እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣምሓራ፡ ወዲ 12 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ዳባት 'ተጨውዩ'
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ዳባት ብ4 ሚያዝያ 2024 ረፋድ ሰዓት 10፡00 መንነቶም ዘይተፈልጡ ውልቀሰባት ንወዲ 12 ዓመት ቈልዓ ከም ዝጨወይዎ ስድራ ቤት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣማን መሓመድ ካብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ዳባት 03 ወጺኡ ናብ ገዛኡ ኣብ ዝመርሓሉ ዝነበረ እዋን፡ ማእዶት ኣብ ዝበሃል ከባቢ ምስ በጽሐ ምስ ናብ ቤት ትምህርቲ ዘምርሕ ዝነበረ ወዲ 14 ዓመት ምዕባይ ሓዉ ኣብ መገዲ ተራኺቦም።
እቲ ሓደጋ ክወድቀኒ እዩ ኢሉ ዘይሓሰበ ገርሂ ህጻን ምስ ምዕባይ ሓዉ እናዕለሉ እንከለዉ ድማ እዩ እቲ ኵነታት ተፈጢሩ።
ሃንደበት ክሹፍ ተሸፊኖም ዝመጽኡ ሰለስተ ሰባት፡ ንኣማን እውን ገጹ ብኽሹፍ ብምሽፋን ኣብ ባጃጅ ኣእትዮም ካብ ሓዉ ፈልዮም ወሲዶምዎ።
እቶም ነቲ ህጻን ጨውዮም ወሲዶም ዘለው ውልቀሰባት "800ሽሕ ብር እንተኸፊልኩም ውላድኩም ብደቓይቅ ክነረክብኩም ኢና፤ እንተዘይኰይኑ ግን ብዶላር ክውስኽ እዩ" ብምባል እቶም ዝወሰድዎ ኣካላት የባጭውልና'ዮም ዘለው ክትብል ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ እትርከብ ወላዲቱ ራሕማ መሓመድ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ወይዘሮ ራሕማ ቋንቋ ኣምሓርኛ'ውን ዘይትኽእል ብምዃና፡ እቲ ኣብ መንጐኦም ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ብመገዲ እቲ ተጨውዩ ዘሎ ወዳ ይካየድ ከም ዘሎ ትሕብር።
ነቲ ስድራኡ ዝምልስዎ ካብ ቋንቋ ትግርኛ ናብ ኣምሓረኛ፣ ነቲ ዝዛረብዎ ድማ ካብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ናብ ትግርኛ ብምትርጓም እናበኸየ ከም ዘረዳድኦም'ውን ራሕማ ወሲኻ ትገልጽ።
ስድራ ራሕማ፡ ካብ ኤርትራ ካብ እትወጽእ ኣስታት ዓሰርተ ዓመት ክትገብር እንከላ፡ ንኣስታት ሸሞንተ ዓመታት ኣብ ትግራይ መዓስከር ዓዲ ሓርሽ እያ ጸኒሓ።
ኣብ መወዳእታ 2020 ድሕሪ ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ ግን፡ ካብቲ መዓስከር ተመዛቢሎም ኣብ ክልል ኣምሓራ ናብ ዝተመስረተ መዓስከር ኣለምዋጭ መጺኦም ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣብቲ ከባቢ ሰፊሮም ኣለው።
እቲ ግዳይ፡ ደሃዩ ካብ ዝጠፍእ ሓደ ሰሙን ከቝጽር እንከሎ፡ ወላዲቱ ዝተሓተቶ ገንዘብ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ከም ዝዀነን ሓገዝ ንምርካብ'ውን ትጽገም ከም ዘላን ገሊጻ።
ተምሃራይ ኣማን መሓመድ ዑስማን፡ኣብ መዓስከር ዓዲ ሓርሽ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ብልጫ ዝወስድን ትስፉውን ህጻን እዩ ነይሩ።
ናብ መዓስከር ኣለምዋጭ ምስ ሰገሩ ትምህርቲ ኣቛሪጹ ብምጽንሑ ካብ ሓምሻይ ናብ ራብዓይ ክፍሊ ንድሕሪት ተመሊሱ'ዩ ክምሃር ጸኒሑ።
ኣብ ውሽጢ'ቲ መዓስከር ክሳብ 3ይ ክፍሊ ዘምህር ቤት ትምህርቲ'ኳ እንተሃለወ እቶም ሳልሳይ ዝወድኡ ተምሃሮ ስደተኛታት ግን ምስቶም ደቂ እቲ ዓዲ ተሓዊሶም ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ትምህርቲ ፋሕ ኢሎም እዮም ዝምሃሩ።
ኣብዚ እዋን፡ እቶም ጨውዮም ዝወሰድዎ ውልቀሰባት፡ ንወላዲኡ ‘ንሕና ገንዘብ ኢና ደሊና፤ ወድኻ ካብ ገንዘብ ንላዕሊ ዝበልጸካ እንተዀይኑ ገንዘብ ሃባ ወድኻ ውሰድ። እንተዘይኰነ ግን ወደይ ተሸይጡ ዝበሃል ነገር የለን’ ከም ዝበልዎ ተረድእ።
ወይዘሮ ራሕማ ምስ ንብዓት ኣዒንታ እናተቓለሰት፡ ቅድሚኡ ኣብቲ ዝነብርሉ መዓስከር ዝምታ ክፍጸም ከም ዝጸንሐን ስግኣት ድሕነት ከም ዘለዎምን ገሊጻ።
"ዝዀነ ጸጥታዊ ውሕስነት የብልናን፤ ደቅና ምሳና እንከልዉ ከማን ቀሲንና ኣይንፈልጥን ኢና። ውላደይ ካብ ዓይነይ ካብ ዝፍለ ምንቅስቓስ ስኢነ፤ ደቀይ'ውን" ኢላ።
ጸጥታዊ ኵነታት እቶም ስደተኛታት እንታይ ይመስል?
እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝቘመ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ፡ ብብዝሒ ስደተኛታት ስለ ዝተጨናነቐ ብርክት ዝበሉ ስድራቤታት ካብ ኣለምዋጭ ውጽእ ኢልካ ኣብ እትርከብ ከተማ ዳባት ክቕመጡ ከም ዝተገደዱ ስደተኛታን ጸሓፊ እታ መዓስከርን ኣቶ ዮሴፍ ይጠቅስ።
ጉዳይ ምጥፋእ ተምሃራይ ኣማን ኣብ እዋኑ ንፖሊስ ከም ዝተሓበረን፣ ዛጊት ፖሊስን ኣካላት ጸጥታን እቲ ከባቢ ጻዕሪ ይገብሩ ከም ዘለው ሓቢሩ።
ይዅን'ምበር፡ እቲ ከባቢ ሓደ ውልቀሰብ ሰለስተን ልዕሊኡን ብረት ዝውንነሉ ከቢድ ስግኣት ጸጥታን ዘይርጉእነትን ዘለዎ ብምዃኑ ኣሸጋሪ ከም ዝገብሮ ይዛረብ።
ብተወሳኺ ገለ ካብቶም ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ተምሃሮ ብዝሃብቡዎ ሓበሬታ መሰረት ሓደ ኣውቲስታ ባጃጅ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ከም ዘሎ ገሊጹ።
እዚ ከምዚ ዝበለ ተርእዮ ሓድሽ ከም ዘይኰነን ቅድሚ ሕጂ ከባቢ 5 ቈልዑ ብብግዚኡ ከም ዝተጨውዩ ዝሕብር ኣቶ ዮሴፍ ገለ ከም ዝተታሕዙ ገለ ድማ ተኸፊሉዎም ከም ዝወጽኡ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብቲ ክልል ኣብ መንጐ ሓይልታት ጸጥታን ዕጡቓት ፋኖን ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ሓደጋ ከም ዘእተዎም ክግለጽ ጸኒሑ ኣሎ።
ብሰንኪ እቲ ግጭት ኣብ ነበርቲ ጉድኣት ይወርድ ከም ዘሎ'ውን ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ብተወሳኺ ዝተፈላለያ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ካብ ፍርዲ ወጻኢ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ቅትለት ከም ዘሰከፈን ይገልጻ ኣለዋ።
ኣብ መንጐ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት መንግስትን ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ዘተሓሳስቦም ዝተፈላለዩ ውድባት፡ ሰላማዊ ፍታሕ ክወሃብ ጸዊዖም'ኳ እንተነበሩ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ግን እቲ ቅልውላው እናገደደ ይኸይድ ኣሎ።
እቶም ስደተኛታት'ውን እቲ ኵነታት ንድሕነቶም ኣስጋኢ ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝፍጸም ዘሎ መጭወይትን ምስኣን ውሕስነትን ንዝተፈላለዩ ጸገማት የቃልዖም ከም ዘሎ ገሊጾም።
ስግኣታት ጭውያ
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙን ዝፍጸሙ ዘለዉን ጭውያ ዜጋታት (ጅሆ ምሓዝ) ካብቶም ህዝብን መራኸቢ ብዙሃንን ዝዛረቡሎም ቀንዲ ጉዳያት ኰይኖም ኣለዉ።
እቲ ሓሓሊፉ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝፍጸም ዝነበረ ጭውያ ሎሚ መልክዑ ቀይሩ ኣብ ዝበዝሐ ከባቢታት እታ ሃገር የጋጥም ከም ዘሎ ዝገልጹ ሓበሬታታት ይወጹ ኣለዉ።
እዚ ገንዘብ ንምርካብ ብዝብል ካብ ሰራሕተኛታት ገዛ ክሳብ ብዕጡቓት ዝፍጸም ጭውያ ንብዙሓት ናብ ማሕበራውን ቍጠባውን ቅልውላው ክኣትዉ ገይሩ’ሎ።
ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ንምውጻእ ድማ ክሳብ ሚልዮናት ብር ክኸፍሉ ዝተገደዱ ብዙሓት እዮም።
እዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ፡ ካብ ገጠር ናብ ከተማታት ስፍሓቱ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ተግባር ጭውያ ኣብ ኵሉ ከባቢታት ቀንዲ ስግኣት ድሕነት ዜጋታት ኰይኑ ኣሎ።
መንግስቲ ፈደራል ኰነ እቲ ተግባር ብተደጋጋሚ ኣብ ዝፍጸመለን ክልላት ዘለዉ ሰበስልጣን ብዛዕባ እዚ ኣሻቓሊ ጉዳይ ብዙሕ ክዛረቡ ኣይስምዑን።
ስለዚ ኣባላት ስድራ ናይቶም ጅሆ ዝትሓዙ ሰባት ዘለዎም እንኮ ኣማራጺ፡ ንብረቶምን ጥሪቶምን ሸይጦም ወይ ተለቂሖም ነቲ ዝተሓተትዎ ገንዘብ ብምኽፋል ክፍትሑ ምግባር እዩ።