'መዓንጣ ዝበትኽ'ዩ'፡ ራፐር ኒኪ ሚናዥ ብዕፀፋርስ ተጠርጢራ ብፖሊስ ድሕሪ ምእሳራ ምርኢታ ተሰሪዙ

ስምይቲ ኣመሪካዊት ራፐር ኒኪ ሚናዥ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣምስተርዳም ስኪፎል ኣብ ቀይዲ ምእታዋ ስዒቡ፡ ኣብ ሜዳ ኮ-ኦፕ ላይቭ ተወዲቡ ዝነበረ ምርኢት ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ተሰሪዙ።

ኣድነቕታ በቲ ኵነታት ሕርቃኖም ይገልፁ ኣለዉ።

ፖሊስ ሆላንድ፡ ሚናዥ ‘ዕጸፋርስ ብምሓዝ’ ተጠርጢራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወት እዩ ዝገልፅ።

እታ ፍልጥቲ ራፐር ፀኒሓ ነፃ እንተተሰደደት’ኳ፡ ኣብ እዋኑ ናብ ማንቸስተር ክተርክብ ኣይከኣለትን።

ኣብቲ ትማሊ ቀዳም ክካየድ ተወዲቡ ዝነበረ ገዚፍ ኮንሰርት፡ ኣስታት 20 ሽሕ ኣድነቕታ ኣብቲ መድረኽ ሜዳ ተረኺቦም ነይሮም።

ካብኣቶም፡ ጓል 18 ዓመት ኢሞጀን ፖፕ ካብ ኒውተን-ለ-ዊሎውስ መርሲሳይድ፡ "ፅልምትምት" ከምዝበላ ገሊጻ።

"ንትኬተይ 150 ፓውንድ ወጻኢ ገይረ፡ ንዕኡ ዝኸውን ናይ ስራሕ ዕረፍቲ መዓልቲ ወሲደ፡ ንኣስታት ሰለስተ ሰዓታት ኮፍ ኢልና ተፀቢና፥ ከምኡ ኰይኑ’ውን እቲ መደብ ከምዘይካየድ ተነጊሩና" ትብል።

"መዓንጣይ እየ ብትኽ ኢለ።"

ወዲ 17 ዓመት ኤሊስ ደይ ካብ ቸሻየር ብወገኑ ኣዝዩ ከምዝሓረቐ ተዛሪቡ።

"ናብዚ መፂእና፡ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ምፅባይ ኢና ኣሕሊፍናዮ፡ እዚ ክኸውን ምርኣይ ዘሕዝን እዩ።"

ክሳብ እቲ ብዛዕባ ምንዋሕ እቲ መደብ ዝተገልፀሉ ናይ መወዳእታ ሰዓት፡ ናብ መድረኽ ክትቅልቀል ትጽቢት ይግበረላ ነይሩ።

ካብኡ ግን፡ ኣብ ሜዳ ማንቸስተር ሓያል ምድንጋራት ተፈጢሩ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን መረዳእታ በረራታትን ዝተዘርግሑ ቪድዮታት ከምዘርእዩዎ፡ እታ ንሚናዥ ተጓዕዝ ዝነበረት ነፋሪት፡ ምርኢት ማንቸስተር ኣብ ዝተናወሐሉ እዋን፡ ገና ኣብ ኣምስተርዳም'ያ ነይራ።

ካብ ስካንቶርፕ-ሊንከንሻየር ዝተጓዕዘ ወዲ 23 ዓመት ኪያን ያንግ፡ "ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኒኪ ሚናዥ ኣብ ኣምስተርዳም ከምዝተኣሰረት ምስ ሰማዕኹ ተስፋ ቀቢፀ" ኢሉ።

ያንግ፡ እቲ ማእሰርቲ ካብ ቁጽጽር እቶም መዳለውቲ ወፃኢ ምዃኑ’ኳ እንተተረደአ፡ ሓደ ካብቶም ስለ ምንታይ ኣቐዲሙ ወግዓዊ መግለጺ ከምዘይተዋህበ ዝሓቱ እዩ።

እቲ መደብ 450 ሚልዮን ፓውንድ ወፃኢ ከም ዝተገብረሉ ይግመት።

ጓል 21 ዓመት ኦሊቭያ ጊብሰን ካብ ኒውካስል፡ ድሕሪ ሕዚ "ኣድናቒት-ነበር" ምዃና ገሊጻ።

ሚናዥ ናይ ምድንጓይ ኣመል ስለዘለዋ፡ ንመገሻ ኣቐዲማ ክትሓስበሉ ነይርዋ።

"ተናዲደ እየ። ግን ከኣ፡ ብገለ መልክዑ፡ ኣይሰንበድኩን" ትብል እታ እታ መንእሰይ።

"እቲ ጌጋ ድማ ናይ ኮ-ኦፕ ላይቭ ኣይኰነን። ኒኪ እያ ንኹሎም ደገፍታ ኣሕሪቓቶም።"

ካልእ ትኬት ዝሓዘት ኣና፡ ምስ ኣፍቃሪኣ ካብ ፖላንድ ከምዝተጓዓዙን ኣብቲ መደብ ንኽርከቡ ብድምር ኣስታት 1000 ፓውንድ ከምዘውጽኡን ገሊጻ።

"ኣፍቃሪየይ ንመዓልቲ ፍቑራት ዝኸውን ኮንሰርት ትኬት ኣንጊዱኒ ነይሩ- ሕዚ ኣዝየ እየ ሓሪቐ። ነዚ መደብ ክንዕደም ካብ ፖላንድ በሪርና መፂእና።"

ካልኦት ኣድነቕቲ ግን ብሚናዥ ኣይሓዘኑን።

ጓል 23 ዓመት ሻዝ ሻህ ካብ ማንቸስተር፡ “እቲ ሎሚ ምሸት ዘጋጠመ ብርግጽ ናይ’ታ ስነጥበባዊ ጌጋ ኣይኰነን – ኣብ ካልእ ሃገር ዘጋጠመ ጉዳይ’ዩ፡ ኣብ ልዕሊኣ’ውን ክፍረድ የብሉን” ኢላ።

ሚናዥ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሽዱሽተ ሰዓታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝጸንሐትን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ከባቢ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ማንቸስተር ኣብ ዝርከብ ሆቴላ ከምዝበጽሐትን ገሊጻ።

ሚናዥ፡ "ሎሚ ምሸት ኣብቲ መድረኽ ከይርከብ ብዝገበርዎ ፃዕሪ ተዓዊቶም ኣለዉ" ክትብል ንመን ትጠቅስ ከምዘላ ግልፂ’ኳ እንተዘይኰነ፡ ኣብ ኤክስ ወቐሳ ኣስሚዓ።

"በጃኹም! በጃኹም! በጃኹም! እቲ ዝዓሞቐን ልባውን ይቕሬታይ ተቐበሉ" ክትብል ድማ ንኣድነቕታ ተማሕጺና።

ንሳ፡ ዳግማይ ዝተመደበሉ ዕለት ከተፍልጥ ተስፋ ከምዘለዋ ብምግላጽ፡ ነቶም ትኬት ዘለዎም "ተወሳኺ ቦነስ" ከምዝወሃቦም ቃል ኣትያ ኣላ።

ኣብ ሓደ ኣብ ኤክስ ዘስፈረቶ ቪድዮ፡ ሓደ ፖሊስ "ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲኺ ኣለኺ" ክብላን ንሳ ድማ ሓሽሽ ከምዘይሓዘት ክትምልስን ተራእያ።

ኣብ ሆላንድ ዕጸፋርስ ምሓዝ፡ ምሻጥ ወይ ምፍራይ ብቴክኒካዊ መዳይ ኣንጻር ሕጊ እዩ።

እንተዀነ፡ ውሑድ መጠን ዘለዎ ዕጸፋርስ ምሓዝ ናይ ምፅዋር ፖሊሲ ዘለዋ ሃገር እያ።