እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ድሕሪ 43 ዓመታት ስልጣን ምጽጋብ ዝሰኣነ መላኺ፡ ሕጂ'ውን ‘ተዓዊቱ’
ኣብ ዓለም፡ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ስልጣን ዝበሓተ ፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጊኒ፡ ሕጂ’ውን ኣብ መረጻ ተዓዊቱ፡ ምልካዊ ስርዓቱ ምምራሕ ክቕጽል ምዃኑ ብወግዒ ተገሊጹ።
እቲ 80 ዓመት ዝዕድመኡ ቴዎዶሮ ኦብያንግ ንጉማ ምባሶጎ፡ ዳርጋ 95% ድምጺ ከምዝረኸበ፡ ሰበስልጣን እታ ሃገር ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልታት ድሕሪ መስርሕ ምሃብ ድምጺ ኣፍሊጦም።
ምክትል ፕረዚደንት ‘ታ ሃገር ዝዀነ ወዱ ነቲ ፕረዚደንት፡ ቴዎዶሮ ንጉማ ኦብያንግ ማንጉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ውጽኢት ኣካይዳና ቅኑዕ ከምዘሎ መመሊሱ ዘረጋግጽ እዩ” ኢሉ። "ዓቢ ውድብ ኴንና ክንቅጽል ድማ ኢና፡" ይውስኽ።
ኣብቲ መረጻ፡ ገለ ሕጹያት ተወዳደርቲ ተቓወምቲ ውድባት ተሳቲፎም’ኳ እንተነበሩ፡ ዋላ ሓደ ካብኣቶም ግን ክዕወት ትጽቢት ዝገበረ ኣይነበረን።
ፕረዚደንት ኦብያንግ፡ ኣብታ ብነዳዲ ሃብታም ዝዀነት ሃገር ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ኣባላት ስድራኡ ንቐንዲ መንግስታዊ ጽፍሕታት ከምዝሕዝዎ ብምግባር፡ ስልጣኑ ን 43 ዓመታት ኣጽኒዑ ዝሓዘ መላኺ እዩ።
ንሱ፡ ኣብ 1979 ድሕሪ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ዝሓዘ ኰይኑ፡ ኣንጻሩ ንዝተኻየዱ ሓያለ ፈተነታት ዕልዋ መንግስቲ ኣፍሺሉ እዩ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረን ሓውኣቦኡ ፍራንሲስኮ ማስያስ ንጉማ ስልጣን ድሕሪ ምምንዝዑ፡ ገለ ጽገናታት’ኳ እንተገበረ፡ ነቲ ዝነበረ ሃገር ናይ ምቝጽጻር ኣገባብ ግን ዓቂቡ ቀጺልዎ፣ ነታ ሃገር ፍጹም ኣብ ትሕቲ ምቍጽጻሩ ኣእትይዋ እዩ።
ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዘሎ ስእነት ነጻ ፕረስ፡ ከምኡ’ውን ኵሉ ኣገባባት መራኸቢ ብዙሃን ብቐጥታ ብመንግስቲ ወይ ብመሻርኽቱ ዝዀና ትካላት ስለዝውነን፡ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ኣይጽወርን እዩ።
ኣቐዲሙ፡ ክቐርበሉ ንዝጸንሐ ክሲታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ምትላል መረጻን ዝነጸገ ፕረዚደንት ኦብያንግ፡ እዚ ንሻድሻይ ግዜኡ ዘካየዶ መረጻ ነቲ ኣብ ዓለም ዘለዎ ገጽ ንምጽራይ ክጥቀመሉ ከም ዝዓለመ ይንገር።
መንግስቲ ኦብያንግ፡ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም መቕጻዕቲ/ፍርዲ ሞት ብምስራዙ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ናእዳ ረኺቡ እዩ።
ኢኳቶርያል ጊኒ መረጻ ብምትላል ፍሉጥ ታሪኽ ዘለዋ ሃገር እያ።
እታ ሃገር፡ ኣብ 1968 ካብ ስጳኛ ናጽነታ ድሕሪ ምርካባ፡ ‘ሪፓብሊክ ኢኳቶርያል ጊኒ’ ተባሂላ፡ ፍራንሲስኮ ማስያስ ንጉማ ኸኣ ፕረዚደንታ ኰይኑ።
እታ ድሕሪ ናጽነታ ክልተ መራሕቲ ጥራይ ዝረኣየት ሃገር፡ ክልቲኦም መራሕታ - ፍራንሲስኮ ማስያስ ንጉማን ቴዎዶሮ ኦብያንግ ንጉማን - ካብቶም ዝኸፍኡ ገሃስቲ መሰላት ኣፍሪቃ ተባሂሎም ብተጣበቕቲ ይኽሰሱ።