ፓኪስታን፡ 1.7 ሚልዮን ስደተኛታት 830 ዶላር እናቀጽዐት ክትጥርዝ ትዳሎ ኣላ

ኣፍጋናውያን ስደተኛታት ናብ ፓኪስታን እናሰገሩ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ፓኪስታን፡ ብዘይ ሰነድ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ስደተኛታት 830 ዶላር ተቐጺዖም ካብታ ሃገር ክወጽኡ ወሲና።

እዞም ከም መቕጻዕቲ 830 እናኸፈሉ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ተወሲንሎም ዘለዉ ስደተኛታት ናብታ ሃገር ብዘይ ቪዛ ዝኣተዉ’ዮም።

መንግስቲ ፓኪስታን ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብታ ሃገር 1.7 ሚልዮን ብዘይ ሕጊ ዝኣተዉ ወይ ግቡእ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ከምዘለዉ ብምሕባር ቅድሚ 1 ሕዳር ካብታ ሃገር እንተዘይወጺኦም ክትጥርዞም ከምዝኾነት ብወግዒ ምሕባር ይዝከር።

ካብዞም ናብ ፓኪስታን ብዘይሕጋዊ ሰነዳት ዝኣተዉ ስደተኛታት መብዛሕትኦም ኣፍጋናውያን ኮይኖም፡ መብዛሕትኦም ጣሊባን ኣብ 2021 ንኣፋጋኒስታን ምስ ጠቖጻጸራ ካብ ሃገሮም ሃዶሞም ናብ ፖኪስታን ዝኣተዉ’ዮም።

እቶም ብሕጋዊ ናብ ፓኪስታን ኣትዮም ቪዝኦም ግዜ ምስ ኣሕለፈ ዘየሐደስዎ ከኣ ብዘይ ቪዛ ንኽንደይ ግዜ ከምዝጸንሑ ተራእዩ መጠን መቕጻዕቶም ክትመነሎም’ዩ።

እቶም መዓልቶም ዘየሕለፉ ግን ዝኾነ ገንዘብ ከይከፈሉ ናብ ሃገሮም [ኣፍጋኒስታን] ከኸዱ ከምዝኽእሉ መንግስቲ ፓኪስታን ኣዊጁ’ሎ።

ብዙሓት፤ ካቡል ብጣሊባን ምስ ተተሓዘተር ናብ ፓኪስታን ዝኣተዉ ኣፍጋናውያን፡ ኣብ ፓኪስታን ንስደተኛ ዝግባእ ሰነዳት ንምርካብ ናብ መንግሰቲ ፓኪስታን’ኳ እንተሓበሩ ሰነዳት ኣብ ምሃብ ምድንጓያት ከምዝነበረን ፈጺሞም ዘይረኸቡ ከምዘለዉን ኣምነስት ኢንተርናሽናል ይሕብር።

ፓኪስታን ንውዕል መሰል ስደተኛታት ካብ ዘይፈረማ ሃገራት ስለዝኾነት፡ ዝኾነ ናብ ሃገራ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝኣተወ ሰብ ከምስደተኛ ከምዘይትርእዮን ከምዘይትቕበሎን’ያ ትሕብር።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ላዕለዋይ ሓላፊ ፓኪስታን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቶም ሰልዲ ክፈሉ ዝብሃሉ ዘለዉ ሰባት ብሰብኣዊ ረድኤት ዝናበሩ ከም ምዃኖም መጠን ብዝሕ ዝበለ ከምዝኾነ ገሊጹ።

እንተኾነ ይብል እቲ ሓለፊ “ኣብ ብዙሓት ሃገራት ካብቲ ቪዛኻ ዝፈቕደልካ መዓልታት ንላዕሊ እንተተቐሚጥኻ ብሰልዲ ትቅጻዕ ኢኻ” ኢሉ።

ንሱ ብምስዓብ “እቲ ጸገም እዞም ሕጂ ሰልዲ ክፈሉ ዝብሃሉ ዘለዉ ብሰብኣዊ ሓገዝ ዝናበሩ ዘለዉ ምዃኖም’ዮም” ድሕሪ ምባል እቲ ወጺኡ ዘሎ ፖሊሲ ዳግማይ ክርአ ተኽእሎ ከምዘሎ ገሊጹ።

እንተኾነ መንግስቲ ፓኪስታን ነዚ ኣውጺእዎ ዘሎ ሕጊ ዳግማይ ናይ ምኽላስ መደብ እንተሃልይዎ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበሉን።

ዩኤንኤችሲኣር ብወገኑ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ ይጽዕር ምህላዉ ገሊጹ ኣሎ።

ዩኤንኤችሲኣር ኣብ መግለጺኡ “መንግሰቲ ፓኪስታን ነቶም ከም ስደተኛታት ኮይኖም ኣብ ትሕቴና ተመዝጊቦም ዘለዉ ካብዚ መቅጽዕቲ ክኣልዮም ንሓትት ኣለና፡ ህዝብን መንግስትን ፓኪስታን ካብ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ኣትሒዚም ንኣፍጋናውያን ስደተኛታት ከዕቑብዎም ጸኒሖም’ዮም ነዚ ሰናይ ተግባሮም ክቅጽልዎ ከኣ ንሓቶም ኣለና” ይብል።

ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፓኪስታን ብወገኑ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት “ሕጊ ፖኪስታን ልክዕ ከም ኩለን ሃገራት እንከላይ ዓዲ እንግሊዝ ንሕጊ ኢሜግሬሽን ናይዛ ሃገር ንዝጠሓሱን ልዕሊ እቲ ቪዝኦም ዝፈቕደሎም መዓልታት እንተጸኒሖምን ብገንዘብ ከምዝቐጽዕ ኣብ ሕጊ ሰፊሩ ኣሎ” ይብል።

ንሱ ብምስዓብ “እቲ ፓኪስታን ከም መቅጻዕቲ ኣቕሪባቶ ዘላ መጠን ገንዘብን ብሕጂ’ውን እተቕርቦን ኣብ ህግና ዝሰፈረን ኣብኡ ዝተሞርኮሰን’ዩ” ኢሉ።