ን'ይቕሬታ' ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ብወገን ትግራይ ዝተዋህቦ ግብረመልሲ

ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ምስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ብዝተሓሓዝ ንህዝቢ ትግራይ ብወግዒ ይቕሬታ ሓቲቱ’ሎ።

እቲ ሲኖዶስ ብሓሙስ 06 ሓምለ 2023 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ድሕነት ኣቦታትን ኣመንትን እታ ቤተክርስትያን ንምውሓስ ዝግባእ ጻዕርታት ዘይምግባሩ ከም ዘጣዕሶ ዝሕብር እዩ።

እታ ቤተክርስትያን ዝግብኣ ዘይምግባራ ካብቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ብጳጳሳት፡ ካህናትን ኣመንትን ተሪር ነቐፌታ ክቐርበላ ጸኒሑ'ዩ።

ቢቢሲ ነዚ ዝቐረበ ይቕሬታ ኣመልኪቱ ምስ ኣካያዲ ስራሕ ሃገረ ስብከት ዞባ ሰሜን ምዕራብ ሽረ-እንዳስላሰን ኣባላት ፈፃሚ ስራሕ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይን ንቡረእድ ተስፋይ ተወልደ ቃለመሕትት ኣካይዱ ኣሎ።

ቢቢሲ፤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ንህዝቢ ትግራይን ቤተክርስትያን ትግራይን ይቕሬታ ሓቲቱ’ሎ፡ ስለዚ ከም መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ነዚ ከመይ ኢኹም ትርእይዎ?

ንቡረእድ ተስፋይ፤ ይቕሬታ ናይታ ቤተክርስትያን መትከልን መስርሕን እዩ። ናይ ሕድገት ቤተ ክርስትያን እያ። እንተዀነ እዚ ኣቕሪቦምዎ ዘለዉ ሰጒሞም ምባል እኳ እንተዘይከኣልና ከም ጅማሮ ግን ፅቡቕ እዩ።

ነቲ ዝበፅሐ ጥፍኣትን በደልን ዝኽሕስ፡ ዝፈሰሰ ንብዓትን ደምን ዝሕብስ ወይ ንልቢ ዘተርክስ ኣይኮነን። ይቕሬታ’ውን ኣይኮነን። ስልታዊ ይቕሬታ እዩ።

መንበረ ሰላማና ኣብ ወሳናይ ምዕራፍ ስለዝርከብ ንዕኡ ንምትዕንቓፍ ዝተሓሰበ እዩ። ደንጉዮም እዮም። ሰላም ካብ ዝግበር’ኳስ ሸሞንተ ወርሒ ኰይንዎ ኣሎ።

ስለዚ ብሓፈሻ እቲ ቀሪቡ ዘሎ ይቕሬታ ምስቲ ዝበፅሐ በደል ዝመጣጠን ኣይኮነን።

ቢቢሲ፤ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ምስ ቤተክርስትያን ብኸመይ እዩ ዝራኸብ? ምስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ እንታይ የራኽቦ ይብሉ?

ንቡረእድ ተስፋይ፤ ዘራኽብ ኣለዎ። ብርግፅ እቲ ኣብ ልዕሌና ዝተወለዐ ኲናት ብልፍንታውያን ሓይልታት እዩ ተኻይዱ።

ግን ድማ ንሳቶም [መራሕቲ እታ ቤተክርስትያን] ናታቶም ሓገዝቲ እዮም ነይሮም። ብገንዘብ፡ ብሞራል፡ ክሳብ ናብ ቅድመ ግንባር ከይዶም ‘በልዎም!’ እናበሉ እዮም ክሰርሑ ፀኒሖም።

ንኣብነት ኣባ ሞርቆሪዮስ ዝበሃሉ ክሳብ ደባርቕ-ሰሜን ጎንደር ብምኻድ ‘እዚ ቦታ ናይ ኣምሓራ እዩ፤ ተጋሩ ውሑዳት እዮም፤ መናእሰይ ስለምንታይ ነዚ ስቕ ኢልኩም ትሪኡ ኣለኹም? ንምንታይ ትፈርሑ?’ ዝበሉ ኣባላት ሲኖዶስ እዮም።

ካልእ ድማ ኣብ ደቡብ ጎንደር - ደብረታቦር በዓል መስቀል ኣብ ዝኽበረሉ መዓልቲ፡ “ንሳቶም ካብ ዝመርሑና ሰይጣን እንተዝገዝኣና ንመርፅ!” ዝብል ምርጫ ዘቕረቡ ኣቦታት እዮም።

ሰይጣን ግን ኣንፃር ኵሉ ኣማራፅታት እዩ። ኣንፃር ሰላም እዩ። ኣባላት እታ ቤተክርስትያን ክሳብ ቅድመ-ግንባር ከይዶም ድጋፍ ብምሃብ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘርጊሖምዎ።

ከም ውፅኢቱ ድማ ተጋሩ ኢዶምን እግሮምን ተኣሲሩ ብሓዊ ክነዱን ክቕተሉን ተራእዮም። ነዚ’ውን ስቕ ኢሎም ርእዮም።

ብተወሳኺ፡ 11 ጳጳሳት ክሳብ ናብ ቤተመንግስቲ ኣሜሪካ ብምኻድ ነቲ ኲናት ዘለዎም ደገፍ ገሊፆም እዮም።

ነዚ ድሕሪ ምግባር ናብ ኢትዮጵያ ምስ መፅኡ ከኣ ብሲኖዶስ ኣፍልጦ ተዋሂብዎም እዩ። ነዚ ዝገበሩ ኣደታት፡ መነኮሳትን ደናግልን ይድፈራ ከምኡ’ውን ሰባት ይቕተሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እዩ።

ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም እናነብዑ፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ህዝቢ ይሃልቕ ኣሎ፤ ህዝቢ ብወገናቱ ይቕተል ኣሎ፤ ኲናት ደው ይበል፤ ሰላም ይውረድ።

ጉዳይኩም ተዘራሪብኩም ብሰላም ፍትሑ፤ ህዝብና ይሃልቅ ኣሎ” ኢሎም ምሕፅንታ ኣቕሪቦም ነይሮም።

ሽዑ “መን ፈቒዱሎም፡ ናይ ውልቆም ዘረባ እምበር ንቤተክርስትያን ኣይውክሉን” ኢሎምዎም። ነዚ ዝበሉ ድማ ኣብቲ እዋን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ዝነበሩ ኣቡነ ዮሴፍ እዮም።

እዚ ኵሉ ዝፈፀምዎ ጥፍኣታት ንክእርምዎ፡ ኣባላቶም ብሕግን ስርዓትን እታ ቤተክርስትያን ንኽግዚኡ ኣብ ጎንና ደው ንኽብሉ ብተደጋጋሚ መግለፂ ኣውፂእና ከም ኣጀንዳ እውን ኣይወሰድዎን።

ዘኪሮምዎን ሪኦምዎን ኣይፈልጡን። እዛ ቤተክርስትያን ብውሽጥን ብደገን ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ተሰሊፋ ብምሕጋዝ ኣካል እቲ ኲናት እያ ነይራ።

ቢቢሲ፤ እቶም ኣቦታት ኣብ እዋን እቲ ኲናት ኣብ ዝተፈላለዩ አጋጣሚታት እናተረኸቡ ዝዛረብዎም ዝነበሩ ዘረባታት ወይ ዘሕለፍዎም መልእኽትታት ግን ነታ ቤተክርስትያን ይውክላ እዩ ዲኹም ትብሉ? ብኸመይ?

ንቡረእድ ተስፋይ፤ እቶም ኣቦታት ኣባላት እቲ ሲኖዶስ እዮም’ኮ። እታ ቤተክርስትያን እውን ‘እዚኦም ነዓና ዝውክሉ ኣይኮኑን፤ ብውልቆም እዮም ነዚ ዝበሉ’ ኢላ እውን ክሳብ ዘይገለፀት ወኪላታ ጌርና ኢና ንወስዶም።

በታ ቤተክርስትያን ናብ ኣገልግሎት ዝተዋፈሩ ኣቦታት እዮም። ውልቀሰባት ኣይኮኑን።

ዋና ፀሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝኾኑ ኣቡነ ጴጥሮስ እውን ‘ኣብ ኣኽሱም ክንድቲ ዝበሃል ዘሎ ሰብ ኣይሞተን” ኢሎም ክሸፋፍኑ እዮም ፈቲኖም።

ሽዑ ናብ ኣኽሱም ኣይመፅኡን፤ ኣባል ኮሚቴ ምፅራይ እውን ኣይነበሩን። እታ ቤተክርስትያን ኣብ ዘየረጋገፀቶ ሓቂ ንሶም ግን “20 ወይ 30 እዮም ሞይቶም፤ ንሳቶም እውን ክዋግኡ ዝሞቱ እዮም” እዮም ኢሎም።

ልዕሊ ሓደ ሽሕ ህዝቢ ኣብ ዝሃለቐሉ ‘የለን ክንድዚ እዩ ሞይቱ” ክብሉ ተዛሪቦም እዮም። እዚ ዓለም ዝመስከረትሉ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዩ። ንሕና ብወገንና ብዛዕባ ኣብ ኣኽሱም ዝተፈፀመ መፅናዕቲ ብምክያድ ጭቡጥ መረዳእታ ሒዝና ኢና።

ስለዚ ነዚ ሓቢኦም እዮም “ብዘይ ምምፃእና ይቕሬታ ንሓትት” ዝብሉ ዘለዉ። ግን ድማ ኣካላት እቲ ጥፍኣት ኮይኖም እዮም ነቲ በደል አብፂሖም። ኣብ ገዳም ዋልድባ ዝነበሩ ኣቦታት ብዝተፈፀሞም መጥቃዕቲ ካብቲ ገዳም እንትበታተኑ እታ ቤተክርስትያን ዋላ ሓደ ነገር ኣይበለትን።

መንበረ ሰላማ ቤተክርስትያን ትግራይ ነዚ ኵሉ ጥፍኣት ሰኒድዎ እዩ። ነዚ ኩሉ ጥፍኣት እዮም እምበኣር ሎሚ “መፂእና ዘይሓተትናኩም፤ ረድኤት ዘይሃብናኩም. . .” ዝብሉ ዘለዉ።

ስለዚ እዚ ስልታዊ ይቕሬታ እምበር ሓቀኛ ኣይኮነን። እዚ ግን ካብቲ መንበረ ሰላማ በፂሕዎ ዘሎ ወሳኒ ምዕራፍ ናብ ድሕሪት ክመልሰና ኣይክእልን። ናብዚ ደረጃ በፂሖም ምዝራቦም ግን ከም ኣወንታ ኢና ንርእዮ።

ቢቢሲ፤ መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ በጺሑ ዝብልዎ ዘለዉ ኣብ እንታይ ኵነታት ስለዘሎ እዩ? እንታይ ዝተፈለየ ነገር ኣሎ?

ንቡረእድ ተስፋይ፤ ኤጲስ ቆጶሳት ክንሸውም ኢና። ኣብ መስርሕ ኢና ዘለና። ምኽንያቱ ውሑዳት ኣቦታት እዮም ዘለዉና። ተደሪበን ዝመሓደራ ኣህጉረ-ስብከት ኣለዋና።

ኣቦታትና ሓጋዛይ ስለዘድልዮምን ህዝብና’ውን ኣብ ፀገም ስለዘሎ ካብ ሓዘኑን ፀገሙን ብቐረባ ዘጽናንዕ ኣቦ ስለ ዘድልዮን ነዚ ዘገልግሎ ኤጲስ ቆጶሳት ክንሸውም ኣብ መስርሕ ስለዘለና እየ፡ ኣብ ወሳናይ ምዕራፍ ንርከብ ዝበልኩ።

ስለዚ ነዚ ንምትዕንቓፍ እዮም እምበር ሰላም ካብ ዝኸውን እኮ ሸሞንተ ኣዋርሕ ሓሊፍዎ ኣሎ። “ህዝብና” እንተዝብልዎ ክሳብ ሎሚ ምመፅኡ ነይሮም።

ቢቢሲ፤ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃለወትሉ ኵነታት ግን ካልኣይ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ምጥያሽ ይከኣል’ዶ ይኸውን? ኤጲስ ቆጶሳት ክሳብ ምሻም ትኽእሉ ዲኹም?

ንቡረእድ ተስፋይ፤ ንሳቶም ስለዝገደፉና እቲ ጥፍኣት ናታቶም እምበር ናትና ኣይኮነን። ክልተ ቤተክርስትያን ክህልዋ እውን ኣይበልናን።

ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ፓትርያርክና እዮም። ናብዚ ክንኣቱ ተገዲድና ዘለና ህዝበ ክርስትያንና ስለ ዝበተንዎ እዩ። ኣብዚ ዝነበሩ ኣቦታትና እዮም መከራን ሞትን ከይፈርሑ ሓሊዮምዎ። ስለዚ እዚ ህዝቢ ብቐጻሊ ሓላዊ የድልዮ እዩ ካብ ዝብል’ዩ። በቲኖምና እዮም።

ሰለስተ ዓመት ብዘይመራሒ፡ ብዘይ በጀት፡ ብዘይ ሓገዝ እዩ ፀኒሑ። ስለዚ ነዚ ህዝቢ ክንሕልዎ ግዴታና እዩ።

ነቲ ሰላም ቅድሚ ሎሚ’ውን እናደገፍናዮ ኢና መፂእና። ሰላም ክመፅእ ደጋጊምና ኢና ፀዊዕና። እቲ ሰላም ናብ ድሕሪት ንኸይምለስ’ውን ደገፍቲ ኢና።

ቢቢሲ፤ ኣቡነ ማትያስ ፓትርያርክና እዮም ዝብል መርገጺ እንተሃልይኩም፡ ምናልባት መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ዳግም ተመሊሱ ናብ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ዝጥርነፈሉ ዕድል ይህሉ ዶ?

ንቡረእድ ተስፋይ፤ እዚ ንመፃኢ ዝረአ እዩ ዝኸውን። ንሳቶም ክብልዎ ዘይሕሰብን ዘይሕለምን ይቕሬታ ምሕታቶም ፅቡቕ ጅማሮ ጌርና ኢና ንቐፅሮ። እኹል እዩ ግን ኣይንብልን።

ኣቡነ ማትያስ እውን’ኮ ትግራዋይ ብምዃኖም በደል ተፈጺምዎም እዩ። ክሳብ ኣብ መደብር ተለቪዥን እታ ቤተክርስትያን ቀሪቦም ከይዛረቡ’ውን ተኸልኪሎም እዮም።

ባዕሎም “ሓሳበይ ከይገልፅ ተኸልኪለ፤ ተዓፊና እየ” ኢሎም ነይሮም። ግን ድማ ንዕኦም ተጠቒሞም እዮም ይቕሬታ ዝሓቱ ዘለዉ። ግን ድማ ንሶም እውን ይቕሬታ ዝሕተቱ እምበር ይቕሬታ ዝሓቱ’ኮ ኣይኰኑን።

ቢቢሲ፤ መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኣብ መወዳእታ ናብ ምሻም ፓትርያርክ ክበፅሕ’ዶ ይኸውን?

ንቡረእድ ተስፋይ፤ ከምዚ ዝበለ ሓሳብ ክሳብ ሎሚ ተዘራሪብናሉ ኣይንፈልጥን። ከምኡ ዝተሓሰበ’ውን ኣይሰማዕኹን። ፓትርያርክና ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ እዮም።