ድሕሪ 80 ዓመት ዝተገለጸ ዝገርም ምስጢር እታ ብ ‘ሰለስተ ኣዋልድ ’ እትፍለጥ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰለስተ ንኣሽቱ ኣይሁዳውያን ኣዋልድ፡ ካብ ጨፍጫፍ ናዚ ጀርመን ክሃድማ ዝተሳእላ፡ ኣብ ሙዝየማት፡ ምርኢታትን ሕትመታትን ብተደጋጋሚ ዝተርኣየትን ፍልጥትን ስእሊ እያ።
እታ ስእሊ ኣብቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ መደበር ባቡር ሊቨርፑል ዝተወሰደት ኰይና፡ መንነት እተን ህጻናት ግን ንልዕሊ 80 ዓመት ኣይተፈለጠን ጸኒሑ።
ኢንጌ፡ ክትሰኣል እንከላ ኣይትዝክርን፤ ንሓያሎ ዓመታት እውን እዚ ስእሊ ምህላዉ ኣይትፈልጥን ነይራ።
ሽዑ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ዝነበረት ኢንጌ ካብቲ ኣብ ናይ ሎሚ ፖላንድ ዝርከብ፡ ሽዑ ኣብ ትሕቲ ጀርመን ዝነበረ ሮክላው ዝበሃል ከባቢ ምስ ጓል 10 ዓመት ሓፍታ ሩት ሃዲማ።
ኣብ ገዛአን ዝተረፋ ኣደአንን ንእሽቶ ሓፍተንን ድማ ኣብ ኦሽዊትዝ ተቐቲለን።
ኢንጌ፡ ጥሮታ ምስ ወጸት እያ ንሳን እታ ኣብ 2015 ዝሞተት ሓፍታ ሩትን ናይቲ ዘይርሳዕ ጨፍጫፍ ናዚ ጀርመንን ኣብ 1939 ኣይሁዳውያን ህጻናት ብብዝሒ ናብ ውሑስ ቦታ ዘጓዓዓዘ ኪንደር ትራንስፖርት ምልክት ኰይነን ከምዝተረፋ ዝፈለጠት።

ምንጪ ስእሊ, ADAMECZ FAMILY
ነታ ስእሊ ኣብታ ‘ነቨር ኣገይን’ ዘርእስታ መጽሓፍ ጸሓፊ ታሪኽ ማርቲን ጊበርት ሃንደበት ረኺባታ።
"ዓቢይ ምግራምዩ ነይሩ" ትብል።
"ኣብቲ መጽሓፍ ‘ሰለስተ ንኣሽቱ ኣዋልድ’ ዝብል ጥራይ እዩ ጽሒፉ። ሽዑ ‘አረ ብህይወት ኣለና ኢና’ ኢለ ጽሒፈሉ። ሰባት ንሽርሊተምፕል ትመስሊ ይብሉኒ፤ ንምንታይ እየ ኸ ፍሽኽ ኢለ?
"ሩት ግን ረኣይዋ፤ ኣዝያ ተጐዲኣ ነይራ።
"እታ መጻወቲ ሒዛ ዘላ ሳልሰይትና ግን መን ከምዝዀነት ኣይፈልጣን፤ ፈጺመ ኣይፈለጥኩዋን።"
እታ ባምቡላ ሒዛ ዘላ ጓል 10 ዓመት ዝነበረትን ምስ መንታ ሓዋ ሃንስ (ዳሕራይ ጀራልድ) ካብ ጀርመን ሃሌ ተበጊሳ ኣብ ባቡር ምስኣተን ዝመጸት ሃና ኮህን እያ።
ኣብታ ፈላመይቲ ስእሊ ሓንቲ እግሪ ሃንስ ሕብሪ ስሪኡን ተቘሪጻ ትርአ።
ሃና ነቲ ጕዕዞን ነታ እትጻወተላ ዝነበረት ባምቡላን ትዝክር'ኳ እንተዀነት፡ ነታ ስእሊ ግን ልክዕ ከም ኢንጌን ሩትን ኣይትዝክራን።
ንሳ ኣብ 2018 ዝሞተት ኰይና፡ ብዛዕባ ተመኵሮኣ ግን ምስ ዩኒቨርሲቲ ለንደን ቃለመሕተት ኣካይዳ ነይራ።
"ብሆላንድ ክንሓልፍን ሕያዎት ደቂ ኣንስትዮ ሕንባሻን ለሞንደን ክህባናን እዝክር፡" ኢላ።
"ካብ ሃርዊች ብዝተበገሰት ባቡር ሊቨርፑል በጺሕና፤ እቲ መቐመጢ ጣውላ ዘይኮነስ ዝተጋየጸን ምቹ'እን ብምንባሩ ብጌጋ ናብ ቀዳማይ ደረጃ ክፍልታት እታ ባቡር ኣቲና ከይንኸውን ተጨኒቐ ነይረ።
‘‘ናብ ጐደና ሊቨርፑል ንጓዓዝ ምንባርና እውን ኣጨኒቝኒ ነይሩ፤ ናብ ለንደን እንኸይድን ሊቨርፑል ድማ ኣብ ርሑቕ ዘሎን መሲሉኒ ነይሩ።
"ብዝዀነ ኣብዚ ምዕሩግ ኣዳራሽ በጺሕና። ኢቭሊን ኢለ ሽም ዘውጻእኩላ ባምቡላ ሒዘ ነይረ" ብምባል ትዝክር።

ምንጪ ስእሊ, SINGER FAMILY
ሃና፡ ንዝኽሪ 50 ዓመት ኪንደር ትራንስፖርት ኣብ ዝተዳለወ ምርኢት፡ ሓዋ ነታ ስእሊ ምስ ረኣያ እያ ንፈለማ ግዜ ብዛዕባኣ ፈሊጣ።
ንሳ ብዛዕባ እተን ካልኦት ክልተ ኣዋልድ ክትፈልጥ ኣዝያ ህንጥይቲ ምንባራ መናቱ ደቃ ደቢን ሄለንን ይዛረባ።
ነቲ ስእሊ እናረኣየት ‘መን ኮን ይኾና’ ትብል ነይራ።
ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ፡ ነቲ ስእሊ ካብ ዝተሰኣለሉ ድሕሪ 80 ዓመታት፡ ኣብ ቢቢሲ ዝተዳለወ መደብ ዝሰምዓ ደቃ ግን ነቲ ሓቂ ፈሊጠንኦ።
እቲ ዛንታ ብዛዕባ እቲ ዝተረሰዐን ኢንጌን ሩትን ተዓቚበናሉ ዝነበራን ኖርዝ-ኢስት ሆስቴል ዘዘንቱ እዩ።
‘‘ዝኽሪ መዓልቲ ሃሎኮስት እዩ ነይሩ፤ መሓዛይ ነቲ መራኽቦ (ሊንክ) መደብ ቢቢሲ ልኢኻትለይ" እትብል ሄለን "ንምንታይ ነዚ መራኽቦ ሰዲዳትለይ ኢለ ሓሲበ። እናረአኹ ንታሕቲ ምስ ወረድኩ ግን ነቲ ናይ ኣደይን ኢንጌን ሩትን ዝብል ኣስማት ዝተጽሓፎ ናይተን ክልተ ኣዋልድ ስእሊን ርእየ።
"ኣዚና ተሓጒስና፡ ንደቢ ድማ ‘እተን ኣዋልድ ረኺብናየን’ ኢለ መልእክቲ ልኢኸላ።"
ኢንጌ፡ ኣብ ሚያዝያ ኣብቲ እታ ስእሊ ን 20 ዓመታት ተሰቒላ እትርከበሉ ኢምፐርያል ዋር ሙዝየም፡ ን ደቂ ሃና ረኺባተን።
‘‘ኢንጌ ኣብ ህይወትና ፍሉይ ቦታ ኣለዋ’’ እትብል ደቢ፡ ኣደአን እተን መን ኮን ይዀና ኢላ እትሓስበን ዝነበራ ኣዋልድ ከምዝረኸበአን እንተትፈልጥ ክትሕበነለን ምንባራ ትዛብ።

እቲ ሰኣላይ ከ?
መዛግብቲ ጌቲ ኢሜጅስ ከምዝሕብርዎ፡ እቲ ሰኣላይ ን ቶፒካል ፕረስ ኤጀንሲ ዝሰርሕ ዝነበረ ስቲቨንሰን እዩ።
እቲ ትካል ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰኣልቲ ቈጺሩ ንትካላት ዜና ፎቶግራፋት ዘቕርብ ዝነበረ እዩ።
ኣብቲ ስርሓት 'ቲ ሰኣላይ ዝቕመጡሉ ማህደር፡ "ኣብ መደበር ባቡር ሊቨርፑል ዝጽበያ ሰለስተ ኣዋልድ፡" ዝብል ጽሑፍ ምስ ስቲፈንሰን ዝብል ሽም እቲ ሰኣላይ ብግልጺ ተቐሚጡ ኣሎ።
ብርግጽ ንምዝራብ'ኳ ዝኸብድ እንተዀነ ኣብታ ‘ዲር ኦልድ ግላስጎ ቱን’ እትብል ፍልጥቲ ደርፊ፡ ብደራስነት ብምስታፉ ዝና ረኺቡ ዝነበረ ስኮትላንዳዊ ጆን ኤፍ ስቲቨንሰን ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።
ኣብ መወዳእታ 1930ታት ቶፒካል ፕረስ ኤጀንሲ ዝመዝገቦ ኣድራሻ ከምኡ ድማ ኣብ መዛግብቲ ስኮትላንድ ዝተረኸቡ ኣድራሻታት ልደትን ሰርተፍኬት ሞትን ብምውካስ ኣዝማዱ ተረኺቦም።

ምንጪ ስእሊ, STEVENSON FAMILY
ወዲ ወዱ ጋዜጠኛ ጎርደን ስቲቨንሰን፡ ዛንታ ናይቲ ኣብ 1030ታት ናይ ሕትመት ፎቶግራፈር ዝነበረ ኣቦ ሓጐኡ ምስ ሰምዐ ኣዝዩ ተሓጕሱ።
"ምሉእ ህይወቱ ይስእል ምንባሩ ንፈልጥ ኢና፤ ብዙሓት ካብ ስእልታቱ እውን ኣለዉና" ዝብል ጎርደን፡ ስእሊ ዓብይ ክፋል ህይወቱ ምንባሩ ይዛረብ።
ጌቲ ኢሜጅስ፡ ድሕሪ ደቢን ሄለንን ዝገበራኦ ምብጻሕ፡ ኣብቶም ኣሳእል ዝነበሩ ጽሑፋዊ መግለጺታት ብኣስማት ናይተን ኣዋልድ ከም ዝቕየር ገይሩ።
"ስም ኣደይን ዝመጸትሉን ምስ ናይ ሩትን ኢንጌን ዝገልጽ ዝርዝር ምቕማጡ ኣመና ስምዒተይ ተንኪፉኒ፤ ደጊም ስም ዘይብለን ኣዋልድ ኣይኰነን፡" ትብል ደቢ።
ሄለን ብግደኣ፡ "ሽመን ክጸሓፍ ዝግብኦ እዩ፤ ኣደና ብህይወት እንተትህሉ በዚ ደስ ዝብላ ይመስለና፡" ኢላ።
ኣብ ደቡባዊ ለንደን እትነበር ዘላ ጓል 89 ዓመት ኢንጌ፡ ሽም ናይታ ባምቡላኣ እናሃበት ተጻውታ ዝነበረት ለዋህ ህጻን ክትፈልጥ ልዕሊ 80 ዓመት ወሲዱላ፤ ብዛዕባ እታ ስእሊ ድማ ኣብዚ እዋን ብዙሕ ፈሊጣ ኣላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







