ትራምፕ 'ገበነኛ' ምስ ተባህለ፡ ደድሕሪኡ ዝጐዩ ዘለዉ ቢልዮነራት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ዝተዋህቦ ታሪኻዊ ገበናዊ ፍርዲ፡ ኣዝዮም ሃፋትም ለገስቲ ሪፐብሊካን ኣብ ጐኑ ይዓስሉ ኣለው።
ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር (2024) ዝካየድ መረጻ ሕጹይ ሪፓብሊካን ኰይኑ ዝቐርብ ዘሎ ትራምፕ፡ ንኰኾብ ፊልም ኣባጽሕ ዝነበረት ስቶርሚ ዳኒኤልስ ምስኡ ዝፈጸሞቶ ጾታዊ ርክብ ኣፍ ንምትሓዝ ገንዘብ ብምኽፋልን መዛግብቲ ቢዝነስ ብምትላልን ቤት ፍርዲ ገበነኛ ከም ዝበሎ ይዝከር።
ንሱ፡ ብመንጽር ጆ ባይደንን ዴሞክራትን ዝገብሩዎ ዘለዎ ጻዕሪታት ምእካብ ገንዘብ እኳ እንተድሓረ፡ እዚ ፍርዲ ስዒቡ ግን ኣብ ህይወቱ ሓደሽቲ ክስታት ክመጽኡ ጀሚሮም ኣለዉ።
ትራምፕ ድሕሪ እቲ ፍርዲ፡ ጐስጓስ መረጻ ምስ ጀመረ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ጥራይ ኣስታት 53 ሚልዮን ዶላር ከም ዘዋህለለ ኣፍሊጡ።
እስራኤላዊት ኣመሪካዊት ቢልየነር ካዚኖ ሚርያም ኣደልሰን ኣብዚ ሰሙን ንወፍሪ ጐስጓስ ትራምፕ ብዙሕ ሚልዮናት ዶላር ክተፈወፊ’ያ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።
ብመሰረት ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ኣመሪካ፡ እታ ቢልየነር እቲ ገንዘብ ‘ፕሪዘርቭ ኣመሪካ’ ንዝተባህለ ኮሚቴ ፖለቲካዊ ስጉምቲ ከተወፍዮ እያ።
እተን ኮሚቴታት፡ ንዝምረጹ ሕጹያት ንምድጋፍ ሰፍ ዘይብል ገንዘብ ከውጽኣ ይኽእላ እየን።
ሚርያም ኣደልሰን ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ’ያ ክትህብ ዝብል’ኳ ግልጺ እንተዘይኰነ፡ ፖሊቲኮን ካልኦት ማዕከናት ዜና ኣመሪካን ግን፡ እቲ ልግሲ ልዕሊ እቲ ቅድሚ መረጻ 2020፡ ምስቲ ሕዚ ብሕይወት ዘየለ በዓል ቤታ ሸልደን ኰይኖም ዝሃቡዎ 90 ሚልዮን ዶላር፡ ክኸውን ትጽቢት ከም ዝግበር ጸብጺበን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካልኦት እውን ነዚ ክስዕቡ ተኽእሎ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ዝተዋህበ ፍርዲ ኣብ ዝነበሩ ሰዓታት፡ ብርክት ዝበሉ ሃብታማት ቢልየነራት ንትራምፕ ዝድግፉ መልእኽትታት ኣመሓላሊፎም።
ካብኣቶም ሓደ ኣውፋሪ ሲሊኮን ቫሊ ዴቪድ ሳክስ ኰይኑ፡ “ሕጂ ኣብዚ መረጻ ሓደ ጕዳይ ጥራይ ኣሎ፤ ህዝቢ ኣመሪካ፡ ባናና ሪፓብሊክ ክትከውን ደው ክብል ድዩ ኣይብልን” ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
መጻኢ ሰነ 6 2024፡ ሳክስን ኣውፋሪ ቻማት ፓሊሃፒቲያን፡ ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ንትራምፕ ዝኸውን ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ ከአንግዱ መደብ ኣለዎም።
ተሳተፍቲ ክሳብ 300 ሽሕ ዶላር ከበርክቱ ይሕተቱ ከም ዘለዉ ድማ ይንገር።
ካልእ ለጋሲ ክኸውን ዝኽእል ኣካያዲ ስራሕ ሄጅ ፋንድ ቢል ኣክማን፡ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልቲታት ብዛዕባ ንትራምፕ ዝገብሮ ድጋፍ ወግዓዊ ክገብር’ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣክማን ድሕሪ ናዕቢ ካፒቶል ኣመሪካ ትራምፕ “ንኹሎም ኣመሪካውያን ይቕሬታ ክሓትት ኣለዎ” ክብል እንከሎ፡ ድሕሪኡ ግን ኣብ ልዕሊኡ ዘቕርቦ ነቐፌታ ብምልስላስ ክድግፎ ተራእዩ’ዩ።
ኣካያዲ ስራሕ ጉጅለ ብላክስቶን ስቲቭ ሽዋርዝማን - ሓደ ካብቶም ኣብ ዎል ስትሪት ፍሉጣት ዝዀኑ ቢልየነራት - ኣብቲ መረጻ ንትራምፕ ከም ዝድግፎ ድሮ ወግዓዊ ገይሩ ኣሎ።
ሽዋርዝማን ልክዕ ከም ኣክማን ቅድሚ ሕጂ ካብቲ ፕረዚደንት ነበር ርሒቑ ዝነበረ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ግን ሽዋርዝማን፡ “ቁጠባና፣ ኢሚግሬሽንን ፖሊሲታት ወጻእን ነታ ሃገር ናብ ግጉይ ኣንፈት ይወስዱዋ ኣለው" ብዝብሉ ስክፍታ ብዙሓት ኣመሪካውያን ከምዝኣምን ገሊጹ።
ብተወሳኺ “ጸረ-ሴማውነት ምውሳኹ ኣብ ሳዕቤናት ናይቲ ዝመጽእ መረጻ ዝያዳ ከድህብ ገይሩኒ” ኢሉ።
ካልኦት ክሳብ ሕጂ ደገፎም ንትራምፕ ዝገበሩ ፍሉጣት ቢልየነራት፡ መስረትቲ ሄጅ ፋንድ ጆን ፖልሰንን ሮበርት መርሰርን፡ ከምኡ'ውን ሃሮልድ ሃምን ሃብታም ካሲኖ ስቲቭ ዊንን ይርከብዎም።
ድሕሪ ናዕቢ ካፒቶል ኣመሪካ፡ ኣብ 2020 ንትራምፕ ምድማጹ ከም ዘጣዓሶ ዝገለጸ ቢልየነር ኣውፋሪ ኔልሰን ፔልትዝ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛኡ ኣአንጊዱዎ እዩ።
ብኣንጻሩ ኢሎን መስክ ኣብዚ መረጻ ንኽልቲኦም ሕጹያት ገንዘብ ከም ዘየወፊ እኳ እንተገለጸ፡ ምስ ትራምፕ ብቐጥታ ዝመሓላለፍ መደብ ከአንግድ ከም ዝሓሰበ ይግለጽ።
ብተመሳሳሊ ቢልየነር ቴክኖሎጂን ፍሉጥ ለጋሲ ሪፓብሊካንን ዝዀነ ፒተር ቲል፡ ንወፍሪ ጐስጓስ ትራምፕ ንምውፋይ ዝቐረበሉ ሕቶ ከም ዝነጸጎን ኣብዚ መረጻ ዝዀነ ኣበርክቶ ክገብር ከም ዘይሓሰበን ይግለጽ።
መሻርኽቲ ኣብ ፍሉጥ ትካል ካፒታል ሴኮያ ዝዀነ ሻውን ማጉየር፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዝተመሓላለፈ ፍርዲ ፍትሓዊ ኣይኰነን ብምባል ንትራምፕ 300 ሽሕ ዶላር ከም ዝወፈየ ኣፍሊጡ።
ማጉየር፡ ምምሕዳር ባይደን፡ ኣብ ኣተኣላልያ ምውጻእ ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታንን ማእከላይ ምብራቕን፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ጕዳያት ከም ዘለው ብምግላጽ ንትራምፕ ዝድግፈሉ ምኽንያታት ኣብ ኤክስ ኣስፊሩ ነይሩ።
ንሱ ወሲኹ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዝቐረበ ዝተፈላለየ ሕጋዊ ጉዳያት፡ ነቒፉ።
“ፕረዚደንት ትራምፕ ብገበን ተፈሪዱ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝወርደሉ ዕድል ኣሎ፤ ብግልጺ ክዛረብ እንተዀይነ፡ ነዚ እየ ንዕኡ ዝድፎ ዘለኹ፤ ናይ ፍትሒ ስርዓትና፡ ኣብ ልዕሊኡ ከም መሳርሒ ይውዕል ኣሎ ዝብል እምነት’ዩ ዘለኒ” ኢሉ።
ባይደን፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘካየዶ ጐስጓስን ምትእኽኻብ ገንዘብን ንትራምፕ ዛይዱዎ ይርከብ።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ፡ እቲ ጐስጓስ 192 ሚልዮን ዶላር ጥረ ገንዘብ ኣብ ኢዱ ከም ዝነበሮን፤ ትራምፕ 93.1 ሚልዮን ዶላር ጥራይ ከም ዝነበሮን ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣብታ ወርሒ እቲኣ ግን ጐስጓስ ትራምፕ 76 ሚልዮን ዶላር ብምእካብ ኣብዚ ዑደት መረጻ ንፈለማ እዋን ንመነሓንሕቱ ዴሞክራት በሊጹ።
ጐስጓስ ባይደን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 51 ሚልዮን ዶላር ኣዋህሊሉ፤ እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተኣከበ ልዕሊ 90 ሚልዮን ዶላር ኣዝዩ ዝነኣሰ እዩ።
ይኹን’ምበር፡ “ገንዘብ ወሳኒ ኣይኸውንን'ዩ” ክብል ኣብ ኬዝ ዌስተርን ሪዘርቭ ዩኒቨርሲቲ ኦሃዮ ክኢላ ጐስጓስ ፋይናንስ ዝዀነ ፕሮፌሰር ጃስቲን ቡክለር ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
“ገንዘብ፡ ኣብ ሓደ ጐስጓስ ክህልዎ ዝኽእል ቀንዲ እጃም፡ ኣፍልጦ ስም ምዕባይ'ዩ። ኵሉ ሰብ ድማ ዶናልድ ትራምፕን ጆ ባይደንን መን ምዃኖም ይፈልጥ'ዩ” ይብል።
ኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ሲቢኤስ ዝገበሮ ዳህሳስ፡ ትራምፕ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣብ ዝነበሮ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ዝገብሮ ቁልፊ ጐስጓሳት ምትእኽኻብ ገንዘብ፡ ኣዝዩ ልዑል ገንዘብ ክረክብ ከም ዝተራእየ የመልክት።
ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ምትእኽኻብ ገንዘብ ርእይቶ ንምርካብ ንጐስጐስቲ ትራምፕን ባይደንን ተወኪሱ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







