ሓደ ላዕዋይ መራሒ ዳዕሽ ፍሉይ ኣሃዱ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየዶ ስርሒት ተማሪኹ

ብኣሜሪካ ዝምራሕ ልፍንቲ፡ ኣብ ሶርያ ንመራሒ ጂሃዳዊ ጉጅለ ዳዕሽ (ኣይ-ኤስ) ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓለ ተገሊፁ።

እቲ ልፍንቲ ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ኣብ ዘካየዶ ስርሒት'ዩ ነቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ናይቲ ጉጅለ ብህይወቱ እንከሎ ማሪኹዎ ዘሎ።

እቲ ልፍንቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ እዚ ሃኒ ኣሕመድ ኣል-ኩርዲ ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሓላፊ ኣይኤስ፡ “ልዑል ልምዲ ዘለዎ ሰራሒ ፈንጂን ኣተሓባባሪ ወፍርታት እቲ ጉጅለን ዝነበረ” እዩ።

ኩነታት ሰባዊ መሰላት ሶርያ ዝከታተል ጉጅለ ከምዝበሎ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ብክልተ ሄሊኮፕተራት ናብታ ኣብ ጥቓ ዶብ ቱርኪ ኣብ ዝርከብ፡ ብመንግስቲ ቱርኪ ዝድገፉ ተቓወምቲ ዝቆጻጸርዎ ኣውኣጃ ኣሌፖ፡ እትርከብ ኣል-ሑማይራ ብምኻድ'ዮም ነቲ ስርሒት ኣካይዶሞ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ጉዳይ ሶርያ ዝከታተል ጉጅለ፡ ኣብቲ ወፍሪ ኣብ ሞንጎ ወተሃደራት እቲ ልፍንትን ዕጡቓትን ንሸውዓተ ደቓይቕ ዝፀንሐ ልውውጥ ተኹሲ ከምዝነበረን፡ንመራሒ ኣይኤስ ሒዞም ከምዝኸዱን ገሊፁ።

እቶም ወተሃደራት ንመራሒ እቲ ጂሃዳዊ ጉጅለ ኣብ ቀይዲ ምስ ኣውዓሉ፡ ኣብ ክልል ኣሌፖ ብቱርኪ ዝድገፉ ዓመፅቲ ናብ ዘለውዎ ካምፕ ከምዝወሰድዎ ተፈሊጡ።

ሓደ ነባሪ ኣል-ሑማያር፡ እቶም ወተሃደራት ካብ ከተማ ኣሌፖ ዝተመዛበሉ ሰባት ይነብርሉ ተባሂሉ ንዝእመን ሓደ ገዛ ብምውራር ከምዝፈተሹ ተዛሪቡ።

እቲ ውልቀሰብ ንማዕኸን ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕሬስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ሄሊኮፕተራት ካብቲ ከባቢ ምስከዳ፡ ናብቲ ገዛ ከይድና እንተርኣና ዝተኣሰራ ደቂኣንስትዮን ህፃናትን ርኢና" ኢሉ።

"እቶም ወተሃደራት ሓደ ሰብኣይ ሒዞም ከይዶም፤ እቶም ካልኦት ደቂተባዕትዮ ናበይ ከምዝኸዱግና ኣይፈለጥናን። እተን ኣብኡ ዝረኸብናየን ኣንስቲ ድማ ‘ንፋዋዝ ሒዘሞ ከይዶም’ ክብላ ሰሚዕናየን”።

እቲ ስርሒት ብጥንቃቐ ዝተተለመን ዝተፈፀመን ብምዃኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት ከምዘይበፅሐ፡ እቲ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ልፍንቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣመልኪቱ።

ዋሽንግተን ፖስት ድማ፡ እቲ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ መራሒ ዳዕሽ፡ ኣሕመድ ኩርዲ ዝበሃል “ዋሊ” ወይ ድማ ኣመሓዳሪ ራቃ ብዝብሉ ስያመታት ከምዝፍለጥ ንሰብመዚ ኣሜሪካ ፀሪሑ ፀብፂቡ።

ራቃ ካብ ኣሌፖ ብምብራቕ ሸነኽ ትርከብ ኮይና፡ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት እስላማዊ መንግስቲ ወይ ድማ ኣይኤስ ካብ ሶርያን ዒራቕን ሰፊሕ ግዝኣት ብምቁፅፃር ናይ ባዕሉ ግዝኣት ክእውጅ እንከሎ፡ ዋና ከተምኡ ከምዝኾነት ኣዊጁ ነይሩ።

እቲ ጉጅለ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት በዚ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ልፍንትን ብተቓወምቲ ሓይልታት ሶርያን ተደፊኡ ዝበዝሑ ግዝኣታቱ ተመንጢሉ ተዳኺሙ’ዩ።

እንተኾነ እቲ ጂሃዳዊ ጉጅለ ሕዚ’ውን ኣብ ሶርያን ዒራቕን ካብ ሽድሽተ ሽሕ ክሳብ ዓሰርተ ሽሕ ተዋጋእቲ ከምዘለውዎን መጥቃዕትታት ቦምቧ ከምዝፍፅምን ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ፍሉይ ሓይልታት ኣሜሪካ ኣብ ግዝኣት ኢድሊብ ተመሳሳሊ ስርሒት ብምክያድ፡ ንቀንዲ መራሒ ኣይኤስ ኣቡ ኢብራሂም ኣል-ሓማሺ ኣል-ቁራይሺ ከምዝቐተሉ ይፍለጥ።

ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ኣይኤስ ዝርዝር ሓበሬታ እንከይሃበ ናይቲ ዝተቐተሎ መራሒ ካልእ ሰብ ከምዝሾመ ገሊፁ ነይሩ።