ኣብ ኬንያ ብህይወት ዘየለው ርብዒ ሚሊዮን መረጽቲ ተመዝጊቦም ተረኺቦም

መራሒ ሰልፊ ተቓዋሚ ራይላ ኦዲንጋ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝካየድ መረጻ ክወዳደር እዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኬንያ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ኣብ እተካይዶ መረጻ ብህይወት ዘየለው ልዕሊ 250 ሽሕ መረጽቲ ተመዝጊቦም ከም ዝተረኸቡ ኤጀንሲ መረጻ ኬንያ ገሊጹ።

ኮሚሽን መረጻን ባውንደሪስን ዝተባህለ ዘይሻራዊ ትካል መረጻን ፈጻሚ ህዝበ ውሳነን ኬንያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ምዝገባ መረጽቲ ብዘካየዶ መርመራ ብህይወት ዘየለው ሰባት ተመዝጊቦም ከም ዝረኸበ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ድምጺ ንምሃብ ካብ ሞንጎ ዝተመዝገቡ እቶም ፍርቂ ሚሊዮን ዝዀኑ ልዕሊ ሓደ ግዜ ዝተመዝገቡ ምዃኖም ሓቢሩ።

እቲ ትካል፡ 226 ሽሕ ሰባት ድማ ኣብ ናይ ባዕሎም ኣብ ዘይኰኑ ሰነዳት ድምጺ ንምሃብ ከም ዝተመዝገቡ ኣረጋጊጸ ይብል።

ብጠቕላላ፡ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን መረጽቲ ብዘይሕጋዊ መስርሕ ድምጺ ንምሃብ ተመዝጊቦም ተረኺቦም።

እቲ ትካል፡ ዝርዝር መረጽቲ ትማሊ ወግዓዊ ክገብር ይግብኦ ነይሩ።

እንተዀነ ካብ ሕጋዊ መስርሕ ወጻእ ተመዝጊቦም ዝተረኽቡ ሰባት ብምህላዎም ናይ መወዳእታ ሕጋዊ መረጽቲ ኣረጋጊጹ ወግዒ ዝገብረሉ መዓልቲ ክናዋሕ ከም ዝገብሮ ኣቦ መንበር እቲ ትካል ዋፉላ ቼቡካቲ ሓቢሩ።

ኣብዛ ሃገር ቅድም ኢሎም ኣብ ዝተኻየዱ መረጻታት ዘጋጥሙ ምትላላት፡ ድሕሪ መረጻ ንዝፍጠሩ ናዕብታት ምኽንያት ክዀኑ ጸኒሖም’ዮም።

ኣብቲ ኣብዚ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ዝካየድ መረጻ፡ ኣብ መንጎ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ራይላ ኦዲንጋን ምኽትል ፕሬዝደንት ዊልያም ሩቶን ሓያል ንሕንሕን ክህሉ ትጽቢት ይግበር።