ኣብ 2023 ካብ ዝተፈለዩና ፍሉጣት ኢትዮጵያውያን፡ ኤርትራውያንን ካልኦትን

ኣብዛ ትዛዘም ዘላ 2023፡ ብዙሓት ፍሉጣት ውልቀሰባት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብሞት ካብዛ ዓለም ተፈልዮም እዮም።

ዓለምና፡ ካብ ኢትዮጵያዊ ‘ናይ መሬትና ጀግና’ ክሳብ ተዓወትቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም፤ ኤርትራ ድማ ሓደ ካብ ፍሉጣት ኣዘዝቲ ሰራዊታ ስኢና እያ።

ብርግጽ እቲ ዝርዝር ነዊሕን መሪርን’ኳ እንተዀነ፡ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ዝተወሰኑ ግን ኣቕሪብናልኩም ኣለና።

እዘን መወዳእታ መዓልታት’ዚ ዓመት ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ዝሰኣንናዮም ሰባት እንዝክረሉ እዋን እዩ።

ዶክተር ተወልደብርሃን ገብረእግዚኣብሄር

ተመራማሪ ሓለዋ ከባቢን ስነህይወትን ዶክተር ተወልደብርሃን ገብረእግዚኣብሄር፡ ብ12 ለካቲት 1940 ኣብ ትግራይ ከባቢ ከተማ ዓድዋ እዩ ተወሊዱ።

ቀዳማይ ዲግሪ ብስነ ህይወት ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ክረክብ እንከሎ ተሸላሚ ሜዳሊያ ወርቂ እዩ ነይሩ።

ብድሕሪኡ፡ ኣብ ትሕቲ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሰሜን ዌልስ ብ1961 ብዓውዲ ሳይንስ ኣትክልቲ ሳልሳይ ዲግሪ ተመሪቑ። እቲ ተመራማሪ፡ ፈላማይ ኢትዮጵያዊ በዓል ሞያ ስነ ኣትክልቲ’ውን እዩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ኣካዳሚ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝሰርሐ ዶክተር ተወልደብርሃን፡ ኤርትራ ኣካል ግዝኣት ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ኰይኑ ክሳብ 1991 ከም ዝሰርሐ ይግለጽ።

ብ1995 ኣካያዲ ስራሕ በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኰይኑ ዝተሸመ እቲ ዶክተር፡ ምስ ሓለዋ ከባቢን ህይወታዊ ብዙሕነትን ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 30 መጽናዕታት ኣሕቲሙን ኣብ ተመሳሰልቲ ዛዕባታት’ውን መጽሓፍቲ ጽሒፉን’ዩ።

ብተወሳኺ ስትራተጂ ሓለዋ ከባቢ ብምቕራጽ ኣብ ጸጋታት ስነ ህይወት ኢትዮጵያን ካልእ ክፋላት ዓለምን ትዅረት ዝገበሩ ጽሑፋት ኣዳልዩ እዩ።

እቲ ተመራማሪ ብርክት ዝበሉ ሽልማታት ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዝተበርከተሉ ክኸውን እንከሎ፡ ብ2000 [ኣኣ] ሽወደን ስቶክሆልም ኣብ ሓለዋ ከባቢ ብዝነበሮ ኣበርክቶ ኣማራጺ (Alternative) ሽልማት ኖቤል ወሲዱ።

ብተወሳኺ፡ ብ2006 ኣብ ሲንጋፖር ‘ሻምፕዮን ኦቭ አርዝ’ ወይ ‘ናይ መሬትና ጀግና’ ዝብል ሽልማት ሕቡራት ሃገራት ተበርኪቱሉ’ዩ።

ኣብ ዙርያ እቲ ተመራማሪ ልዕሊ 20 ዓመታት ዝወሰደ ቃለ መጠይቕን መጽናዕትን ብምግባር “ናይ መሬትና ጀግና” ዝብል መጽሓፍ ዝጽሓፈ ደራሲ ዘነበ ወላ፡ ኣብ ህይወታዊ ብዙሕነትን መሰል ሓረስቶት ዓለም ኣብ ምኽባርን ዝገበሮ ጻዕሪ ካብቶም ዓበይቲ ኣበርክቶ ዶክተር ተወልደብርሃ’ዮም ይብል።

ብፍላይ ኣብዚ ዙርያ ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ዝርዝርብ ልዕሊ 1.4 ቢልዮን ሓረስቶት ተጠቀምቲ ከምዝገበረ ይጠቅስ።

ዶክተር ተወልደብርሃን ብ20 መጋቢት ኣብ መበል 83 ዓመቱ ክዓርፍ እንከሎ ዓለም ሓዚና።

እነ ኢታይ ጽጌ ማርያም ገብሩ

ኣብ 1923 ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተወለዳ ዝንገረለን እነ ኢታይ ጽጌ ማርያም ገብሩ፡ ሙዚቃ ብምውህሃድን ፒያኖ ብምጽዋትን ይፍለጣ።

ዘወሃሃዳኦ ሙዚቃ ምስማዕ ናይ ብሓቂ መሳጥን ኣብ ውነ ዝሰርጽን እዩ። እቲ ውህደት ሙዚቃአን ንሓንሳእ ከምዚ ዝተሓዝ ነገር ኣብ ዘይብሉ ንእሽቶ ጃልባ፡ ሚዛንኩም ንምሕላው ትወዛወዙ ከም ዘለኹም ኰይኑ ይስምዓኩም። እቲ ህርመት ዝቕየር ይመስል’ሞ እቶም ሙዚቃዊ ኖታታት ካብቲ ልሙድ ውጽእ እትው ይብሉ።

ድምጺ እተን ፈላሲት ፒያኒስት፡ ኣብ መንጐ ተማዓደውቲ ዓለማት ዝወዛወዝ ዝነበረ ህይወተን ዘንጸባርቕ’ዩ።

ድርሰታትን ቅዲን እነኢታይ ጽጌ ማርያም ግን ፍሉይ’ዩ ነይሩ። እማሆይ ምስ ፒያኖአን ጥራይ ኰይነን’የን በቲ ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ኣብ ሃገረን ዘጋጠመ ኣገደስቲ ፍጻመታትን ብመሳጢ ህይወትን ዝተሰነየ ፍትው፡ ኣስተንትኖኣዊ - ከምኡ'ውን ዝርብሽን - ትካዘ ዝፈጥርን ሙዚቃ ዘፍርያ ዝነበራ።

እዚ ድማ ‘ንግስቲ ፒያኖ’ ተባሂለን ክፍለጣ ኣኽኢሉወን።

ብዕድመ ምስ ደፍኣ ኣብ ሃገረ እስራኤል፡ ኣብ ከተማ ዮሩሳሌም ይነብራ ከምዝነበራ ይፍለጥ።

ንማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝተቓለሳ እነ ኢታይ ጽጌ ማርያም ገብሩ፡ ኣዝዩ ፍሉይ ህይወት እየን ኣሕሊፈን።

ብዕለት 8 ሚያዝያ ግን ኣብ መበል 99 ዓመት ዕድመአን ሓንቲ ካብቶም ዓለምና ዝሰኣነቶም ዕዉታት ሰባት ኰይነን።

ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል

ሓላፊ ስታፍ ስርሒታትን ስልጠናን ሰራዊት ኤርትራ ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል፡ ኣብ 1974 እዩ ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተጸንቢሩ። ኣብ ገድሊ ድማ ብዝተፈላለየ ጽፍሒ ሓላፍነት ኣገልጊሉ'ዩ።

ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መወዳእታ 1970ታት ኣብ ክፍሊ ህዝቢ (ጀማሂር) ተመዲቡ ይሰርሕ ምንባሩ ብጾቱ ይገልጹ።

ካብ 1984 ክሳብ 1987 ኣብ ዝነበረ እዋን ድማ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ብምዃን ተዋጋኢ ሰራዊት ይመርሕ ነይሩ።

ብድሕሪኡ ክሳብ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዝነበረ ዓመታት ከኣ ኣዛዚ ግንባርን ኮርን ብምዃን ኣገልጊሉ።

ኣብ 1990 ጀነራል ሃይለ፡ ነቲ ንወደባዊት ከተማ ባጽዕ ንምቍጽጻር ዝተኻየደ ስርሒት ፈንቅል ላዕለዋይ ኣዛዚ ግንባር ብምዃን ምምርሑ ሓደ ካብቲ ዝፍለጠሉ ቀንዲ ኣበርክቶኡ'ዩ።

ኣብ ሓደ እዋን'ውን፡ ምክትል ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ብምዃን ሰሪሑ ነይሩ።

ካብ 1994 ክሳብ 1998 ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኤርትራ ዝነበረ ጀነራል ሃይለ ብ11 ታሕሳስ 2023 ኣብ ርእሰከተማ ደልሂ ብሕማም ዓሪፉ።

ማቲው ፔሪ

ማቲው ፔሪ፡ ኣብታ ውርይቲ ተኸታታሊት ፊልም ‘ፍሬንድስ’ ዝተባህለት ሲትኮም ናይ ቻንድለር ቢንግ ገጸ ባህሪ ብምጽዋት ዓለምለኻዊ ተፈታውነት ክርከብ ክኢሉ’ዩ።

ኣብ 2022 ድማ ብዛዕባ ኣብ ህይወቱ ዘሳቐዮ ወልፍታት ዝገለጸሉ ዝኽሪ ጽሒፉ ነይሩ።

ቀንዲ ተዋሳኣይ ‘ፍሬንድስ’ ዝነበረ ፔሪ፡ ብ28 ጥቅምቲ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ኣብ ዝርከብ ገዛኡ ኣብ ባኞ ሞይቱ ክርከብ እንከሎ፡ ኵሎም ኣድነቕቱን ፈተውቱን መሳርሕቱን፡ ብሃንደበታዊ ሞቱ ሰንቢዶም’ዮም።

ቲና ተርነር

ኣብ መንጎ ሶልን ሮክን ሙዚቃ ንዝነበረ ጋግ ድልድል ከም ዘራኸበት እትቑጸር ቲና ተርነር፡ ዘቤታዊ መጥቃዕቲ ስዒራ ንግስቲ ሙዚቃ ዓለም ክትከውን ዝኸኣለት ስነጥበባዊት እያ።

እታ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣልበማት ዝሸጠት ደራፊት፡ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 1960ታት ምስ በዓል ቤታ ኣይክ ድሕሪ ዘቕረበቶ ምርኢት ኣብ መድረኽ ሙዚቃ ክትነግስ ጀሚራ። ብሰንኪ እቲ ዘጋጠማ ዘቤታዊ መጥቃዕቲ ግን ኣብ 1978 ካብ ሓዳራ ተፋቲሓ፤ ካብ 1980ታት ጀሚራ ድማ ንበይና ኰይና ዝያዳ ዕውትቲ ስነ ጥበባዊት ክትከውን በቒዓ።

‘ፕራይቨት ዳንሰር’፡ ‘ዋትስ ላቭ ጋት ቱ ዱ ዊዝ ኢት’፡ ‘ዘ ቤስት’ ብዝብሉ ዘመን ተሳገርቲ ሙዚቃታት እትፍለጥ ንግስቲ ሙዚቃ ሮክ ኤንድ ሮል ቲና ተርነር ብ24 ግንቦት ኣብ መበል 83 ዓመታ ዓሪፋ።

ሄንሪ ኪሲንጀር

ሃንዳሲ ፖሊሲ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ እናተባህለ ዝግለጽ ሄንሪ ኪሰንጀር፡ ኵናት ኣመሪካን ቬትናምን ንከኽትም ብዘካየዶ ጻዕሪ ኣብ 1973 ተዓዋቲ ሽልማት ኖበል ኰይኑ።

ኣብ ኣመሪካ ኣማኻሪ ጸጥታ፡ ጸሓፊ ጉዳያትን ካልእ ዓበይቲ ጽፍሕታትን ሒዙ ዝሰርሐ ሄንሪ ኪሰንጀር ዋላ’ኳ ሽልማት ኖቤል ሰላም እንተተወሃበ፡ ብዙሓት ድማ 'ገበን ኵናት ፈጺሙ’ዩ' እናበሉ ይኹንንዎ'ዮም።

ካብ ማእከላይ ናብራ ዝነበሮም ኣይሁድ ብ27 ግንቦት 1923 ኣብ ባቨርያ ዝተወልደ ኪሲንጀር፡ ብ29 ሕዳር ኣብ መበል 100 ዓመቱ ዓሪፉ።

ሲልቪዮ በርሉስኮኒ

ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኢጣልያዊ ዓቢ ርእሰማል ዝነበሮ ሲልቪዮ በርሉስኮኒ፡ ናብ ፖለቲካ ድሕሪ ምእታዉ ኣብታ ሃገር ድሕሪ ኲናት ንነዊሕ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ዘገልገለ ኣዘራራርቢ ሰብ ነይሩ።

በርሉስኮኒ ብንግዳዊ ብልሓቱን ዝነበሮ ህዝባዊ ፍናንን ብደገፍቱ ይናኣድ እኳ እንተነበረ፡ ንልዕልና ሕጊ ሸለል ብምባሉ ግን ብሓያሎ ነቐፍቲ ተወቒሱ እዩ።

ኣብ መላእ ናይ ፖለቲካ ህይወቱ ኸኣ ብጉቦ፡ ብምትላል ግብሪን ጾታዊ ርክብ ምስ ትሕቲ ዕድመ ኣመንዝራን ዝብል ክስታት ተኸታታሊ ሕጋዊ ጸገማት ኣጋጢምዎ። ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት'ውን ተፈሪዱ'ኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ዕድመ ምድፋእ ግን ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣምሊጡ።

ይዅን’ምበር እቲ ኣትኩሮ ሰባት ንምስሓብ ብዝገብሮ ጻዕርታት ዝፍለጥ ቢልዮነር፡ ካብ 1994 ክሳዕ 2011 ቀዳማይ ምኒስተር ብምዃን ን17 ዓመታት ነታ ሃገር መሪሑ'ዩ። ብ12 ሰነ ድማ ኣብ መበል 86 ዓመቱ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።

ፐርቨዝ ሙሻራፍ

ምሉእ ማዕርግ ጀነራልነት ዝነበሮ ፐርቨዝ ሙሻራፍ፡ ኣብ 1999 ምፍሳስ ደም ብዘይነበሮ ዕልዋ መንግስቲ በትረ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ፡ ንፓኪስታን ንኣስታት 10 ዓመታት መሪሕዋ።

ጀነራል ሙሻራፍ፡ ብወተሃደራት ፓኪስታን ተቐባልነት ዝነበሮ፡ ብወተሃደራዊ ኣከዳድናኡ ዝልለ፡ ጥንቍቕን ንቝሕን ወተሃደራዊ መራሒ ምንባሩ ይንገረሉ። ኣንጻር ኣኽረርቲ እስላማዊ ጕጅለ ዘቕንዐ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣመሪካ ኣብ ምትግባር ብምትሕብባሩ ግን ደቂ ሃገሩ ብሕማቕ ዓይኒ ክጥምትዎ ገይርዎ’ዩ።

ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ ድማ ብኽድዓት ተኸሲሱ ኣብ መወዳእታ ድማ ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ።

ፕረዚደንት ፓኪስታን ነበር ፐርቨዝ ሙሻራፍ ኣብ መበል 79 ዓመት ዕድመኡ ብ5 ለካቲት ዓሪፉ።

ሪቻርድ ራውንድትሪ

ሪቻርድ ራውንድትሪ፡ ብፍላይ ‘ሻፍት’ ብዝብሉ ተኸታተልቲ ፊልምታቱ ኣዝዩ ይፍለጥ።

ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ጸለምቲ ተዋሳእቲ ኣክሽን ፊልም ዝዀነ ራውንድትሪ፡ ብ9 ሓምለ 1942 ኣብ ኒው ሮሸል ኒውዮርክ ተወሊዱ።

ኣብ መጀመርታ 1960ታት ምውሳእ ጀሚሩ፤ ኣብ 1970ታት ከም መርማሪ ጆን ሻፍት ኰይኑ ክዋሳእ ምስተረኣየ ኣብ መበል 29 ዓመት ዕድመኡ ኮኾብ ኰይኑ።

ንሓጺር እዋን ምስ መንሽሮ ጣፍያ ድሕሪ ምቅላሱ ብ24 ጥቅምቲ ኣብ መበል 81 ዓመቱ ዓሪፉ።

ሰር ማይክል ጋምቦን

ብ1940 ኣብ ዳብሊን ዝተወልደ ሰር ማይክል ጋምቦን ኣብ ፊልምታት ሃሪ ፖተር ብዝተጻወቶ ተራ ይፍለጥ።

ሰር ማይክል፡ ኣብ መድረኽን ኣብ ፊልምን ዝዋሳእ ኰይኑ ኣብ ክልቲኡ መዳይ ዕዉት ከምዝነበረ ብዙሓት ይምስክሩ።

ደራሲት ሃሪ ፖተር ዝዀነት ጄኬ ሮውሊን "ግሩም ሰብ"ን "ብሉጽ ተዋሳኣይን" ክትብል ትንእዶ።

ኣብ ሽልማት ባፍታ ኣርባዕተ ግዜ፡ ኣብ ቶኒ ኣዋርድስ ሰለስተ ከምኡ’ወን ካልኦት ሽልማት ስነጥበባትን ዝተዓወተ ኮዀብ፡ ኣብ 86 ዓመቱ ብዕለት 27 መስከረም ካብዛ ዓለም ተፈልዩ።

ኣላን ኣርኪን

ንኡድ ኣሜሪካዊ ተዋሳኣይ ኣላን ኣርኪን፡ ከም ‘ካች 22’፡ ‘ሊትል ሚስ ሳንሻይን’ን ‘ግለንጋሪ ግለን ሮስን’ ኣብ ዝኣመሰላ ብዙሓት ፊልምታት ተዋሲኡ እዩ።

ኣላን ኣብ 81 ፊልምታት፡ 29 ናይ ቲቪ ምርኢታትን 8 ትያትራትን ድማ ኣሰሩ ከምዘንበረ ይፍለጥ።

ኣብታ ኣብ 2006 ኮሜዲ ፊልም ‘ሊትል ሚስ ሳንሻይን’ ከም ቁጥዐ ዝመልኦ ኣቦሓጐ ኰይኑ ብዘርኣዮ ብቕዓት ድማ ብሉጽ ደጋፊ ተዋሳኣይ ተባሂሉ ኦስካር ተሸሊሙ።

ካብ ኦስካር ብተወሳኺ ሽልማት ባፍታ፡ ሽልማት ጎልደን ግሎብ፡ ክልተ ሽልማት ስክሪን ኣክተርስ ጊልድን ቶኒ ኣዋርድ ተዓዊቱ’ዩ። ብምርኢታት ቲቪ ድማ ሽዱሽተ ግዜ ንሽልማት ፕራይምታይም ኤሚ ተሓጽዩ ነይሩ።

ኣብ መላእ ዕድመኡ ዝሰርሖ ስራሕ ንምኽባር ኣብ 2014 ኣብ ፈስቲቫል ፊልም ሳንዲያጎ ብግሪጎሪ ፐክ ዝፍለጥ ሽልማት ብሉጽነት ሲነማ ተቐቢሉ።

ዓለም ነዚ ዕዉት ኣሜሪካዊ ተዋሳኣይ ዝሰኣነቶ ብ29 ሰነ እዩ ነይሩ።

ጆርጅ ኣላግያ

ጆርጅ ኣላግያ ሓደ ካብቶም ንነዊሕ እዋን ኣብ ቢቢሲ ዘገልገሉን ዝኽበሩን ጋዜጠኛታት እዩ።

ን20 ዓመታት ኣብ ቢቢሲ ኒውስ ኣገልጊሉ እዩ፤ ቅድመኡ ድማ ካብ ሩዋንዳ ክሳብ ዒራቕ ከምኡ’ውን ካብ ካልኦት ሃገራት ጸብጻባት ዘቕርብ ናይ ወጻኢ ጋዜጠኛ ነይሩ።

ኣብ 2000 ሓንቲ ጉጅለ ቢቢሲ ኣብ ግጭት ኮሶቮ ብዝሃበቶ ሽፋን ሽልማት ባፍታ ክትረከብ ከላ ሓደ ካብቶም ኣባላት እታ ጕጅለ ጆርጅ ኣላግያ ከምዝነበረ ይዝከር።

ብተወሳኺ ካልኦት ብዙሓት ሽልማታት’ውን ተዓዊቱ’ዩ፤ ኣብ 1993 ካብ ማሕበር ሮያል ተሌቪዥን ብሉጽ ዓለምለኻዊ ሪፖርተር ክረክብ እንከሎ፡ ኣብ 1994 ድማ ሓፈሻዊ ሽልማት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሚድያ ዓባይ ብሪጣንያ ተዓዊቱ።

ከም ጋዜጠኛ ብዝሃቦ ኣገልግሎት ኣብ 2008 ‘ኦፊሰር ኦቭ ዚ ኦርደር ኦቭ ዚ ብሪቲሽ ኢምፓየር’ ኰይኑ ተመዚዙ።

ኣብ 2010 ኣብ ዘ ኤዥያን ኣዋርድስ ኣብ ተለቪዥን ብሉጽ ውጽኢት ዝረኸበ ተባሂሉ ተሸሊሙ።

‘ዘ በርኒን ላንድ’ ዘርእስታ ኣብ 2020 ዘዳለዋ ናይ መጀመርታ ልብ-ወለዱ ንሽልማት ማሕበር ጸሓፍቲ ተሓጽያ ነይራ።

ምስ ሕማም መንሽሮ መዓንጣ ዝቃለስ ዝነበረ ጆርጅ ኣላግያ ብዕለት 24 ሓምለ ብስድራኡን ዝፈትዎም ሰባትን ተኸቢቡ ብሰላም ዓሪፉ።