እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ድሮናት ስእሊ ንኲናት ትጥቀም ዘላ ዩክረይን
ኣብ ግንባራት ኲናት ልዑል ጠለብ ድሮናት ገጢምዋ ዘሎ ዩክረይን፡ ዛጊት ልዕሊ 3500 ድሮናት ክትዕድግ ከላ ካብ ዙርያ ዓለም ብፖስታ ዝተለኣኸ ናይ ድሮን ልግሲ ትቕበል ኣላ። እንተዀነ እታ ሃገር፡ ድሮናት ብምጥቃም ኣብ ውሽጢ ሩስያ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ትኽሰስ።