ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ፡ “ጸሊም ስለዝተኸደንና ኣገልግሎት መንግስቲ ተኸልኪልና”

ምንጪ ስእሊ, EOTC BROADCASTING SERVICE AGENCY
ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ፍጻመ ስዒቡ፡ ጎኒ ጎኒ እቲ ሰኑይ 29 ጥሪ 2015 ተጀሚሩ ዘሎ ጾመ ነነዌ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ጸሊም ተኸዲኖም ክሰግዱን ከጻልቱን በታ ቤተክርስትያን መምርሒ ከምዝተወሃበ ይዝከር።
እዚ ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ውሳነ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝተገልጸ ኮይኑ ካብ ሕግን ስርዓትን ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ሰለስተ ጳጳሳት ን26 ኤጲስ ቆጶሳትን ድሕሪ ምሻሞም ዘጋጠመ ፍጻመታት መሰረት ብምግባር እዩ።
ይኹን’ምበር ነዚ ትእዛዝ ሲኖዶስ ዘተግብሩ ሰዓብቲ እምነት ኣብ ገለ ከባቢታት ብሓይልታት ጸጥታ ከም ዝተኣሰሩ መራኸቢ ብዙሃን እታ ቤተክርስትያን ይሕብራ ኣለዋ።
ካብዚ ብተወሳኺ ገለ መንግስታውን ውልቃውን ትካላት ሰራሕተኛታቶም ጸሊም ክዳን ክኽደኑ ከምዘይብሎም ብቓላትን ብጽሑፍን የጠንቅቑ ዘለዉ ኮይኖም ጸሊም ክዳን ንዝለበሱ ዓማዊል ዘየገልግሉ ከምዘለዉ'ውን ንቢቢሲ ዝተዛረቡ ሰባት ይሕብሩ።
እቶም ንቢቢሲ ቃሎም ዝሃቡ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ጸሊም ክዳን ተኸዲኖም ናብተን ኣገልግሎት ንምድላይ ዝኸድወን ትካላት መንግስቲ ምእታው ከምዝተኸልከሉ ይገልጹ።
ኣብያተ ፅሕፈት ወረዳ፣ ኣብያተ ፅሕፈት እቶት፣ ጣብያታት ፖሊስ ወረዳታት ካብቶም ነበርቲ ብሰንኪ ሕብሪ ክዳውንቶም ኣገልግሎት ከይረኽቡ ከልኪሎም ዝተብሃሉ ትካላት እዮም።
ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመጉ) ብወገኑ፡ ጸሊም ክዳን ዝለበሱ ሰባት ይእሰሩን ይሳቐዩን ከምዘለዉ ገሊጹ።
ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ነቶም ደገፍ መንግስቲ ኣለዎም ዝበሎም ተነጸልቲ ኣቦታት ድሕሪ ምውጋዝ ኣመንቲ ጸሊም ተኸዲኖም ብጾምን ጸሎትን ኣብ ጎኒ ቤተ ክርስቲያን ደው ክብሉ ጸዊዑ'ሎ።
ሓደ ካብቶም ኣብ ቤት ፍርዲ ብዛዕባ እዋናዊ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ዝካትዑ ዘለዉ ጠበቓታት ብሰንኪ ሕብሪ ክዳውንቶም ንሰባት ምግፋዕ ከም ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እዩ ዝቑፀር ኢሉ።
"ጸሊም ብምኽዳንና ኣገልግሎት ተኸልኪልና"
ነባሪ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ዝኾነ ኣይተ ይልማ ብሰኑይ 29 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ኣብ መደበር ፖሊስ ጃንሜዳ "ጸሊም ተኸዲነ ስለዝነበርኩ ኣገልግሎት ክረክብ ኣይከኣልኩን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ኣብ ኣፍደገ ዝነበረ ፖሊስ ብሰንኪ ሕብሪ ክዳውንተይ ናብቲ መደበር ፖሊስ ክኣቱ ከምዘይክእል ብቕሉዕ ነገረኒ" ኢሉ።
ኣቶ ይልማ ከም ዝብሎ ጸሊም ክዳን ተኸዲኑ ናብ መደበር ፖሊስ ከይኣቱ ዝተኸልከለ ንሱ ጥራይ ዘይኮነስ ካልኦት ሰባት እውን ክምለሱ ርእዩ እዩ።
"እዚ ንዓይ ጥራይ ዘይኮነስ ካልኦት ሰባት በዚ ጉዳይ ክምለሱ ርእየ እየ" ዝበለ እቲ ነባሪኡ ጉዳዩ ህጹጽ ስለዘይነበረ ካልእ መዓልቲ ክመጽእ ከምዝወሰነ ገሊጹ።
ካልእ ነባሪ እታ ከተማ ጸሊም ክዳን ስለዝለበሰ ጥራይ ካብ ቤት ጽሕፈት እቶት ጣብያ ቦሌ ኣገልግሎት መንግስቲ ከይረኸበ ተመሊሱ።
እዚ ነባሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ጸሊም ክዳን ስለዝተኸድኑ ናብቲ መንግስታዊ መሳለጥያ ክኣትዉ ከምዘይክእሉ ምስተነግሮም ክኣምን ከምዘይከኣለ ሓቢሩ።
ካልእ ነባሪ ከምዝሓበሮ ድማ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንኣንፈት ምብራቕ ኣብ ክልል ኦሮምያ ከተማ ለገዳዲ፡ ፖሊስ እቲ ክልል ጸሊም ክዳን ዝለበሱ ተሳፈርቲ ካብ መኻይን ፈልዩ የውርድ ነይሩ።
"ሕጊ ምጥሓስ'ዩ"
ሰባት ብሕብሪ ዝለብስዎ ክዳውንቲ ጥራይ ክምዘኑ ኣለዎም ዝብል ሕጊ ከምዘየለ እቲ ኪኢላ ሕጊ ይዛረብ።
"ሰባት ጸሊም ክኽደኑ ሃይማኖታዊ ግቡኦም ከምኡ'ውን ሕገ መንግስታዊ መሰሎም'ዩ" ይብል።
"ሰዓብቲ ሃይማኖት ብቅዱስ ሲኖዶስ ጸሊም ክኽደኑ ክሳብ ዝተኣዘዙ ምእመናን ነዚ ትእዛዝ እዚ ክኽተሉ ኣለዎም" ዝብል'ቲ ጠበቓ፤ ኣመንቲ ከምኡ ናይ ምግባር መሰሎም ኣብ ዓንቀጽ 27 ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ተቐሚጡ ከምዘሎ ጠቒሱ።
ናጽነት ሃይማኖት፣ እምነትን ርእይቶን ኣብ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓንቀጽ 27 ተቐሚጡ ኣሎ።
ካብ ግዳያት ሓበሬታ ብምእካብ ኣብ ልዕሊ ናይ ውልቂን መንግስታውን ትካላት ክሲ ንምምስራት ይዳለዉ ከምዘለዉ ድማ ወሲኹ ሓቢሩ።
"[ጸሊም ከይኽደን ተኸልኪለ] ዝብል መልእኽቲ ዝሰደዱለይ ብውሑዱ 20 ሰባት ኣለዉ" ዝበለ'ቲ ጠበቓ፡ እቶም ዝኣገዱ ኣብያተ ጽሕፈት ካብ ፌደራል ክሳብ ናይ ውልቀ ትካላት ከምዝርከብዎም ኣመልኪቱ።
ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ መልሲ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነታት ኣይሰመረን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







