ኣምሓራ፡ ኣብ ኣጣየ ምስ ዕጡቓት ኣብ ዝተገብረ ተዅሲ ሰባት ሞይቶም

ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ዞባ ሰሜን ሽዋ ከተማ ኣጣየ፡ ካብ ንግሆ ሰንበት ጀሚሩ ኣብ መንጐ ሰራዊት ምክልኻልን ዕጡቓትን ብዝተፈጠረ ተዅሲ ህይወት ሰባት ከምዝጠፍአ ነበርቲ ገሊጾም።
ኣርባዕተ ነበርቲ እታ ከተማ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ሰንበት 30 ሕዳር 2016 ዓ.ም ግእዝ፡ ሓይልታት ምክልኻል ምስ ዕጡቓት ፋኖን፡ መንግስቲ "ሸኔ" እናበለ ዝጽወዖም ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ውግእ ከምዝነበረ ገሊጾም።
ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ነባሪ ከተማ ኣጣየ፡ እቲ ተዅሲ ሰንበት ንግሆ ከምዝጀመረን፡ ክሳብ ትማሊ ፍርቂ መዓልቲ ከምዝቐጸለን ገሊጹ።
እቲ ነባሪ ወሲኹ፡ ኣብቲ ኣብ መንጐ ሓይልታት ጸጥታን ዕጡቓትን ካብ ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ንኸምልጡ ዝሃድሙ ዝነበሩ ሰባት ብጥይት ከምዝተወቕዑ ሓቢሩ።
እቶም ብዝሖም ኣርባዕተ ምዃኖም ዝተገልጹ ግዳይ ዝዀኑ ነበርቲ፡ ካብ ከተማ ኣጣየ፡ ይምለዎ ናብ ዝተባህለት ናይ ገጠር ቀበሌ ብሰለስተ እግሪ መኪና (ባጃጅ) ይሃድሙ ከምዝነበሩ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ንቢቢሲ ቃሎም ዝሃቡ ካልኦት ክልተ ነበርቲ እታ ከተማ፡ በቲ ተዅሲ ሰባት ከምዝሞቱ ብምርግጋጽ፡ ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት ብዝምልከት ግን ዝተፈለየ ኣሃዝ ጠቒሶም።
ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ካልእ ምስክር ዓይኒ፡ "ክልተ ሽማግለ ደቂ ኣንስትዮ ተሳፈርቲ ባጃጅ" ከምዝተቐትላ ገሊጹ።
ሳልሳይ ነባሪ እታ ከተማ ድማ "ቍጽሮም ክንድዚ እዩ ምባል ኣይከኣልን። ኣብታ ከተማ እቲ ተዅሲ ደው ስለዘይበለ ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት ንምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ" ይብል።
ኣብ ኣጣየ ህይወት ሰብ ዝበልዐ ውግእ ክካየድ፡ እዚ ናይ ሰንበት ንመጀመርታ ግዜ ኣይኰነን።
ነበርቲ እታ ከተማ፡ ድምጺ ጠያይት ምስማዕ ልሙድ ከምዝዀነ ይዛረቡ።
ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ ነባሪ፡ “እቲ ተዅሲ ካብ ሰንበት ንግሆ እዩ ጀሚሩ። ኣብ መንጐ ፋኖን ሰራዊት ምክልኻልን እዩ ነይሩ። እቲ መበገሲ ድማ [ምክልኻል] ናብ ገጠር ከይዶም ብከቢድ ኣጽዋር ከጥቅዕዎም ጀሚሮም።
ድሕሪኡ፡ እቶም ናብ ገጠር ወፊሮም ዝነበሩ ሰራዊት መንግስቲ ናብታ ከተማ ተመሊሶም" ክብል ኣብሪሁ።
ምልውዋጥ ተዅሲ ምስተጀመረ፡ ካብ ከተማ ኣጣየ ወጺኡ ናብ ማጀቴ ዝሃደመ ነባሪ፡ "ሰራዊት ምክልኻል ለይቲ ካብቲ ይምለዎ ዝበሃል ከባቢ ተበጊሱ ናብታ ከተማ ምስ ኣተወ፡ ባጃጅ ሒዘ ናብ ከተማ ማጀቴ ከይደ" ይብል።
ነበርቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ዕጡቓት ፋኖ፡ እቲ ተዅሲ ምስተጀመረ ሰንበት ምሸት ናብታ ከተማ ከምዝኣተዉ ሓቢሮም።
ፋኖ ካብ ኣጣየ ምስ ወጹ፡ "ዕጡቓት ሸኔ" ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኣብታ ከተማ ምልውዋጥ ተኹሲ ከምዝጀመሩ'ውን ነበርቲ ገሊጾም።
ሓደ ነባሪ ነቲ ኵነታት ክገልጽ ከሎ፡ “[ዕጡቓት ፋኖ] ናብታ ከተማ ኣትዮም ከባቢ ሰዓት ሓደ ተመሊሶም። ብድሕሪ'ዚ ሸኔ መሊሶም ምትኳስ ጀሚሮም ኣብ መዓስከሮም እናተታኾሱ ሓዲሮም። እቲ ውግእ እንተሃድአ'ውን፡ ህዝቢ ተመዛቢሉ'ዩ" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ዓመታት ሞትን ምዝንባልን ነበርቲ ብተደጋጋሚ ካብ ዝረኣየሎም ከባቢታት ከተማ ኣጣየ ሓንቲ እያ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሽዋ እትርከብ ኣጣየ ምስ ዞባ ‘ብሄረ ኦሮሞ’ ትተሓሓዝ እያ።
መንግስቲ ነቲ ኣብታ ከተማ ብተደጋጋሚ ዝረአ ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ንዕጡቕ ጕጅለ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ተሓታቲ ይገብር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







