ኣዕዋፍ ኵሌያ፡ "ይሰምዖም ኣለኹ፤ ከጥፍኡና ይመጽኡ ኣለዉ"

ኣብ ምዕራብ ኬንያ ዝርከብ ግራት ሩዝ ወይዘሮ ሮዝ ነከሳ፡ ብዓቢይ ዕስለታት ናይተን ቀይሕ መትኰብ ዘለወን ኣዕዋፍ ኲሌያ ተወሪሩ ኣሎ።

ኣብ ጥቓ እታ ኣብ ገምገም ቀላይ እትርከብ ከተማ ኪሱሙ፡ ከማኣ ዝኣመሰሉ ኣሽሓት ሓረስቶት ካብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመት እቲ ዝኸፍአ ዓጺድ ከይኮኖም ሰጊኦም ኣለው።

ሮዝ፡ "ምሉእ መዓልቲ ነተን ኣዕዋፍ ንምስጓግ እናጨደርኩ ስለ ዘሕልፎ ጉረሮይ ይዕጾ ኣሎ። እዘን ኣዕዋፍ ዋላ ሓንቲ ኣይፈርሓን እየን። ድሮ ንዓናን ንኹሉ እቲ እንድርብየሎምን ለሚደንኦ ኣለዋ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ነተን ኣዕዋፍ ካብ ግራታ ንምብራርን ንምፍርራሕን ጭቃ ትድርብየለን።

"ኣዕዋፍ ኣብ ዘየለዋሉ እዋን፡ በይነይ ክሰርሕ እኽእል እየ፤ ሕጂ ግን ብውሑድ ኣርባዕተ ሰባት የድልዩኒ። እዚ ንዓይ ኣዝዩ ክቡር እዩ። መንግስቲ ጣልቃ ክኣቱ ንልምኖ ኣለና። እዚ ሩዝ እቲ እንኮ ምንጪ እቶትና እዩ።"

ላውረንስ ኦዳንጋ ዝተባህለ ካልእ ንእሽቶ ሓረስታይ እውን ኣብ ምሕረት ናይተን ብደረጃ ዓለም ኣዝየን ዝበዝሓ ኣዕዋፍ-በረኻ ወዲቑ ይርከብ።

"ይሰምዖም ኣለኹ። ከጥፍኡና ይመጹ ኣለዉ" ክብል ስግኣቱ ይገልጽ።

ነቶም ንነፍሲ ወከፍ ሄክታር ዘራእቱ ንምሕላው ዝቖጸሮም ሓሙሽተ ሰባት እውን እንተዀነ፡ ነተን ኣዕዋፍ ምብራር ኣዝዩ ከቢድ ዕማም ኰይኑዎም ኣሎ።

እንተፈራርሑወን፣ ድምጺ ዘውጽኡ ነገራት እንተተጠቐሙ፣ መጻወዲያ ኣዕዋፍን ካልእን እንተተጠቐሙ፡ ኩሉ ውጽኢታዊ ኣይኰነን።

"እተን ኣዕዋፍ ዳርጋ ኣርባዕተ ሄክታር ሕርሻይ ኣዕንየንኦ እየን። ዋላ ሓንቲ ኣይረክብን እየ። ደቀይ ከመይ ገይረ ናብ ቤት ትምህርቲ ክሰዶም?"

ሓሓሊፉ "በዓል ክንቲት ኣንበጣ” ተባሂሎም ዝጽውዑ ኣዕዋፍ ኲሊያ ኣብ መላእ ምብራቕን ደቡባውን ኣፍሪቃ ከም ባልዕ ይቑጸሩ።

ዑፍ ኲልያ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ መዓልቲ ኣስታት 10 ግራም እኽሊ ክትበልዕ ትኽእል እያ።

እዚ ውሑድ እኳ እንተኾነ፡ እቲ መጓሰ ክልተ ሚልዮን ዝቑጸራ ኣዕዋፍ ክህልዎ ስለ ዝኽእል ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ክሳብ 20 ቶን እኽሊ ክበልዑ ይኽእሉ።

ምንጻግ ኬሚካል

ኣብ 2021 ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት (ፋኦ) ዓመታዊ 50 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ዘራእቲ በተን ኣዕዋፍ ከም ዝጠፍእን መብዛሕትኡ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ከም ዘጋጥምን ይገልጽ።

እዚ፡ ኣብ ኪሱሙ ተራእዩ ዘሎ ወራር ኣዕዋፍ፡ ኣስታት 10 ሚልዮን ኣዕዋፍ ኲሌያ ዝበጽሕ ኰይኑ፡ ድሮ ኣብ 300 ሄክታር ግራት ዝነበረ ሩዝ ኣጥፊኦም ኣለው።

ምምሕዳር እቲ ዞባ፡ ካልእ 2,000 ሄክታር መሬት ኣብ ሓደጋ ይርከብ ይብል።

ኣብ ካልእ ከባቢታት ኬንያ ድማ፡ ዝኸፍአ ጉድኣት በጺሑ እዩ።

ሚልዮናት ካብተን ኣዕዋፍ ኣብ ደቡባዊ ዞባ ናሮክ ንዝርከብ ሕርሻታት ስርናይ ብምውራር ኣስታት 40 ሚኢታዊት ዘራእቲ ኣዕንየን።

እቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተራእየ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ድርቂ፡ ቀንዲ ምንጪ መግቢ ኣዕዋፍ ኲሌያ ንዝዀነ ሳዕሪ በረኻ ክውሕድ ብምግባሩ፡ እተን ኣዕዋፍ ኣማራጺ ኣብ ዝደልያሉ ዘለዋ እዋን ዘጋጥም ዘሎ ወራር ክኸውን ከም ዝኽእል ገለ ኬንያውያን ተመራመርቲ ገሊጾም።

ፖል ጋቸሩ ካብ ትካል ከባቢ ተፈጥሮ ኬንያ’ዩ ዝሰርሕ፤ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ዝመጽአ ድርቂ ቀንዲ መንቀሊ ወራር እዘን ኣዕዋፍ ከም ዘይኰነ ከኣ ይምጉት።

"ጽዑቕ ሕርሻን ሰፈራን ማለት፡ ተፈጥሮኣዊ ኣትክልቲ ዝዓብዩሉ ቦታ ንኸስር ኣለና ማለት እዩ። እቶም ዓይነታት ኲሌያ ምስቲ ሕጂ ዘሎ ኣጠቓቕማ መሬት ይላመዱ ኣለዉ" ብምባል ኣብ ለውጢ ኣጠቓቕማ መሬት ትኹረት ይገብር።

ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ምውሳኽ ምህርቲ ኣእካል ንብዝሒ ኲሌያ እውን ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ እተን ኣዕዋፍ ኣዝየን ብቕልጡፍ ዝራብሓ ኰይነን፡ ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዜ ክሳብ ትሽዓተ ጨቓዊት ይፈርያ።

ጭቃ፡ በትሪን ድምጺ ዘውጽኡ ነገራትን ነተን ሕጂ ዘራእቲ ሩዝ ወሪረን ዘለዋ ኣዕዋፍ ከባርረን ስለ ዘይኽኣለ፡ ሰብ መዚ ኬሚካል ክነጽጉ ጀሚሮም ኣለው።

ኣብ 2019 መንግስቲ ኬንያ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝዓበየ ፕሮጀክት ምፍራይ ሩዝ ዝዀነ መስኖ ምዌኣ ዝወረሩ ሸሞንተ ሚልዮን ኲሌያ ከም ዝቐተለ ይግመት።

ካልኦት ክልተ ሚልዮን ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣብ ምዌኣ ተቐቲሎም።

ኣብዚ ዓመት ሰብ መዚ ኪሱሙ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሚልዮን ኣዕዋፍ ንምቕታል ዝዓለመ ስርሒት ምቁጽጻር ኣየር ጀሚሮም።

ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ነቲ እተን ኣዕዋፍ ዝዓርፋሉን ዝራብሓሉን ቦታ፡ ብጸረ-ባልዕ ፈንቲዮን ዒላማ ንምግባር ተዋፊረን ኣለዋ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሕርሻ ዞባ ኪሱሙ ኬን ኦንያንጎ፡ ምንጻግ ኬሚካል ነቲ ኣብ ሓደጋ ዝርከብ ግራት ሩዝ ንምድሓን እንኮ መገዲ ምዃኑ ገሊጹ።

'ንኹሉ ክትቀትል ኣይትኽእልን'

ፈንቲዮን ዝተባህለ ጸረ ባልዕ፡ ንኻልኦት ቀንዲ ዕላማ ዘይኰኑ ዓይነታት'ውን እንስሳታት ኣዝዩ መርዛም እዩ።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ተመራመርቲ ከባቢን ተሓለቕቲ ጉጅለ እንስሳን፡ እቲ ምንጻግ ኬሚካል ኣብ ስነ-ህይወት፡ ካልኦት ዓይነታት ኣትክልትን እንስሳታትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ጥዕና ደቂ ሰባት ከቢድ ሳዕቤን ከም ዘስዕብ የጠንቅቑ ኣለዉ።

"እቲ ሕቶ፡ ብኸመይ ኢኻ ምስተን ኣዕዋፍ ክትነብር እትኽእል? ዝብል’ዩ፤ ምኽንያቱ ንኹሉ ክትቀትሎ ስለ ዘይትኽእል። ካብኡ ንላዕሊ ግን፡ ነተን ኣዕዋፍ በቲ ኬሚካል ክትቆጻጸር ምፍታን ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ ንብል ኣለና” ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማሴኖ ፕሮፌሰር ሳይንስ ከባብን ምድርን ራፋኤል ካፒዮ።

ስለ ዝዀነ ድማ፡ ዝያዳ ባህላዊ ዝዀኑ፡ ንከባቢ ዝምችእ ሜላታት - ከም ምፍርራሕ ወይ ብመጻወድያ ክትሓዛ ምግባር - ምጥቃም ይምዕድ።

ዳይሬክተር ኣገልግሎት ድሕነት ዘራእቲ ኮሊንስ ማራንጉ ምቕታል እተን ኣዕዋፍ እኳ እንተዘይደገፎ ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

"እቲ ንገብሮ ዘለና ቅኑዕ ሕርሻ እዩ፤ ነቲ እተን ኣዕዋፍ ዝዓርፋሉ ዘለዋ ቦታታት ብለይቲ ኢና ንነጽጎ። ብድሕሪኡ ድማ ኣኪብና ነቃጽለን።"

ይኹን’ምበር፡ ድሮ ዘራእቲ እቶም ሓረስቶት ተበሊዑ’ዩ። እተን ኣብ ጥቓ ኪሱሙ ዘለዋ ኲሌያታት እውን ጸገም ከስዕባ ቀጺለናሉ ኣለዋ።

ሓረስተይቲ ሮዛ ነከሳ’ውን ንዝኸፍአ ኩነታት ትዳሎ ኣላ።

ቅድሚ ሕጂ ብውሑድ 50 ዕሹግ ሩዝ ትረክብ ነይራ፤ ሕጂ ግን 30 ጥራይ ክትእክብ ትጽቢት ትገብር።

ተስፋ ዝቘረጸት ሮዝ፡ "መንግስቲ ነዘን ኣዕዋፍ ክወስደን ጥራይ ኢና ንደሊ" ትብል።