እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣስመራ፡ መደረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መበል 33 ዓመት ናጽነት ኤርትራ
መበል 33 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ ሎሚ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ብወግዒ ተጸንቢሉ።
ኣብቲ ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ዝተኻየደ ብወተሃደራዊ ምርኢት ዝተሰነየ ስነስርዓት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ዲፕሎማሰኛታትን ብኣሽሓት ዝቝጸር ህዝቢን ተረኺቡ ነይሩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኲናት ከጋጥም ከምዝኽእል ብምእማት "ድሕነታዊ ድልውነት" ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።
እቲ ነታ ሃገር ን33 ዓመታት ዝመርሓ ፕረዚደንት፡ ንሩስያን ቻይናን ዘለዎ ደገፍ ብምግላጽ ንሕብረት ኣውሮጳን ምዕራባውያን ሃገራትን ዘለዎ ተሪር ነቐፌታ ኣይሓብአን።
እቶም "በሃራት ዓብልል ገብት" ክብል ዝገለጾም ብንጹር ዘይጠቐሶም ሓይልታት ኣንጻር ኤርትራ ዝቐንዐ "ተጻብኦታት" ከካይዱ ጸኒሖም ክብል'ውን ከሲሱ'ሎ።
"ካልእ ኲናት ናይ ምብራዕ ፍሕሶታት'ውን ቅሉዕ ምስጢር'ዩ ክብሃል ይክኣል፤" ብምባል ብሰዓቱ ዝግለጽ ወይ ዝንገር'ዩ፡ ኢሉ።
ንኽመጽእ ዝኽእል ኲናት ክብድህ ብቕዓት ዘለዎ ሰራዊት ከምዘለዎ ብምግላጽ ድማ፡ "ካብ ቅሰን ንላዕሊ ዝበሃል የለን፡ ቅሰን ቅሰን" ክብል ተዛሪቡ።
"ንዝዀነ ተጻብኦ ድሕነታዊ ድሉውነትና ኣብ ቦታኡ እናሃለወ ግን፡ ቀዳምነት ቀዳምነታትና ህንጸት ናጻ ሃገርና ስለዝዀነ ልምዓታዊ መደባትና ኣዕቢና፡ ኣድማዕነቱ ንምሕያል ሒዝናዮም ዝጸናሕና ውጥናት ኣወርጺጽና፡ ዘድሊ ጸጋታት ኣጐሳጒስና፡ ዘድሊ ሕድገትን መስዋእቲን እናገበርና ወዳበታትና እናደራዕና ክንሰርሕ ኢና።"
እቶም ሕድገታት ዝግበረሎም፡ ከምኡ'ውን እቶም ቀዳምነት ዝወሃቦም ጉዳያት ኣየኖት ምዃኖም ግን እቲ ፕረዚደንት ብዝርዝር ኣይጠቐሰን።
ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት'ውን ብወተሃደራዊ ምርኢት ዝተሰነየ ጽንብላት መበል 33 ዓመት ናጽነት ተኻይዶም ኣለዉ።
እቲ ሃገራዊ መዓልቲ፡ ብሰንኪ ኣብ ጽንብላት ኤርትራ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ዝፍጠር ጐነጽ ዝተሓወሶ ተቓውሞታት ኣብ ገለ ሃገራትን ከተማታትን'ኳ እንተ ተኣገደ፡ ኣብ ብዙሓት ቦታታት ከምዝተጸንበለ ጸብጻባት ይሕብሩ።
"ኣብ ወጻኢ ንዘለዉ ዜጋታት ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ፈተነ እዋናት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዘርኣይዎ ሓርበኝነት ብፍሉይ ከኣ ኣገናዕ፡ ቀጽልዎ እብሎም" ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ደገፍቱ ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ።
ብዘይካ'ዚ፡ "ንናጽነትናን ንልኡላውነትናን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሰፊሕ ምሕዝነታዊ ምትሕብባርን ምምልላእን ጎረባብትናን ጎደቦናን ምስ መኻይድትና ሓራ ህዝቢ ዓለም ከይተዛነና ክንሰርሕ ኢና" ክብል እቲ ወዲ 77 ዓመት ፕረዚደንት ተዛሪቡ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብቲ ሎሚ ዘስምዖ መደረ፡ ኣብቲ ብቐረባ ዝጸልወና ዝበሎ ጐደቦና፡ ተፋሰስ ኒል፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥን፡ ኣብዚ ዝሓልፈ ሸውዓተ ኣዋርሕ፡ ማእከል ስሕበት ፖለቲካ ዓለም ኰይኑ ዘሎ፡ "ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ፍልስጤም ንናጽነት እዩ፡" ኢሉ።
እቲ ኣብ 1993-95 ዝተኣመመ ብስምምዕ ኦስሎ ዝፍለጥ፡ ፍታሕ ክልተ ሃገራት ንምትዕንቓፍ ብቐስታ ከምዝሃጥም ንምግባርን ዝተገብረ ሸርሒ ዘርዚሩ። እዚ ግን ነቲ ቃልሲ ፍልስጤማውያን ከምዘየድከሞ ገሊጹ።
ኤርትራን ካሜሩንን እተን ክልተ ንፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ዘይሃባ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃነን ዝፍለጥ እዩ።
ኣብ መደረኡ ግን ኣቶ ኢሳይያስ፡ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ፍልስጤም መኸተኡ ከየዛነየ፤ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ንዓለም ኣገሪሙ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዓለማዊ ምሕዝነት ፈጢሩ ማእከል መድረኽ ሒዙ’ሎ፤ ብምባል ክገልጽ እዩ ተሰሚዑ።
ማዕረ-ማዕረ እዚ ድማ ቃልሲ ፍልስጤማውያን ንምስሉይነትምዕራባውያን ሃገራት ከምዘቃልዐ'ውን ገሊጹ።
ምስቲ ቃልሲ ህዝቢ ፍልስጤም ተዛሚዱ ዝርአ ዝበሎ ፕረዚደንት፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ባብኤል መንደብን ወሽመጥ ዓደንን ህዝብታት ጐደቦና ብምባል ብስም ዘይጠቐሶም ኣህዛብ ዘርእይዎ ዘለዉ መርኣያ ምሕዝነት ንፍልስጤም ኣገዳሲ ምዕራፍ ከፊቱ ምህላዉ እውን ኣመልኪቱ።
ነቲ ኣብ ቓዛ ፍልስጤማውያን ኣንጻር መጥቃዕቲታት እስራኤል ንዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ ደገፎም ንምርኣይ፡ ዕጡቓት ሑቲ የመን ኣብ መስመር ማይ ቀይሕ ባሕሪ፡ ባብኤል መንደብ ኣብ ልዕሊ ዝሓልፋ መራኽብ መጥቃዕቲ ድሮናትን ሮኬታትን ብምክያድ ጉድኣት ብምውራድ፡ ንጸጥታ እቲ መስመር ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዝኣቱ ብምግባር ኣቓልቦ ረኺቦም ምጽንሖም ይፍለጥ።
ነዚ ዝተፈጥረ ኵነታት ምኽንያት ጌርካ ‘ኣህጉራዊ ማያት ክንሕሉ ኢና’ ብምባል ዝካየድ ዘሎ ‘ዘይሕጋዊ ምትእታዋትን ኣራግጽን’ ሓደገኛ ሳዕቤን ከምዝህልዎ ድማ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣተሓሳሲቡ።