ኲናት ዩክረይን፡ ኪቭ 'ሰራዊተይ ኣብ ምብራቓዊ ግንባር ይግስግስ ኣሎ' ትብል

ሓይልታት ዩክረይን ኣብ ከባቢ ባክሙት ገስጊሶም ከምዘለዉ ብምግላጽ፡ ምክትል ሚኒስተር ምክልኻል ሃና ማልያር ነታ ምብራቓዊት ከተማ "ማእከል ተጻብኦታት" ክትብል ገሊጻታ።

ንነዊሕ እዋን ክገበር እዩ ከበሃል ዝጸንሐ ጸረ-መጥቃዕቲ ተጀሚሩ ድዩ ኣይጀመረን ኣይገለጸትን።

ብኻልእ ወገን፡ ሰራዊት ሩስያ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ዶነስክ ንዝተፈጸመ ሓድሽ መጥቃዕቲ ከምዘፈሸለ ገሊጹ።

ባክሙት ንኣዋርሕ ማ'እከል ሓያል ውግእ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ። ውሑድ ስትራተጂያዊ ዋጋ ኣለዎ፡ ግን ንኪቭን ሞስኮን ዓቢይ ኣገዳስነት ዘለዎ እዩ።

ትማሊ ሰኑይ ዩክረይንን ሩስያን ዘቕረብዎ ክሲ ብናጻ ወገን ኣይተረጋገጸን።

ንሰሉስ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ኣብ መላእ ዩክረይን ንሓያሎ ሰዓታት ሳይረን ደብዳብ ኣየር ተሰሚዑ። ኣብ ርእሰ ከተማ ኪቭ፡ ልዕሊ 20 ሚሳይላት ከምዝተተኮሱ ሰበስልጣን እታ ከተማ ገሊጾም።

ሚስ ማልያር ትማሊ ሰኑይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሓቶ ጽሑፍ፡ "ዋላ'ኳ ጸላኢ ተሪር ተቓውሞ እንተፈነወን ደጀን ክሕዙ እንተፈተኑን፡ ወተሃደራዊ ኣሃዱታትና ብብዙሕ ኣንፈታት ገስጊሶም" ኢላ።

ኣብ ገለ ከባቢታት፡ ሰራዊት ዩክረይን ካብ 200 ሜትሮ ናብ 1600 ሜትሮ ክደፍእ እንከሎ፡ ኣብ ካልእ ኣንፈት ድማ ካብ 100 ሜትሮ ክሳብ 700 ሜትሮ ከምዝገስገሱ ገሊጻ።

ኣርባዕቲአን ዓድታት ካብ ባክሙት ኣብ ውሽጢ ሓደ ኪሎሜተር ይርከባ። ኣብ ዞባ ዶነስክ እታ ከተማ ንምቍጽጻር ዝተኻየደ ውግእ፡ እቲ ዝነውሐን ደማውን ኲናት ኰይኑ ጸኒሑ።

ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ትማሊ ሰኑይ ኣጋምሸት ኣብ ዝሃቦ ናይ ቪድዮ መደረ፡ ንተቓለስቲ ዩክረይን "እቲ ንጽበዮ ዜና ኣስሚዕኩምና" ክብል ኣብ ኣንፈት ባክሙት ስለዝበጽሑ ኣመስጊኑ።

"ዩክረይን ከም እትዕወት ጸላኢ ይፈልጥ'ዩ" ኢሉ።

ሩስያዊ ንኡስ ወተሃደራዊ ጕጅለ ቫግነር፡ ኣብ መወዳእታ ግንቦት ነታ ከተማ ከም ዝሓዛ ገሊጹ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ሓይልታት ኪቭ ንባክሙት ከቢቦም ኣሃዱታት ሩስያ ኣብ መጻወድያ ከእትዉ ይፍትኑ ከምዘለዉ ገለ ተንተንቲ ይሕብሩ።

ዓቢ ጸረ መጥቃዕቲ ዩክረይን ካብ ነዊሕ እዋን ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኪቭ ግን ዛጊት ብዛዕባ ምጅማራ ኣቐዲማ መጠንቀቕታ ከምዘይትህብ ገሊጻ ኣላ።

ወተሃደራዊ ንጥፈታት ርኡይ ወሰኽ ከምዘርኣየ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ዩክረይን ኣብ ካልእ ቦታታት ግንባር ወሰናስን ከምዝተቘጻጸረት ገሊጻ።

እዚ ዳሕረዋይ ጸብጻባት፡ እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ድፍኢት ዩክረይን ተጀሚሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ሓድሽ ምልክት ኰይኑ ይረአ ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓይልታት ዩክረይን ኣብ ዶነስክ ዝፈጸሞ ሓድሽ መጥቃዕቲ ከምዝፈሸለ ገሊጹ።

ብመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝጠቐሶ መግለጺ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ወገን ከቢድ ጉድኣት ከም ዝወረዶ፡ ሸሞንተ ኣብ ጀርመን ዝተሰርሓ ዝርከብአን 28 ታንክታት ከም ዝዓነዋን ገሊጹ። እዚ ብቢቢሲ ኣይተረጋገጸን።

ላዕለዋይ ሓላፊ ቫግነር የቭገኒ ፕሪጎዚን፡ ንሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ብግልጺ ኣላጊጹሉ፡ ነቲ መግለጺኡ "ዱር ፍንጣጣ" ክብል ገሊጽዎ።

እዚ ድማ ሞስኮ ኣብ ዞባ ዶነስክ "ሰፊሕ መጥቃዕቲ" ዩክረይን ትማሊ ሰንበት ከምዝተጀመረ ድሕሪ ምግላጻ ሓደ መዓልቲ ጸኒሑ እዩ። ሰራዊት ዩክረይን ብዛዕባ ከምዚ ዝበለ ዓቢ መጥቃዕቲ ኣብቲ ዞባ ዝዀነ ሓበሬታ ከምዘይብሎም ገሊጹ።

ሩስያ ኣብ ዶነስክ ዝተኻየደ ውግእ እዩ ዝበለቶ ቪድዮ፡ ወተሃደራዊ መካይን ኣብ ሜዳታት ኣብ ትሕቲ ከቢድ ተዅሲ ከምዘረኣያ ይሕብር። ሩስያ 300 ሰራዊት ከምዝቐተለት 16 ታንክታት ከምዘዕነወት ትገልጽ።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ዩክረይን ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ከምዚ ዝበለ ሓበሬታ የብልናን፡ ኣብ ዝዀነ ዓይነት ናይ ሓሶት'ውን ርእይቶ ኣይንህብን" ኢሉ።

ጸረ መጥቃዕቶም መዓስን ብኸመይን ቅርጺ ክሕዝ ከምዝኽእል ዝገልጽ መልእኽቲ ዩክረይን ዳርጋ የለን።

ዩክረይን ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ክትወስድ ካብ እትሓስብ ኣዋርሕ ኣቝጺራ ኣላ። ግን ብዝተኻእለ መጠን ሰራዊት ንምስልጣንን ካብ ምዕራባውያን መሓዙት ወተሃደራዊ ናውቲ ንምርካብን ግዜ ደልያ እያ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዲሚትሮ ኩሌባ፡ ሕጂ ሃገሩ ንጸረ-መጥቃዕቲ እዅል ኣጽዋር ከምዘለዋ'ኳ እንተገለጸ፡ ተጀሚሩ ድዩ ኣይጀመረን ግን ርእይቶ ከምዘይህብ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ሰበስልጣን ኪቭ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ግምታት ከይወሃብ ኣጠንቂቖም እዮም፤ ከምኡ ምግባር፡ ንጸላኢ ክሕግዝ ከምዝኽእል ብምግላጽ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ "ስቕታ ይፈትዉ። ብዛዕባ ምጅማር ዝዀነ ምልክታ ኣይክህሉን'ዩ" ኢሉ።

እታ ቪድዮ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝለበሱን ጽቡቕ ዕጥቂ ዝዓጠቝን ወተሃደራት ኣጻብዕቶም ኣብ ከንፈሮም ሒዞም እተርኢ እያ ነይራ።

ዩክረይን ቅድሚ ትሽዓተ ዓመት ሩስያ ዝወሰደቶ መሬት ሓራ ንምውጻእ ዝነበራ ዕላማ ንምዕዋት ግዜ ክወስድ እዩ።

ሞስኮ ድማ ክትዳሎ ግዜ ረኺባ ኣላ። ዩክረይን ጸረ-መጥቃዕቲ ክትገብር እንተኽኢላ ቅሩብ ግዜ ክትወስድ እያ ማለት እዩ።