እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተመራማሪ ሓለዋ ከባቢ ዶክተር ተወልደብርሃን ገ/እግዚኣብሄር ዓሪፉ
ተመራማሪ ሓለዋ ከባብን ስነ ህይወትን ዶክተር ተወልደብርሃን ገብረእግዚኣብሄር ኣብ መበል 83 ዓመቱ ትማሊ 11 መጋቢት 2015 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ዓሪፉ።
ኣብ ዙርያ ህይወት እቲ ተመራማሪ መጽሓፍ ዝጽሓፈ ጋዜጠኛን ደራስን ዘነበ ወላ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዶክተር ተወልደብርሃን ትማሊ ሰኑይ ለይቲ ከም ዝዓረፈ ካብ ወዱ ከም ዝሰምዐ ሓቢሩ።
ዜና ዕረፍቱ ካብ ጓሉ ሮማን ተወልደብርሃን ከም ዝሰምዐ ዝዛረብ ዘነበ፡ ዶክተር ተወልደብርሃን ንነዊሕ ጊዜ ዝጸንሐ ሕማም ከም ዝነበሮ ገሊጹ።
ዶክተር ተወልደብርሃን መን’ዩ?
ድረ ገጽ ሓለዋ ከባቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ ታሪኽ ዶክተር ተወልደብርሃን ከም ዝሕብሮ፡ ብ12 ለካቲት 1932 ዓ.ም ኣብ ትግራይ ከባቢ ከተማ ዓድዋ እዩ ተወሊዱ።
ቀዳማይ ዲግሪኡ ብስነ ህይወት ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ክረክብ እንከሎ ተሸላሚ ሜዳሊያ ወርቂ እዩ ነይሩ።
ብድሕሪኡ፡ ኣብ ትሕቲ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሰሜን ዌልስ ብ1961 ብስነ ምህዳር እጽዋት ሳልሳይ ዲግሪ ተመሪቑ። እቲ ተመራማሪ፡ ፈላማዊ ኢትዮጵያዊ በዓል ሞያ ስነ ምህዳር እጽዋት’ውን እዩ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ኣካዳሚ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝሰርሐ ዶክተር ተወልደብርሃን፡ ኤርትራ ኣካል ግዝኣት ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ኰይኑ ክሳብ 1983 ዓ.ም ከም ዝሰርሐ ይግለጽ።
ኣብታ ሃገር ናይ ስርዓት ለውጢ ምስ መጽአ ሴክሬታሪያት ስትራቴጂ ሓለዋ ከባቢ ኰይኑ ዝሰርሐ ዶክተር ተወልደብርሃን ብ1987 ዓ.ም ኣካያዲ ስራሕ በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኰይኑ ተሸይሙ’ዩ።
ምስ ሓለዋ ከባብን ብዝሓ ህይወትን ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 30 መጽናዕታት ኣሐቲሙ’ዩ፤ ኣብ ተመሳሰልቲ ዛዕባታት’ውን መጽሓፍቲ ጽሒፉ።
ብተወሳኺ ስትራቴጂ ሓለዋ ከባቢ ብምቕራጽ ኣብ ጸጋታት ስነ ህይወት ኢትዮጵያን ካልእ ክፋላት ዓለምን ትኹረት ዝገበሩ ጽሑፋት ኣዳልዩ እዩ።
እቲ ተመራማሪ ብርክት ዝበሉ ሽልማታት ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዝተበርከተሉ ክኸውን እንከሎ፡ ብ2000 (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ስዊድን ስቶኮልም ኣብ ሓለዋ ከባቢ ብዝነበሮ ኣበርክቶ ኣማራጺ (Alternative) ሽልማት ኖቤል ወሲዱ።
ብተወሳኺ፡ ብ2006 ኣብ ሲንጋፖር ‘champion of the earth’ ዝብል ሽልማት ሕቡራት ሃገራት ተበርኪቱሉ።
ኣብ ዙርያ እቲ ተመራማሪ ልዕሊ 20 ዓመታት ዝወሰደ ቃለ መጠይቕን መጽናዕትን ብምግባር “ናይ መሬትና ጀግና” ዝብል መጽሓፍ ዝጽሓፈ ደራሲ ዘነበ ወላ፡ በዓል ሞያ ስነ ከባቢ ዶክተር ተወልደብርሃን ኣብ ብዝሓ ህይወትን መሰል ሓረስቶት ዓለም ኣብ ምኽባርን ዝገበሮ ድርድር (community right negotiation) ካብ ሞንጐ እቶም ዓበይቲ ኣበርክቶ እቲ ተመራማሪ’ዮም ይብል።
ብፍላይ ኣብዚ ዙርያ ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ድርድር ልዕሊ 1.4 ቢሊዮን ሓረስቶት ተጠቀምቲ ከም ዝገበረ ኣመልኪቱ።
እዚ ድርድር ምስ መሰል ዋንነት ዘራእቲ እኽሊ (Patent right) ዝተሓሓዝ እዩ።
“መሰል ዋንነት ዘርኢ እኽሊ ናተይ’ዩ ዝብሉ ሰባት ተላዒሎም፤ ሽዑ ዶክተር ተወልደብርሃን ‘እቲ ሓረስታይ ዓቂቡ ዘጽንሓልና ነገር ንስኹም መሰል ዋንነት እትሓትሉ ክኸውን ኣይክእልን’ ኢሉ ብምእማን ውጽኢት ኣምጺኡ” ይብል ጋዜጠኛ ዘነበ።
ብኻልእ ወገን ምምሕያሽ ዘርኢ ዝተገብረሎም መግብታት ወይ ‘ጂኤምኦ’ ዘለዎም ጽልዋ ብዝምልከት ውጽኢት ዘለዎ ድርድር ገይሩ እዩ።
በዓልቲ ቤቱ ሱ ኤድዋርድስ ብትውልዲ ኢንግሊዛዊት ኰይና ብዜግነት ኢትዮጵያዊት እያ።
“ዳግማይ ተጠሚቓ ተኸታሊት እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኰይና ኣብዚ እያ ዓሪፋ” ይብል ዘነበ ወላ።
ዶክተር ተወልደብርሃን ኣቦ ሰለስተ ቈልዑ ኰይኑ፡ ጽጉማት ቈልዑ የዕቢ ከም ዝነበረ እቲ ደራሲ ተዛሪቡ።
“ብውሑድ 60 ቘልዑ ዘኽታማት ኣብ ትሕቲ ስድራቤቱ ኣዕቚቦም በሊዖም፣ ሰትዮም፣ ትምህርቶም ወዲኦም ወጺኦም ዓርሶም ክኢሎም’ዮም” ይብል።
ስርዓተ ቐብሪ ዶክትር ተወልደብርሃን ጽባሕ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ስላሴ ክፍጸም ምኻኑ ቢቢሲ ካብ ስድራ መዋተ ኣረጋጊጹ።