ዩኒቨርስቲ መቐለ ብዛዕባ እቲ ተመሃሮኡ ዘካየድዎ ሰልፊ እንታይ ይብል?

ሰላማዊ ሰልፊ ዝወፅኡ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብፖሊስ መውቃዕትን ማእሰርትን ተፈፂምዎም።

እቶም ተምሃሮ ምስ ምንዋሕ እዋን ምረቕኦም ብዝተሓሓዝ ዘቕረብዎ ሕቶ ምላሽ ብዘይምርካቡ ናብ ሰልፊ ክወጽኡ ከምዝወሰኑ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

እቶም ተምሃሮ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ እዮም ኣብ ከተማ መቐለ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ናብ ኣደባባይ ወጺኦም። እቶም ድምፆም ከስምዑ ናብ ኣደባባይ ዝወፅኡ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ግና ዘይተፀበይዎ እዩ ፀኒሕዎም።

ብኣካላት ፀጥታ መውቃዕትን ማእሰርትን ከም ዝተፈፀመ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተምሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲ ይገልፁ።

እቶም ብሰንኪ ኵናት ትግራይ ንዓመታት ካብ መኣዲ ትምህርቲ በኺሮም ዝፀንሑ ተምሃሮ፡ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሰሚስተር ብምምሃር ዝምረቕሉ እዋን ክሰልጠሎም ብሚኒስትር ትምህርቲ መምርሒ ከም ዝወረደን፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ተግባራዊ ከም ዘይገበሮን እዮም ዝዛረቡ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ ተመሃራይ እቲ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “ኣብ ትግራይ ንመቐለ ዩኒቨርስቲ ሓዊስካ ኣርባዕተ ዩኒቨርስቲ እየን ዘለዋ። ድሕሪ እቲ ኵናት ትምህርቲ ምስተጀመረ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓደ ሰሚስተር በብሰለስተ ወርሒ ክንመሃርን ኣብ ሓደ ዓመት ሰለስተ ሰሚስተር ክንመሃር’ዩ ፈቒዱልና። ይኹን እምበር ሰነ 2016 ተመሪቕና ክንወጽእ እናተገብአና ቀጻሊ ዓመት 2017 ዓ/ም [ግእዝ] ከምእንምረቕ’ዩ ተነጊሩና” ኢሉ።

እቲ ተመሃራይ ኣስዒቡ፡ ምስኡ ናብ ዩኒቨርስቲ ዝኣተዉ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ራያ በቲ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዘውጽኦ ፖሊሲ መሰረት ከምዝተመረቑን ዩኒቨርስቲ ዓድግራት ድማ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ኣብ ወርሒ ሰነ ከመርቖም ከምዝኾነን ብወግዒ ከምዝተነገሮም ገሊጹ።

“ስለዚ ዩኒቨርስቲ መቐለ ካብ ካልኦት ብምንታይ ይፍለ?” ክብል ይሓትት።

ነዚ ሕቶኦም ሒዞም ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ቀፅሪ ኣሪድ ዝተበገሱ እዞም ተምሃሮ፡ ኣብ ቀበሌ 17 ከባቢ እንዳ ስላሴ ምስ በፅሑ፡ ኣካላት ፀጥታ መንገዲ ብምዕፃው፡ ንተምሃሮ ከም ዝወቕዑን፡ ልዕሊ 10 ተምሃሮ ከም ዝኣሰሩን ንቢቢሲ ሓቢሮም። ኣካላት ፀጥታ ነቲ ሰልፊ ንምብታን ናብ ሰማይ ከምዝተኮሱ’ውን ገሊፆም።

ንሕና ሰለማውያን ሰባት ኢና ዝበለት ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረባ ተመሃሪት ዩኒቨርስቲ መቐለ፡ “ጉዳይና ብሃገር ደረጃ ተራእዩ ፍታሕ ክንረክብ እዩ ነይሩ ትጽቢትና” ድሕሪ ምባል ኣብ መገዲ ዝበጽሖም ጉዳይ ግን ካልእ ኮይኑ ኣካላት ጸጥታ መገዲ ዓጽዮም ኣካላዊ ማህሰይቲ ከምዘብጽሕሎም ተዛሪባ።

ብዛዕባ ኣብቶም ተምሃሮ ዝተፈፀመ መውቃዕቲ ብዝምልከት ንኮምዩኒኬሽን ዳይሬክተር ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዶክተር ትካቦ ገብስላሴ ሓቲትና።

እቲ ዳይሬክተር ብዛዕባ እቲ ሰልፊ ከም ዘይፈልጥን፡ እቶም ተምሃሮ ንዘልዐልዎ ናይ ምምራቕ ሕቶ ግና ብሕጊ እቲ ዩኒቨርሲቲ ከም ዝፍታሕ ገሊፁ።

ኣብ ልዕሊ እቶም ሰልፈኛታት ብኣካላት ፀጥታ ንዝተፈፀመ ማእሰርትን መውቃዕትን ኣመልኪትና፡ካብ ቢሮ ፀጥታን ሰላምን ትግራይን ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ መቐለን ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።