ትራምፕ ገበነኛ ኰይኑ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ይኽእል ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ገበነኛ ዝተባህለሉ መስርሕ ፍርዲ፡ ሰላሳን ኣርባዕተን ክስታት ዝቐረብሉ፡ ሓደ መብዛሕትኡ ግዜ ዘቖጥዕ ዳኛን ብዝሒ መሰኻኽርን ዝተርኣይሉ ነበረ።
12 ዳያኑ፡ ንሰሙናት መረዳእታታት ሰብን ሰነድን መርሚሮም ንኽልተ መዓልቲታት ድሕሪ ምዝታዮም ትራምፕ ብዝቐረብሉ ክስቲታት ገበነኛ እዩ ኢሎም።
ኣብዚ ኣዝዩ ፍልይ ዝበለ መስርሕ ፍርዲ ታሪኻዊ ዝተባህለ ውሳነ’ዩ ተዋሂቡ ዘሎ።
ሕጂ ትራምፕ፡ ገበናዊ ፍርዲ ዝተዋህቦ ፈላማይ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ኰይኑ፡ ከም ገበነኛ ንዋይት ሃውስ ዝወዳደር ናይ መጀመርታ ዓብዪ ሕጹይ ሰልፊ ሪፐብሊካን’ውን ይገብሮ።
ስለዚ ድሕሪ’ዚ ትራምፕ እንታይ’ዩ ክኸውን? ገለ ኣገደስቲ ዛዕባታት ክንነግረኩም።
ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ይኽእል’ዶ?
እወ፤ ሕገ መንግስቲ ኣመሪካ ሰባት ሕጹያት ፕረዚደንት ኰይኖም ንክቐርቡ: ውሑዳት ናይ ብቕዓት ረቛሒታት እዩ ዘቐምጥ።
እዚ ድማ፡ ብውሑድ ዕድሚኦም 35 ዓመት ክዀኑ ኣለዎም፣ “ኣብ ኣመሪካ ዝተወልደ” ዜጋ ክዀኑን ብውሑዱ ን14 ዓመታት ኣብታ ሃገር ዝነበሩን ክዀኑ ከም ዘለዎም ይገልጽ።
ገበናዊ ክሲ ዘለዎም ሕጹያት ንከይወዳደሩ ዝዓግት ሕጊ የለን።
እዚ ሕጂ ተዋሂቡ ዘሎ ፍርዲ ገበን ግን ሕጂ’ውን ነቲ ኣብ ሕዳር ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ክጸልዎ ይኽእል’ዩ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ብሉምበርግን ሞርኒንግ ኮንሰልትን ዘካየዱዎ ዳህሳስ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ቁልፊ ኣፈላላይ ውጽኢት ከምጽኣ ዝኽእላ ግዝኣታት ዝርከቡ 53% መረጽቲ ትራምፕ ብገበን እንተተፈሪዱ ድምጾም ኣይክህቡን።
ካልእ ኣብዚ ወርሒ ዩኒቨርሲቲ ኲኒፒያክ ዝካየዶ ዳህሳስ፡ 6% ካብ መረጽቲ ትራምፕ ንዕኡ ናይ ምድማጽ ተኽእሎኦም ትሑት ክኸውን ከም ዝኽእል የመልክት።
ሕጂ፡ ትራምፕ እንታይ’ዩ ክኸውን?
ትራምፕ፡ እቲ መስርሕ ፍርዲ ክሳብ ዝዛዘም ኣብ ዝነበረ ጉዕዞ ብዋሕስ ነጻ ኰይኑ’ዩ ጸኒሑ።
እዚ ድሕሪ እቲ ትማሊ ሓሙስ ዝተዋህበ ውሳነ ኣይተቐየረን።
ኣብ 11 ሓምለ 2024 ግን ናብ ቤት ፍርዲ ክምለስ'ዩ - ዳኛ ጁኣን መርቻን ናይ መወዳእታ ብይን ዝወሃበሉ ዕለት ኣነጺሩ ኣሎ።
እቲ ዳኛ ብይን ክህብ እንከሎ ዕድመ ትራምፕ ሓዊሱ ኣብ ግምት ዝኣትዉ ሓያሎ ረቛሒታት ክህልው’ዮም።
እቲ ናይ መወዳእታ ብይን ቕጽዓት፣ ብናይ ፈተነ ወይ ክትትል ግዜ ክሓላፍ ምግባር፡ ወይ ምናልባት ናይ ማእሰርቲ ግዜ ከጠቓልል ይኽእል።
ነቲ ዳያኑ ዝሃቡዎ ውሳነ “ዘሕፍር” ብምባል ክገልጾ እንከሎ፡ ነቲ ገበነኛ ዝብል ፍርዲ ይግባይ ክብል እዩ።
እዚ መስርሕ ድማ ኣዋርሕ ወይ ልዕሊኡ ክወስድ ይኽእል። እዚ ማለት ድሕሪ ናይ መወዳእታ ብይን’ውን እንተዀነ ትራምፕ ይግባይ እናሓተተ ብዋሕስ ነጻ ክጸንሕ ስለ ዝኽእል፡ ብመቑሕ ተኣሲሩ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክወርድ ክንሪኦ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ይግባይ ዘብል ምኽንያት እንታይ ክኸውን ይኽእል?
ኰኾብ ፊልም ፖርኖግራፊ ዝዀነት ስቶርሚ ዳኒኤልስ፡ 'ምስ ትራምፕ ጾታዊ ርክብ ፈጺማ' ዝብል ጉዳይ ዝቐረበ መርትዖ ሓደ ካብቲ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ።
“ደረጃ እቲ [ብዳኒኤልስ] ዝቐረበ ዝርዝር፡ ብሓቂ ነቲ ዝበሃል ዘሎ ንምጥንኻር ኣድላዪ ኣይኰነን” ትብል ፕሮፌሰር ቤት ትምህርቲ ሕጊ ኒውዮርክ ኣና ኮሚንስኪ።
“ብሓደ ሸነኽ እተቕርቦም ዝርዝራት እምንቲ ይገብሩዋ፤ ከም ዓቃቢት ሕጊ ድማ፡ ዳያኑ ነቲ እትብሎ ዘላ ንኽኣምኑ እኹል ዝርዝር ክትህብ ኣገዳሲ’ዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ኣገዳስነት ዘይብሉን ጽልእን ክኸውን ዝኽእል ነገር ኣሎ” ኢላ።
ጉጅለ ጠበቓታት ትራምፕ ኣብ እዋን ምስክርነት ስቶርሚ ዳኒኤልስ ክልተ ግዜ ብይን ከይወሃብ ሓቲቶም ነይሮም፤ እዚ ግን ብዳያኑ ተነጺጉ።
ካብዚ ሓሊፉ ኣብዚ ጉዳይ ዓቃቢ ሕጊ ዝወሰዶ ሕጋዊ ስትራተጂ እውን ይግባይ ዘብል ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ።
መዛግብቲ ቢዝነስ ምትላል ኣብ ኒውዮርክ ታሕተዋይ ደረጃ ገበን ክኸውን ይኽእል፤ እንተዀነ ትራምፕ ብሰንኪ 'ካልኣይ ደረጃ ገበን' ዝበሃል ዝያዳ ከቢድ ክሲ ገበን ኣጋጢምዎ’ዩ።
እዚ ድማ ኣብ መረጻ 2016 ጽልዋ ከሕድር ዘይሕጋዊ ፈተነ ገይሩ ዝብል ምዃኑ ይዝከር።
ኣኽበርቲ ሕጊ ምትላል ግብሪ ተደሚሩ ብሰፊሑ፡ ምጥሓስ ሕጋጋት መረጻ ፌደራልን ክልላትን ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ምዃኑ ይኸሱ።
ካብዚኦም ኣየናይ ሕጊ’ዩ ተጣሒሱ ዝብል ግን ብልክዕ ንመጋባእያ ዳያኑ ኣየነጸሩን።
ኣብ ዙርያ ስፍሓትን ኣተገባብራን ሕጊ ፌደራል ንይግባይ መሰረት ክዀኑ ዝኽእሉ ሕቶታት ከም ዘለዉ ክኢላታት ሕጊ ይዛረቡ።
ትራምፕ ክእሰር ድዩ?
ይክኣል’ዩ፤ ግን ድማ ትራምፕ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክኣቱ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ።
እቶም ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረቡ 34 ክስታት ኣብ ኒውዮርክ ደረጃ ኢ (E) ዝበሃሉ ገበናት ኰይኖም፡ ኣብታ ግዝኣት እቲ ዝተሓተ ደረጃ እዩ ዘለዎም።
ነፍሲ ወከፍ ክሲ ዝበዝሐ ፍርዲ ማእሰርቲ ኣርባዕተ ዓመት እዩ።
ከምቲ ቅድም ኢሉ ዝተገልጸ ግን፡ ዳኛ መርቻን ዝወሓደ መቕጻዕቲ ክመርጽ ዝገብሩዎ ሓያሎ ምኽንያታት ኣለዉ።
እዚኦም ድማ፡ ዕድመ ትራምፕ፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይተፈርዶ ምዃኑ፡ ከምኡ’ውን እቲ ክስታት ዘይጐነጻዊ ገበን ዘጠቓልል ምዃኑ ዝብሉ ይርከቡዎም።
ዳኛ፡ ኣብ እዋን መስርሕ ፍርዲ እቲ ጉዳይ ናብ ህዝቢ ከይውሰድ ንዝሃቦ ትእዛዛት ዝፈጸሞ ጥሕሰት ኣብ ግምት ከእቱ ይኽእል።
ብተወሳኺ፡ ዳኛ ምናልባት ንሓደ ፕረዚደንት ነበር ናብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ምስዳድ ክቑጠብ ብምምራጽ፡ እቲ ጉዳይ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ክመዝኖ ይኽእል።
ምስ’ዚ ብዝተሓሓዝ ሕቶታት ግብራውነት እቲ ብይን ይለዓሉ’ዮም።
ትራምፕ፡ ልክዕ ከም ካልኦት ፕረዚደንታት ነበር ናይ ሙሉእ ዘመን ኣገልግሎት ምስጢራዊ ሓለዋ ናይ ምርካብ መሰሉ ሕልው’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ማለት ገለ ኣባላት ጸጥታኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክሕልውዎ ኣገዳሲ ክኸውን’ዩ ማለት’ዩ።
ከምኡ’ውን ኰይኑ ግን፡ ሓደ ፕረዚደንት ነበር ከም እሱር ጌርካ ስርዓተ ቤት ማእሰርቲ ምምራሕ ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ።
ንዕኡ ንምሕላው ዓቢ ናይ ጸጥታ ሓደጋን ወጻኢታትን ዘስዕብን እዩ ክኸውን።
ዳይረክተር ናይቲ ‘ዋይት ኮላር ኣድቫይስ’ ዝበሃል ትካል ኣማኻሪ ቤት ማእሰርቲ ጀስቲን ፓፐርኒ፡ “ስርዓታት ቤት ማእሰርቲ ብዛዕባ ክልተ ነገራት’ዮም ዝግደሱ፤ ድሕነት ናይቲ ትካልን ወጻኢታት ምጉዳልን” ኢሉ።
ክመርጽ ኸ ይኽእል ዶ?
ትራምፕ፡ ድምጺ ክህብ ልዑል ተኽእሎ ኣሎ። ብመሰረት ሕጊ ፍሎሪዳ - ትራምፕ ዝነብረሉ - ካብ ካልእ ግዝኣት ብገበን ዝተፈርደ ሰብ “እቲ ፍርዲ ነቲ ሰብ ኣብታ ዝተፈርደላ ግዝኣት ንኽመርጽ ብቑዕ እንተዘይገይሩ" ጥራይ እዩ ድምጺ ክህብ ዘይኽእል።
ትራምፕ ኣብታ ገበነኛታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክሳብ ዘይሃለዉ ድምጾም ክህቡ ዝፍቀደላ ኒውዮርክ እዩ ተፈሪድዎ ዘሎ።
እዚ ማለት ትራምፕ ኣብ 5 ሕዳር ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተዘይኣትዩ ክመርጽ ይኽእል’ዩ።
ትራምፕ፡ ንነብሱ ይቕረ ክብል ኣይኽእልን፤ ገበን ፌደራል ንዝፈጸሙ ምሕረት ክህቡ ዝኽእሉ ፕሬዝደንታት ጥራይ እዮም።
እቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝርአ ዘሎ ጉዳይ ኣፍ መዕበሲ ተባሂሉ ዝተኸፍለ ገንዘብ ሃገራዊ ጉዳይ’ዩ።
እዚ ማለት፡ ትራምፕ ዳግማይ ፕረዚደንት እንተዝኸውን’ውን ካብ ቁፅፅሩ ወጻእ ይኸውን ኣሎ ማለት’ዩ።
ኣብ ጆርጅያ ዘጋጠመ ጉዳይ ትራምፕ’ውን ተመሳሳሊ ኰይኑ፡ ኣብ እዋን መረጻ 2020 ኣብታ ግዝኣት ፕረዚደንት ብጆ ባይደን ዘጋጠሞ ጸቢብ ስዕረት ንምግልባጥ ገበን ውዲት ፈጺሙ ተባሂሉ’ዩ ተኸሲሱ ዘሎ።
እዚ ጉዳይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ይግባይ ይርከብ።
ንኽልተ ፌደራላዊ ጉዳያት ትራምፕ፡ ብዛዕባ ስልጣን ምሕረት ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኰነን።
እቲ ሓደ ብዛዕባ’ቲ ዘይግቡእ ኣተሓሕዛ ምስጢራዊ ሰነዳት ዝምልከት፡ እቲ ካልኣይ ድማ ብዛዕባ’ቲ መረጻ 2020 ንምግልባጥ ውዲት ምፍጻም ዝብሉ ክስታት እዮም።
እቲ ቀዳማይ፡ ኣብ ፍሎሪዳ ብትራምፕ ዝተመዘዘ ዳኛ፡ ነቲ መስርሕ ፍርዲ ንዘይተወሰነ እዋን ኣወንዚፍዎ ኣሎ።
እቲ ካልኣይ ጉዳይ እውን ትራምፕ ብዘቕርቦ ይግባይ ተደናጉዩ ይርከብ።
ክልቲኦም ቅድሚ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ መረጻ መዕለቢ ከይረኽቡ ይኽእሉ እዮም።
ሙሁራት ቅዋም ግን፡ ሓደ ፕረዚደንት ንገዛእ ርእሱ ምሕረት ናይ ምሃብ ስልጣን ዘጠቓልል ስልጣን ኣለዎ ድዩ የብሉን ኣብ ዝብል ኣይሰማምዑን። ትራምፕ ፈላማይ ነዚ ዝፍትኖ ክኸውን ይኽእል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







