ኣብ መርዕኡ ንመርዓቱ ዝቐተለ መርዓዊ

ፓራ-ኣትለትን ወታሃደርን ዝነበረ ታይላንዳዊ፡ ኣብ መርዕኡ መዓልቲ፡ ንመርዓቱን ካልኦትን ብጥይት ድሕሪ ምቕታል ንባዕሉ ከምዘጥፈአ ፖሊስ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ወዲ 29 ዓመት ቻቱሮንግ ሱክሱክን ጓል 44 ዓመት ካንቻና ፓቩንትዌክን፡ በቀዳም ኣብ ሰሜን ምብራቓዊ ታይላንድ ተመርዕዮም።

ማዕከናት ዜና ከምዝሕብርዎ እቲ መርዓዊ ካብቲ ስነ ስርዓት ዝፍፀመሉ ቦታ ወጺኡ ሽጉጥ ሒዙ ተመሊሱ፤ ድሕሪኡ ንመርዓቱ፣ ን 62 ዕድሚአን ሓማቱን ንጓል 38 ዓመት ሓፍታን ተኲሱ ቀቲልወን።

ብተወሳኺ በራሪ ጥይት ንክልተ ዕዱማት ዘቑሰለ ኮይኑ፡ እቲ ሓደ ናብ ሆስፒታል ምስኣተወ ሞይቱ።

ፖሊስ፡ እቲ መርዓዊ “ኣብቲ እዋን ኣዝዩ ሰኺሩ ነይሩ” ክብል ዝገለጸ ኮይኑ ቅትለት ዝፈጸመሉ ምኽንያት ግን ኣይተፈለጠን። ነቲ ሽጉጥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሕጋዊ መንገዲ ገዚኡ ከምዝተዓጠቖ እውን ፖሊስ ገሊጹ።

ሚድያ ታይላንድ ፍልፍላት ፖሊስ ጠቒሳ ከምዝጸብጸበቶ፡ ኣብቲ ድግስ መርዓውን መርዓትን ተጨቓጪቖም ነይሮም።

ቻቱሮንግ ብዛዕባ ኣብ ሞንጎኡን ካንቻናን ዘሎ ፍልልይ ዕድመ እውን ኣሻቒልዎ ምንባሩ እታ ማዕከን ዜና ገሊጻ።

ፖሊስ ግን እዞም ጸብጻባት ግምታት ከምዝኾኑ ብምግላጽ፡ ሓበሬታ ከምዝኣከቡን እቲ ከይዲ ኣብ ቀረባ መዕለቢ ከምዝረክብን ሓቢሮም።

እቶም መጻምዲ ቅድሚ መርዐኦም ንሰለስተ ዓመታት ሓቢሮም ከምዝነበሩ ሚድያ ታይ ኣቓሊሐን።

ቻቱሮንግ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኢንዶኔዥያ ኣብ ዝተኻየደ ጸወታታት ፓራ ኤስያ ብውድድር ብሩር መዳልያ ረኺቡ። ኣብ ዝርዝር እቶም ኣብ ቀጻሊ ወርሒ ኣብ ታይላንድ ኣብ ዝካየድ ዓለም ለኻዊ ውድድር ሃገሩ ዝውክሉ ተወዳደርቲ ምንባሩ እውን ይእመን።

ንሱ ኣባል ኣጋር ሰራዊት ታይላንድ እንከሎ የማነይቲ እግሩ ስኢኑ።

ጃምላዊ ቅትለታት ብበዝሒ ኣብ ዘይረኣየላ ታይላንድ፡ ሽጉጥ ምውናን ልሙድ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ሓደ ፖሊስ ነበር ኣብ መውዓሊ ህፃናት ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ካራን ጥይትን 37 ህጻናት ቀቲሉ ነይሩ።