ፑንትላንድ፡ ቆንስል ኢትዮጵያ ክትዓጹ ዝተዋህባ ትእዛዝ መንግስቲ ሶማልያ ነጺጋ

ምንጪ ስእሊ, PUNTLAND TV
ፑንትላንድ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ከተማ ጋሮዌ ዝርከብ ቆንስል ኢትዮጵያ ክትዓጹ ዘሕለፎ ትእዛዝ ከም ዘይትቕበል ኣፍሊጣ።
ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ፡ 'መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ እታ ሃገር ኢድ የእቱ ኣሎ' ብዝብል ኣብ ሞቓዲሾ ዝነበረ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ካብታ ሃገር ክወጽእ ከምኡ'ውን ኣብታ ሓውሲ ርእሰ ምምሕዳር ዝዀነት ፑንትላንድን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ዘለው ኣብያተ ጽሕፈት ቆንስል ኢትዮጵያ ክዕጸው ኣዚዙ’ዩ።
‘መንግስቲ ፑንትላንድ ሶማልያ’ ብዝብል ዝጽዋዕ ምምሕዳር ፑንትላንድ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቲ ቆንስል ንክዕጾ ዝተመሓላለፈ ትእዛዝ ሕገ መንግስቲ ሶማልያ ዝጥሕስ’ዩ ብምባል ተግባራዊ ከም ዘይገብሮ ኣፍሊጡ።
ምስ ጐረቤት ሃገር ኢትዮጵያ፡ ናጻ ሃገር’የ ምስ እትብል ሶማሊላንድን ምስ ሓውሲ ርእሰ ምምሕዳር ዝዀነት ፑንትላንድን ኣብ ፖለቲካዊ ወጥሪ ኣትዩ ዝርከብ ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ፡ ንሰለስቲኦም መንግስታት ዝምልከት ተሪር ዲፕሎማሲያዊ ስጕምቲ ከም ዝወስድ ገሊጹ’ሎ።
ምምሕዳር ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ሙክታር ከድር ዋሬ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብታ ሃገር ንኽወጽእ ትእዛዝ ካብ ምሃብ ሓሊፉ፡ ኣብ ሃርጌሳን ጋሮዌን ዘለው ቆንስላት ኢትዮጵያ ክዕጸው ኣዚዙ ኣሎ።
ይዅን’ምበር፡ ሚኒስተራት እተን ርእሰ ምምሕዳራት ነቲ ውሳነ ከም ዘይቅበሉ ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኣምባሳደሩ፡ “ንሓፈሻዊ ዘተ” ካብታ ሃገር ከም ዝተጸውዐ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻእን ዓለምለኻዊ ርክባትን ሶማልያ ሓቢሩ።
ስጕምቲ ሶማልያ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዲፕሎማሲያ ዝምድናታት ትበትኽ ዘላ ምዃና ከም ዘመላኽት ተዓዘብቲ ይገልጹ። እንተዀነ፡ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ጉዳይ ዝሃበቶ ርእይቶ የለን።
ሶማልያ፡ “ነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ዘለዉ ኵነታት ከምኡ'ውን ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነታን መሰረት ብምግባር” ብርክት ዝበሉ ዲፕሎማሲያዊ ስጕምታት ከም ዝወሰደት ሓቢራ'ላ።
መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ መግለፂኡ “ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢድ ኣእቲያ” ክብል ይኸስስ።
ኣፍ ደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ 2024፡ 20 ኪሎ ሜትር ገምገም ባሕሪ ሶማሊላንድ ንምርካብ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ሰነድ ስምምዕ ከም ዝተፈራረመት ይዝከር።
እታ ሶማልያ ከም ግዝኣታ እትቘጽራ ሶማሊላንድ ካብ 1991 ጀሚሩ ርእሰ ምምሕዳር ኣዊጃ ከም ዝጸንሐት ይፍለጥ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሓውሲ ርእሰ-ምምሕዳር ዝዀነት ግዝኣት ፑንትላንድ፡ ኣብ ሞቓድሾ ንዝርከብ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ እትህቦ ኣፍልጦ ከም ዝኸልአት ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ኣፍሊጣ እያ።
ነዚ ስዒቡ፡ ኢትዮጵያን ፑንትላንድን "ኵለመዳያዊ ዝምድና ንምዕባይ" ተሰማሚዐን። እዚ እቲ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝተገብረ ሰነድ ስምምዕ ፈጢርሩዎ ንዝጸንሐ ወጥሪ ከም ዘጋደዶ ይግለጽ።
መንግስቲ ምምሕዳር ፑንትላንድ፡ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ውሳነ ሶማልያ ከም ዝቃወም ብምሕባር፡ "ፑንትላንድ ናይ ወጻኢ ድልየታታ ንምሕላው ካብ ኣፍልጦ ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ ወጻኢ ብቐጥታ ናይ ገዛእ-ርእሳ ርክባት ክትምስርት እያ" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







