እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ነበርቲ ሓቢሮም
ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ከተማ መንዲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እቲ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ ብረቡዕ 30 ጥቅምቲ 2015 (ብኣቆጻጽራ ግእዝ) ካብ ሰዓት 7 ክሳብ ሰዓት 8 ድሕሪ ቀትሪ እዩ ተፈጺሙ።
እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ እቲ መጥቃዕቲ፡ ናይ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ መኪና ዒላማ ዝገበረ እኳ እንተኾነ፡ መብዛሕትኦም በቲ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሰባት ግን ሰላማውያን ምዃኖም ሓቢሮም።
ከተማ መንዲ፡ ንዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ከምዝነበረት ክንገር ጸኒሑ እዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ሓይልታት መንግስቲ ናብታ ከተማ ከምዝኣተዉ ዝሕብር ዜናታት ኣሎ።
ኮይኑ ግን፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ኣብታ ከተማ ከምዝነበሩ ይግለጽ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ በቲ መጥቃዕቲ ኣስታት 20 ሰላማውያን ሰባት ክሞቱ ከምዝኽእሉ ሓቢሮም። ሰልፊ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ግና ዝያዳ ሰባት ከምዝሞቱ ይገልጽ።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኦዳ ተርቢ፡ ኣብ መንዲ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ 30 ሰባት ከምዝሞቱን ሓያሎ ሰባት ከምዝቖሰሉን ዝገለጸ እኳ እንተኾነ፡ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ኣባላት እቲ ሰራዊት ዝበጽሐ መጉዳእቲ ግን ሓበሬታ ኣይሃበን።
በዚ መጥቃዕቲ ህይወቶም ካብ ዝሰኣኑ ሓደ ታሪኩ ዋና ዝተባህለ ወንጌላዊ ምንባሩ ሓደ ዓርኪ እቲ መዋቲ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ንሱ፡ “እቶም ዕጡቓት ሒዞማ ዝነበሩ መኪና ኣብ ጽርግያ ደው ኢላ ነይራ። እታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ነታ መኪና ምስ ወቕዓታ፡ ተፈንጂራ ኣብ ትሕቲ ሓደ ገዛ ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ሰላማውያን ሰባት ሞይቶም። ገሊኦም እግሮም ተቖሪጾም ኣለዉ" ይብል።
“ዝተቐተሉ ኣባላት እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ብዙሓት ኣይኮኑን። መብዛሕትኦም እቶም ግዳያት ሲቪላት እዮም።"
ካልእ ንቢቢሲ ርእይቶኡ ዝሃበ ነባሪ ብወገኑ፡ “ኣብታ መኪና ዝነበሩ ኣባላት እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ብዙሓት ኣይኮኑን። እንተበዝሐ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ። ... እታ መኪና ኣብኡ ተባሪዓ። እቲ ዝተጎድአ ክፋል ሕብረተሰብ ግን ብዙሕ እዩ" ክብል ሓቢሩ።
"እቲ መጥቃዕቲ ምስ ተፈጸመ ብኡንብኡ ዝሞቱ ሰላማውያን ሰባት 7 ወይ 8 እዮም። 13 ሰባት ናብ ሆስፒታል ኣትዮም ኣለዉ" ክብል እዚ ነባሪ ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ መጥቃዕቲ ኣየር ክካየድ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።
ዞባ ምዕራብ ሽዋን ዞባታት ወለጋን ካብቶም ብደብዳብ ነፈርቲ ዝተሃስዩ ከባቢታት እዮም።