሮ ግንባር ጊንዳዕ!” እትረፍ ኣነን ብጾታን ደቂ ኣሃዱኣን መጓዕዝታን፡ እቶም ፊተ ፊታ ዓሪዶም ዝዋግኡዋ ዝነበሩ ወተሃደራት ደርግ እውን ከይተረፈ ኣጸቢቖም ይፈልጡዋን የድንቑዋን እዮም።
ሎሚ ድሕሪ 33 ዓመት፡ ንስእሊ ማርያ ክጥምቶ እንከለኹ፡ ማርያ ከም ኩላትና መዘናታት እቲ እዋን ኣብ ፈለማ ዕስራታት እያ ነይራ።
ኣብታ “ፈንቅል” ብዝብል ኣርእስቲ እተሓትመት፡ ንዛንትኣ እትትርኽ “ከውሒ ማርያ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ከኣ ከምዚ ዝስዕብ ኣንበብኩ።
“ኣሃዱ ማርያ ካብ ጊንዳዕ ንሸነኽ ሰሜን ኣብ ዘሎ ብብራኸ 1002 ዝጽዋዕ፡ [እቲ ቦታ ብሰንኪ ዝናም ቦንባታት ስለዝተሓራረሰ፡ ‘እንዳ ሓረስታይ’፡ ብሰንኪ እቲ ዝከዓዎ ዝነበረ ቦምባታት ከኣ ‘እንዳ ቦንባ’] ኣብ ዝተሰምየ ቦታ ዓሪዳ ነበረት። ማርያ እትመርሓ መስርዕ ከኣ ኣብ መንጎ እንዳ ቦምባን እንዳ ሓረስታይን ኣብ እትርከብ ከውሒ ዓሪዳ ንዅሉ ወፍርታት መኪታ ዘስተንክር ቅያታት ፈጸመት።
“ ኣብ እዋን'ቲ ከቢድ ምርብራብ ራድዮታት ርክብ ኣዘዝቲ፡ “ጸላኢ ናብ ከውሒ ማርያ ይጽጋዕ ኣሎ' ብከውሒ ማርያ ክፍንጥስ ደልዩ ኣሎ' ንማርያ ብድሕረኣ ተጠውዩዋ ኣሎ” ብማለት ይረዳድኡ ስለዝነበሩ: ኣብ ታሪኽ መኸተ ግንባር ጊንዳዕ: ኣብ አእምሮ ተጋደልቲ ማርያን ብጾታን ከም ሰንደቕ ጽንዓት ተቐርጹ::
ኣብ ዝኽሪ እዚ ሽዑን ድሕሪኡን ዝኽርታቱ ካብ ምሕንጣጥ አዕሪፉ ዘይፈልጥ ጸሓፊ እዚ ዓንቀጽ ከኣ ማርያን ክሳብ መስዋእታ ዝዓረደትላ ከውሕን ተወቒሩ ተሪፉ’ሎ።
ብድሕሪኡ፡ እታ ናይ ዓባይ ሓፍታ ስእሊ ዝሰደደትለይ መሰረት: ብዛዕባ ማርያን ስድራ ቤታ ወለዳን ኣብ ቃልሲ ሓርነት ዝኸፈሉዎ ዋጋን መስዋእትን ብዙሕ ዘስተንክር ዕላል ኣካፊላትኒ።
ብዛዕባ ማርያን፡ ኣብ ስርሒት ፈንቅል፡ ኣብ ኩሉ ምድረ ሰምሃር ዝወደቑ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ሓርነት እናኸስተንትን ከኣ ንማርያ እዝክር’ሞ፡ ሎሚ ድሕሪ 33 ዓመት፡ ማርያ ብህይወት እንተትህሉስ ኣብ ከመይ ኩነታት ኮን ምሃለወት? እንታይ ኮን ምበለት እብል።
ምናልባት ከም ኩላትና እቶም ዕድል ገይርና ብህይወት ዝኣቶና ውጻእ መዓት ተጋደልቲ ብጾታ: ሓዳር መስሪታ ቖልዑ ወሊዳ ብደቃን ሓዳራን አሕዋታን መቕርባን ማሚቛ ምነበረት።
ምናልባት እውን ከም ሓያሎ ምሕደራ ውሽጢ ዓዲ መሪሩዎም፡ እቲ ኣብ እዋን ቃልሲ ዝሓስቡዎ ዝነበሩን ሕጂ ዘሎ ኩነታትን ሕቖን ከብድን ምስ ኮኖም ብሰሃራን ባሕርን ከይተረፈ ሃጽ ኢሎም ዝተሰዱ ብጾታ እውን ምተሰደት ትኸውን?
ምናልባት እውን ልቢ አዕብያ እንቋዕ እሞ እዛ ብኽቡር መስዋእቲ ህዝቢ ዝተረኽበት ልዑላዊት ሃገር ተተኽለት እምበር ሰብ ደኣ መዓስ ይነብር ኮይኑ፡ ምልክን መላኽን ዘይ ጽባሕ ንግሆ ክሓልፉ'ዮም ኢላ ስና ነኺሳ ነዚ ዘሎ ምረት ተጻዊራ ከም ሰባን ብጾታን ተስፋ ተማዕዱ ምሃለወት እናበልኩ አስተንትን!