እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መኽዘን ነዳዲ ክሪሚያ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ተቓጺሉ
ኣብታ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሩስያ እትርከብ ክሪሚያ ዝርከብ መኽዘን ነዳዲ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰፊሕ ባርዕ ሓዊ ከም ዘስዓበ ሰብመዚ እቲ ከባቢ ገሊጾም።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርገሐ ቪድዮ፡ ትማሊ ቀዳም ኣጋ ምሸት ኣብታ ቀንዲ ከተማ ክሪሚያ፡ ሰቫስቶፖል ኣብ ዝርከብ መኽዘን ዝነበረ ሃልሃልታ ዘርኢ’ዩ።
እቲ ባርዕ ድሒሩ ከም ዝጠፍአን ዝዀነ ሰብ ከም ዘይተጐድአን እቲ ብሞስኮ ዝተመዘዘ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ገሊጹ።
ብዓርቢ ሩስያ ኣብ መላእ ዩክረይን ኣብ ዝርከባ ከተማታት ብዘካየደቶ ማዕበል መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ ብውሕዱ 25 ሰባት ሞይቶም እዮም።
ሩስያ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ክትፍጽም ድሕሪ ኣዋርሕ ንመጀመርታ ግዜ እዩ።
ኣብ 2014 ናብ ሩስያ ዝተሓወሰት ሓውሲ ደሴት ክሪሚያ፡ ቀንዲ መደበር ናይቲ ጸሊም ባሕሪ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓይሊ ባሕሪ መራኽብ ሩስያ እያ።
ኣመሓዳሪ ሚካኤል ራዝቮዛየቭ፡ "ብመሰረት መባእታዊ ሓበሬታ፡ [እቲ ባርዕ] ብሰንኪ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ እዩ ተላዒሉ" ክብል ኣብ ቴሌግራም ገሊጹ።
ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልቲ ሰበስልጣን ሩስያ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ከባቢ ብሰራዊት ዩክረይን ምስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከም ዝተቓለሱ ገሊጾም ነይሮም። ክሪሚያ፡ ኲናት ዩክረይን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ክበጽሓ ጸኒሑ እዩ።
ብሰንኪ እቲ ብዓርቢ ብሩስያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣርባዕተ ህጻናት ዝርከብዎም 23 ሰባት ተቐቲሎም እዮም።
ኣብ ከተማ ድኒፕሮ ድማ ሓንቲ ሰበይትን ጓል ሰለስተ ዓመት ጓላን ከም ዝተቐትሉ ይግለጽ።
ኪቭ እውን ድሕሪ 51 መዓልታት ንፈለማ እዋን ዒላማ ተገይራ ኣላ። ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ጉድኣት ከም ዘጋጠመ ዝሕብር ጸብጻብ ግን የለን።
ካብ 23 ሚሳይላት እተን 21 ከምኡ’ውን ክልተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብስርዓተ ምክልኻል ኣየር ዩክረይን ተወቒዐን ከም ዝወደቓ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንዕቝር ኣሃዱታት ሰራዊት ዩክረይን ዒላማ ከም ዝገበረ ገሊጹ። ሩስያ፡ ቅድሚ ሕጂ ኰነ ኢላ ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ከም ዘይገበረት'ኳ እንተገለጸት፡ ድሕሪ ወራር ሩስያ ግን ኣብ መላእ ዩክረይን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ቆሲሎምን ተቐቲሎምን እዮም።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሳኺ ኣህጉራዊ ስጕምቲ ክውሰድ ከምዘለዎ ዘርኢ ምዃኑ ከም ዝገለጸ ይዝከር።
"እከይ ብብረት ደው ክብል ይኽእል... ግን ብእገዳ እውን ደው ክብል ይኽእል እዩ - ዓለማዊ እገዳ ክውሰኽ ኣለዎ" ክብል ብዓርቢ ኣብ ዝዘርግሖ ትዊተር ገሊጹ ነይሩ።
እዚ መጥቃዕቲ ዝፍጸም ዘሎ፡ ሓይልታት ዩክረይን ካብ መሻርኽቲ ሃገራት ምዕራባውያን ብዝረኸብዎም ሓደስቲ ወተሃደራዊ ናውቲ መጥቃዕቲ ክጅምሩ ድሉዋት ምዃኖም ኣብ ዝገለጹሉ ዘለዉ እዋን እዩ።