ኣቡነ ፍራንሲስ ካብ ሓላፍነቶም ክወርዱ ከምዝኽእሉ ኣተንቢሆም

ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ኩነታት ጥዕንኦም ስርሖም ብዝግባእ ክዓዩ ናብ ዘይኽእልሉ ደረጃ እንተበጺሑ፡ ካብ ሓላፍነቶም ንምውራድ ናብ ውሳነ ክበጽሑ ምዃኖም ገሊጾም።

እቶም ኣቡን፡ ነዚ ዝገለጹ ኣብ ካናዳ ዝነበሮም ጻኒሒት ኣብ ዝወድእሉ ሰዓት’ዩ።

 እቶም ወዲ 85 ዓመት ኣቡን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሓላፍነቶም ክቕጽሉ ምዃኖም ብምጥቃስ እንተኾነ ግን ክወርዱ እንተኾይኖም ብናይ ፈጣሪ ትእዛዝ ከምዝኾነ ኣተንቢሆም።

 ኣቡነ ፍራንሲስ ኣብ ‘ዊልቸይር’ ኮይኖም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ “ጳጳስ ምቕያር መዓት ወይ ከዓ ነውሪ ኣይኮነን” ኢሎም።

 ኣስዒቦም ኣቡነ ፍራንሲስ “ጥሮታ ዝወጽኣሉ ማዕጾ ክፉት’ዩ፣ ልሙድ ኣማራጺ’ውን’ዩ። እንተኾነ ግን ክሳብ’ዛ ሎሚ መዓልቲ ነታ መዓጾ ኣየንኳሕኹሕዋን ኣለኸዑ። ብዛዕባ እዚ ተኽእሎ ንምሕሳብ ተራእዩኒ ኣይፈልጥን። እዚ ማለት ግን ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ኣብ ዘይመልእ ኣይሓስበሉን’የ ማለት ግን ኣይኮነን” ኢሎም።

 ኣብ ሕሉፍ ሒደት ኣዋርሕ ጀሚሩ ኣቡነ ፍራንሲስ ኣብ ምንቅስቓሶም ኣሉታዊ ጽልዋ የሕድር ብዘሎ ናይ ብርኪ ጸገም ይሳቐዩ ከምዘለዉ ዝተገለጸ ኮይኑ ዝበዝሕ ናይ ካናዳ ጻኒሒቶም ኣብ ናይ ጉድኣት ኣካል ዓረብያ ኮይኖም ከምዘሕለፍዎ ተፈሊጡ’ሎ።

እንተኾነ ግን እቲ ጸገም ክሳብ ንህይወቶም ዘስግእ ሕማም ከምዝኾነ ተገይሩ ዝተናፈሰ ወረ ሓሶት ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

 “እዚ መገሻ ኣዝዩ ኣጨናቒ ነይረ” ዝበሉ ኣቡነ ፍራንሲስ በቲ ኣጋጢምዎም ዘሎ ናይ ብርኪ ጸገም ምኽንያት ከም ቀደሞም ክንቀሳቐሱ ከምዝተጸገሙ ተዛሪቦም።

 “እታ ቤተ ክርስትያን ከገልግላ እንተድኣኾይነ ንገዛእ ርእሰይ ከሕዊ ኣሎኒ፣ ወይ ከዓ ብዛዕባ ሓላፍነተይ ምግዳፍ ዘሎ ተኽእሎ ክሓስበሉ ኣሎኒ” ዝበሉ እቶም ኣቡን፡ ናብ ዩክረይን ናይ ምብጻሕ ሽውሃት’ኳ እንተለዎም ፈለማ ግን ምስ ሓካይሞም ክማኸሩ ምዃኖም ገሊጾም።

 ናብ ካናዳ ዝገሽሉ ቀንዲ ዕላማ ነቶም ብኣገልገልቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝተበደሉ መቦቆላውያን እታ ሃገር ይቕሬታ ንምሕታት ከምዝነበረን ምስ ግዳያት ደቂ እቲ ዓዲ ምዝታዮም ተገሊጹ።

 ነቶም ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኮይኖም ንሞቦቆላወቅያን ደቂ እቲ ዓዲ “ባህላውያን” ኢሎም ንዝተዛረቡ ዝነቐፉ ኣቡነ ፍራንሲስ “ዘይትዓቢ ቤተ ክርስትያን ድሕርቲ ቤተ ኽስያን’ያ” ድሕሪ ምባል “ንገዛእ ርእሶም ባህላውያን ኢሎም ዝጽውዑ ሰባት ድሑራት እዮም” ክብሉ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቦም።