ሩስያ ንሰፊሕ መጥቃዕቲ ዩክረይን ከም ዘፍሸለት ገሊጻ

ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ሰራዊቱ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ዩክረይን ከምዘፍሸለን 250 ወተሃደራት ከምዝቐተለን ገሊጹ።

ካብ መንግስቲ ዩክረይን ዛጊድ ዝተውሃበ ርእይቶ የለን፡ እቲ ሩስያ ዝበለቶ ድማ ብነጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን።

እቲ ሚኒስትሪ፡ ዩክረይን ትማሊ ሰንበት ኣብ ዞባ ዶነትስክ 6 መካናይዝድን 2 ታንክታትን ቦጦሎኒታትን ተጠቒማ መጥቃዕቲ ከምዝጀመረት ሓቢሩ።

ዩክሬን ጸረ-መጥቃዕቲ ክትከፍት ተሓኒያ’ኳ እንተነበረት፡ መዓስ ከምዝፍጸም ግና ከም ዘይትገልጽ ሓቢራ እያ።

እቲ ተፈጺሙ ዝተብሃለ መጥቃዕቲ፡ መሬት ዩክረይን ካብ ሓይልታት ሩስያ ዳግማይ ንምምንጣል ዝግበር ወፍሪ ከምዝተጀመረ ዘመልክት ድዩ ኣይኮነን ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኮነን።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ብቴሌግራም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ንጉሆ 4 ሰነ፡ ጸላኢ ብሓሙሽተ ገጻት ናይቲ ግንባር፡ ብሸነኽ ደቡብ ዶኔትስክ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከፊቱ" ኢሉ።

እቲ ሚኒስትሪ፡ ዩክሬናውያን ኣዝዩ ተቓላዒ ክፋል ቅድመ ግንባር ኮይኑ ንዝተራኣዮም መስመር ምክልኻል ሩስያ ክሰብሩ ከምዝፈተኑን ከም ዘይተዓወተን ገሊጹ።

ተዘርጊሑ ዘሎ ቪድዮ፡ ወተሃደራዊ መካይን ካብ ኣየር መጥቃዕቲ ከምዝበጽሐን ዘርኢ ኮይኑ፡ ሞስኮ፡ ዩክረይን 250 ወተሃደራት ከምኡ’ውን 16 ታንክታት ከም ዝኸሰረት ገሊጻ።

ዩክረይን ወፍሪ ጸረ መጥቃዕቲ ንምክያድ ንኣዋርሕ መደብ ኣውጺኣ ነይራ እያ። እንተዀነ፡ ተወሳኺ ሰራዊት ንምስልጣንን ካብ ምዕራባውያን መሓዙት ወተሃደራዊ ናውቲ ንምቕባልን ግዜ የድልያ ነይሩ።

ሰበስልጣን ኪቭ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ህዝባዊ ግምታት ምሃብ "ንጸላኢ ክሕግዝ" ከምዝኽእል ብምግላፅ ኣጠንቂቖም፡ ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ብሰንበት ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝለጠፎ ቪድዮ፡ "ውጥናት ስቕታ የድልዮም። ብዛዕባ ምጅማር መጥቃዕቲ ዝኾነ ህዝባዊ መግለጺ ኣይክህሉን'ዩ" ኢሉ።

እቲ ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝለበሱን ክሳብ ኣፍንጨኦም ዝዓጠቑን ወተሃደራት ኣጻብዕቶም ኣብ ከንፈሮም ጌሮም ዘርኢ እዩ።

ኣብ ኪቭ ዝርከብ መንግስቲ ንህዝቢ ዩክረይን - ከምኡ'ውን ንምዕራባውያን መሻርኽቲ - መስመራት ሩስያ ሰቢሩ፡ ነቲ ወተሃደራዊ ዕጽዋ ከብቅዕን ገለ ካብ ልኡላዊ ግዝኣታ ዳግማይ ከምልስን ከምዝኽእል ከርኢ የድልዮ።

ኣብ ካልእ ቦታታት፡ ኣብ ሞስኮ ንመንግስቲ ዝቃወሙ ተዋጋእቲ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ዩክረይን ኣብ እትርከብ ቤልጎሮድ፡ ገለ ወተሃደራት ሩስያ ከምዝማረኹ ይዛረቡ።

እዚ ክሲ፡ ብኣሃዱ ሓርነት ሩስያ (FRL) ዝቐረበ ኮይኑ፡ እቲ ምልክታ ምስ ጉጅለ ወለንተኛታት ሩስያ (RDK) ዝተዋህበ ሓባራዊ መግለጺ ምዃኑ ሓቢሩ።

ክልቲኦም ጉጅለታት ንፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ክዓልውዎ ይደልዩ። ነቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝጀመሮ ምሉእ ወራር ዩክረይን ከኣ ይቃወሙ።

ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ቤልጎሮድ ቭያቸስላቭ ግላድኮቭ፡ እቶም ወተሃደራት ብህይወት እንተሃልዮም ምስቶም ዝማረኹዎም ሰባት ክራኸብ ከምዝተሰማምዐ ተዛሪቡ ነይሩ። እቶም ተጋደልቲ ድሒሮም ከምዝበልዎ ግን፡ እቲ ኣመሓዳሪ ክረኽቦም "ትብዓት ኣይረኸበን" ብምባል፤ ነቶም ምሩኻት ናብ ዩክረይን ከምዘረክቡ ገሊጾም።

ሩስያ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዶባዊ ግዝኣታ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንዩክረይን ክትወቅስ ከላ፡ ኪቭ ግን ብቐጥታ ኢድ ከምዘይብላ ትኽሕድ።

ሚስተር ግላድኮቭ ድሒሩ፡ ኣብ ቤልጎሮድ ዝርከብ መመንጨዊ ጸዓት ድሕሪ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከምዝተባረዐ ገሊጹ።

እቲ መጥቃዕቲ ብናጻ እኳ እንተዘይተረጋገጸ፡ ሞስኮ ግን እቲ ዞባ ስሩዕ ዒላማ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዩክረይን ኮይኑ ከምዝጸንሐ ትገልጽ።