ሰራዊት ፌደራል ናብተን መጥቃዕቲ ዝተፈጸመለን ዞባታት ወለጋ ተዋፊሩ

ሰራዊት ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ናብተን መንነት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመለን ዞባታት ወለጋ ከምዝተዋፈረ ተገሊጹ።

ኣብ ዞባታት ምብራቕ ወለጋን ሆሮ ጉዱሩ ወለጋን ብዝተፈጸመ ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱን ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ከምዝተመዛበሉን ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ነበርቲ፡ ኣብ ከባቢኦም ብዝተፈጸመ ግጭት ንጉጅለታት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ዕጡቓት ኣምሓራን ይወቅሱ።

ኣብዚ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተፈጸመ ግጭት፡ ቀንዲ ተሳተፍቲ መንግስቲ 'ሸኔ' ዝብሎ ጉጅለን ዕጡቓት ኣምሓራን ምዃኖም ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ኣባላት ሓይልታት ፌደራል ናብ ከተማ ኣንገር ጉተን ካብ ዝኣትዉ ንደሓር ኣብቲ ከባቢ ምምሕያሽ ጸጥታ ተራእዩ'ዩ" ክብል ሓደ በዓል ስልጣን ወረዳ ጊዳ ኣያና ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ሰራዊት ፌደራል፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ድማ ኣብ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ተዋፊሩ ይርከብ።

ብዛዕባ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝፍጸም ዘሎ ቅትለት፡ ምምዝባልን ዕንወት ንብረትን ስቕ ክብል መሪጹ ዝጸንሐ መንግስቲ ፌደራል፡ ብዙሓት ሰባት ድሕነት ዜጋታት ክረጋገጽ ብሰፊሑ ኣብ ዝጠልቡሉ ዘለዉ እዋን እዩ ሰራዊቱ ናብተን ዞባታት ኣዋፊሩ ዘሎ።

ፖለቲከኛታት፣ ፖለቲካዊ ውድባትን ማሕበራትን፡ መንግስቲ ድሕንነት ዜጋታት ክሕሉ ክሓቱ ጸኒሖም እዮም።

ትማሊ 27 ሕዳር 2015 ቤት ምኽሪ ሲቪላዊ ማሕበራት ኢትዮጵያ ኣብ ዞባታት ወላጋ ብዘጋጥም ዘሎ ሞት፡ ምምዝባልን ስቓይን ዜጋታት ኣዝዩ ከምዘሻቐሎ ብምግላጽ መንግስቲ፡ ድሕንነት ዜጋታት ንምርግጋፅ ዘለዎ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ፀዊዑ።

ፖለቲከኛ ጃዋር መሓመድ እውን ነቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዘሎ ቅልውላው መፍትሒ እዮም ዝበሎም ለበዋታት ዘበርከተ ክኸውን እንከሎ፡ መንግስቲ ተኹሲ ደው ኣቢሉ ምስ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ክዛተ ኣለዎ ኢሉ።

ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን)፡ ኢትዮጵያዊያን ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ)፡ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ)ን ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባትን ብዛዕባ እቲ ኣብ ወለጋ ዝፍጸም ዘሎ ቅትለት ዜጋታት ዘለዎም ስክፍታ ብምግላጽ መንግስቲ ሓላፍነት ክወስድ ሓቲቶም።

ሰራዊት መንግስቲ ፌደራል ኣብቶም ከባቢታት ከምዝተዋፈረ ይንገር እኳ እንተሎ፡ እቲ ካብቲ ግጭት ክሃድም ካብ መረበቱ ዝተመዛበለ ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣብ ዞባታት ወለጋ ብዘጋጠመ ጎንፂ ኣብ ልዕሊ ሰባትን ንብረትን ዘስዓቦ ጉድኣት ዛጊት እኳ እንተዘይተፈለጠ፡ ነበርቲ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ግን ኣብ ሓደ ለይቲ ካብ 60 ዘይውሕዱ ሰባት ከምዝሞቱ ገሊፆም’ዮም።

ሰባት ብሰንኪ መንነቶም ዒላማ መጥቃዕቲ ከምዝኾኑ ዝገለጸ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዘስዓቦ ጉድኣት ይምርምር ከምዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ'ሎ።