እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅዱስ ሲነዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ንህዝቢ ትግራይ ይቕሬታ ሓቲቱ
ቅዱስ ሲነዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ምስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ብዝተሓሓዝ ንህዝቢ ትግራይ ይቕሬታ ሓቲቱ።
እቲ ሲነዶስ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ድሕነት ኣቦታትን ኣመንትን እታ ቤተክርስትያን ንምውሓስ ዝግባእ ጻዕርታት ዘይምግባሩ ከምዝጠዓሶ ገሊጹ።
እታ ቤተክርስትያን ዝግብኣ ዘይምግባራ ካብቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ብጳጳሳት፡ ካህናትን ኣመንትን ተሪር ነቐፌታ ክቐርበላ ጸኒሑ'ዩ።
ብሰንኪ'ዚ ድማ፡ ካብ ሲነዶስ ወጻኢ፡ ናይ ባዕሎም "ቤተ-ክህነት" ብምቛም፡ ጳጳሳት ከምዝሾሙ ኣፍሊጦም ነይሮም'ዮም።
እቲ ኲናት ኣብ መወዳእታ 2022 ብስምምዕ ደው ካብ ዝብል ንድሓር፡ ሲነዶሰ ኢትዮጵያ ምስቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መራሕቲ ኦርቶዶክስ ንምትዕራቕ ጻዕርታት ከካይድ ምጽንሑ ይፍለጥ።
"ኲናት ደው ኢሉ ሰላም ካብ ዝወርድ ጀሚሩ፡ ብቅዱስ ሲነዶስ ዝተወሰነ ሰብኣዊ ደገፍ፡ ብመሰረት እቲ ውሳነ ኣብ ግዚኡ ከተብጽሕ ዘይምኽኣላ፡ በዚ ዝተላዕለ ድማ፡ ኣብ መንጎ እታ ቤተክርስትያንን ህዝቢ ትግራይን ዝተፈጥረ ቅሬታን ዘይምርድዳእን፡ ቅዱስ ሲነዶስ ብወግዒ ይቕሬታ ሓቲቱ'ሎ" ይብል እቲ ሎሚ ዝወጸ መግለጺ።
ምምራጽ ሓደስቲ ጳጳሳት
ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ሲነዶስ ኣብ ኦሮምያን ክልላት ደቡብን ኣብ ዝርከባ ሃገረ ስብከት ዝምደቡ ትሽዓተ ኤጲስ ቆጶሳት ከምዝመረጸ ኣፍሊጡ።
እቲ ቅዱስ ሲነዶስ ትማሊ ረቡዕ 5 ሓምለ 2023 ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ፡ ሃጓፍ ኣብ ዘለዎም፣ ብተደራቢ ስራሕ ክዕመሙ ኣብ ዝጸንሑን ጸገማት ኣለዎም ኣብ ዝበሎምን ክሰርሑ ኢሉ ነዞም ትሽዓት ኤጲስ ቆጶሳት ከምዝመረጾም ኣፍሊጡ።
እቲ ቅዱስ ሲነዶስ፡ ኣብቲ ጉባኤ 18 ሕጹያት ቆሞሳት ብምቕራብ፡ ዝበዝሐ ድምጺ ንዝረኸቡ ትሽዓት ኤጲስ ቆጶሳት ከምዝመረጸ’ዩ ሓቢሩ።
በዚ መሰረት ነቶም ኣብ ቀረባ ግዜ ዝሞቱ ናይ ድሬዳዋ ጳጳስ ኣቡነ ኣረጋዊ ክትክኡ ንኣባ ሃይለማርያም ጌታቸው መሪጽዎም ኣሎ።
ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ’ውን ኣብ ምዕራብ ኣርሲ፣ ኣባ ሳህለማርያም ቶላ፣ ኣብ ምብራቕ ወለጋ ኣባ ወልደ ገብርኤል ኣበበ፣ ኣብ ምዕራብ ሓረርጌ ከኣ ኣባ ጥላሁን ወርቁ ከገልግሉ ተሓርዮም ኣለዉ።
ብተወሳኺ ኣብ ሆሮ ጉድረ ወለጋ ኣባ ዓምደ ሚካኤል ሃይለ፡ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ዘ ተኽለሃይማኖት ገብረ፡ ኣብ ቡኖ በደሌ ኣባ እስጢፋኖስ ገብረ ኤጲስ ቆጶሳት ኮይኖም ከገልግሉ ብቅዱስ ሲነዶስ ተመሪጾም ኣለዉ።
ካብቶም ሓዲሽ ሽመት ዝተውሃቦም፡ ብዘይኣፍልጦ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ 26 ጳጳሳት ተሸይሞም ተባሂሎም ምስሕሓባት ካብ ዝፈጠሩ ገሊኦም ከምዝርከብዎም ተሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣቡነ ሳዊሮስ ዝርከብዎም ሰለስተ ጳጳሳት ቀኖና ናይ ቤተክርስትያን ብምጥሓሳ 26 ጳጳሳት ብምሻሞም ኣብታ ቤት ክርስትያን ሕንፍሽፍሽ ተፈጢሩ ከምዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፡ ብሰንኪ’ዚ ኣብ ዝተፈላላየ ከባቢታት እታ ሃገር ብዝተፈጠረ ዕግርግር ህይወት ሰባት ከምዝሓለፈ ይዝከር።
ትማሊ ኣብ ልዕሊ እቶም ትሽዓት ዝተመረጹ ኤጲስ ቆጶሳት ኣብ ሃገረ ስብከት ክልል ደቡብ ኣብ ዝርከብ ለጌዶኦ፡ ኣማሮን ቡርጂን ኣባ ክንፈ ገብርኤል ተኽለማርያም ከምኡ ከኣ ኣብ ዳውሮ ኮንታ ኣባ ስብሓትለኣብ ሃይለማርያም ኤጲስ ቆጶሳት ኮይኖም ከምዝተመረጹ ተገሊጹ።
ናይዞም ትሽዓት ኤጲስ ቆጶሳት ወግዓዊ ሽመት ብኣቆጻጽራ ግእዝ 9 ሓምለ 2015 ብቅዱስ ፓትርያርክ ክፍጸም ከምዝኾነ ተገሊጹ ኣሎ።
ቅዱስ ሲነዶስ ኣብ ዝሓለፈ 14 ግንቦት 2015 ኣቆጻጸራ ግእዝ ብምልኣተ ጉባኤ ትሽዓተ ሓደሽተ ኤጲስ ቆጶሳት ክሸይም ኣብ ስምምዕ ስለዝተጽሐ’ዩ ትማሊ ተግባራዊ ክኸውን ክኢሉ።
ቅደሚ ቅሩብ ኣዋርሕ ብዘይኣፍልጦ ፓትርያሪክን ቅዱስ ሲኖዶኢስን 26 ጳጳሳት ድሕሪ ምሻሞም፡ እታ ቤተ ክርስትያን ስርዓትን ቆኖናን ዝጠሓሰ’ዩ ብምባል፡ እቶም ሽመት ዝሃቡን ዝተወሃቡን ብምውጋዝ ሽመቶም ተቐንጢጡ ክንጸሉ ውሳነ ከምዝተመሓላለፈ ዝዝከር’የ።
እቶም 26 ጳጳሳትን ንአኦም ዝሸሙን፡ ኣካይዳ እታ ቤተ ክርስትያን ንኹሉ ዘማእከለ ከምዘይነበረን መእምናን ብቋንቋኦም ክግልገሉ ከምዘይክኣሉ ብምግላጽ’ዮም ሓዲሽ ሶኖዶስ ከምዝመስረቱ ሓቢሮም፡ ንውሳነ እታ ቤተ ክርስትያን ብምኹናን ዝጀመርዎ ስራሕ ከምዝቕጽልዎ’ውን ገሊጸም ምንባሮም ዝዝከር’ዩ።
ኣብ መወዳእታ ግን ናብ ሓደ ስምምዕ ተበጺሑ መዕለቢ ከምዝተገበረሉ ይዝከር።