ነዳዲ ዝጸዓና ክልተ መራኽብ ሩስያ ኣብ ማእኸል ባሕሪ እንታይ ኣጋጠመን?

ሓደጋ ዘጋጠመን መራበብ

ምንጪ ስእሊ, Russian authorities

ክልተ መራኽብ ነዳዲ ሩስያ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ከቢድ ጉድኣት ከም ዝበጽሐንን ምፍሳስ ነዳዲ ከም ዘስዓበን ሰብመዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

ብቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ መጓዓዝያ ደቡባዊ ሩስያ ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ እታ ሓንቲ መርከብ ብቕድሚታ ዘሎ ኣካላ ምሉእ ብምሉእ ዓንዩ ከምኡ'ውን ኣብ ማይ ዝፈሰሰ ነዳዲ የርእይ።

ክልቲአን መራኽብ ነዳዲ፡ ናብ መዕረፊአን ቅድሚ ምብጸሐን ኣንፈተን ስሒተን ክዀና ከም ዝኽእላ ይእመን።

በቲ ሓደጋ ብውሕዱ ሓደ ኣባል መርከብ ከም ዝሞተ ይንገር።

እቲ ክስተት ኣብቲ ንሩስያ፡ ካብታ ኣብ 2014 ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ግዝኣታ ዝሓወሰታ ዩክሬናዊት ሓውሲ ደሴት ዝዀነት ክሬምያ ዝፈልያ መጻብቦ ኬርች እዩ ኣጋጢሙ።

ጀላቡ፣ ሄሊኮፕተራትን ልዕሊ 50 ሰራሕተኛታትን ዘሳተፈ ስርሒት ህይወት ኣድሕን፡ ን13 ኣባላት ካብ ሓንቲ መርከብ ኣድሒኖም።

ነዚ ክገብሩ ዝኸኣሉ ድማ እቲ መስርሕ ምድሓን ብሰንኪ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ቅድሚ ምቁራጹ እዩ።

እቶም ኣብታ ካልአይቲ መርከብ ነዳዲ ዝተረፉ 14 ኣባላት "ንቕጽበታዊ ደገፍ ህይወት ዘድሊ ኩሉ" ድልው ከም ዝዀነ እኳ እንተተነገረ፡ ግን ከኣ ኩነታት ኣየር ክሳብ ዝመሓየሽ ኣብ ዘለውሉ ተዓጽዮም ክጸንሑ ምዃኖም ተሓቢሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ነቲ ፍጻመ ዝከታተል ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ቪታሊ ሳቨሊየቭ ዝምራሕ ናይ ስራሕ ጉጅለ ክቐውም ምእዛዙ ተፈሊጡ'ሎ።

ሰብመዚ ኣብቲ ክስተት ብገበን ዘሕትት ሸለልትነት ምንባሩን ዘይምንባሩን ይምርምሩ ኣለዉ።

ኣብ መጽሔት ኢንዱስትሪ መራኽብ 'ሎይድስ ሊስት' ተንታኒት ዝዀነት ሚሸል ቦክማን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እዘን ክልተ መራኽብ ብኩባንያ ቮልጋታንከር ዝውነና ኰይነን ብተዛማዲ ንኣሽቱ ምንባረን ገሊጻ።

ነፍሲ ወከፈን ኣስታት 4300 ክብደት ቶን ነዳዲ ጽዒነን ከም ዝነበራ ማዕከን ዜና ታስ ዝጠቐሶም ሰበስልጣን ሩስያ ሓቢሮም።

ሩስያ ብደረጃ ዓለም ንእትገብሮ ንግዲ፡ ዘይተጻረየ ነዳዲ ክተጓዓዕዝ እትጥቀመለን መራኽብ ነዳዲ፡ ኣዝዩ ዝዓበየ ናይ ምጽዓን ዓቕመን ኣስታት 120 ሽሕ ክብደት ቶን ከም ዝበጽሕ ሚሸል ቦክማን ገሊጻ።

ስለዚ እዘን ሕጂ ዓንየን ዘለዋ ክልተ መራኽብ ንኣሽቱን ብሩባታት ሩስያ ወይ ኣብ ማያት ገማግም ባሕሪ ነዳዲ ንምጉዕዓዝ ዘገልግላን ክዀና ከም ዝኽእላ ኣረዲኣ።

መጻብቦ ኬርች ንሰደድ እኽሊ ሩስያ ቁልፊ መስመር ኰይኑ፡ ንሰደድ ዘይተጻረየ ነዳዲ፡ ነዳዲ ዘይትን ፈሳሲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝን እውን ትጥቀመሉ።

ኣብ 2007 'ቮልጎነፍት-139' ዝተባህለት ካልእ መርከብ ነዳዲ ኣብ መጻብቦ ኬርች መልሕቕ ኣብ ዘልዓለትሉ እዋን ብሰንኪ ህቦብላ ኣብ ክልተ ተኸፋፊላ ልዕሊ 1000 ቶን ነዳዲ ፈሲሱ።

ሩስያ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ካብ ዝትውጅ ንደሓር፡ መሓዙት ኪቭ ዝዀና ሃገራት ኣብ ልዕሊ ንግዲ ነዳዲ እታ ሃገር ከቢድ እገዳ ከም ዘንበራ ይፍለጥ።

ሩስያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ነዳዲ ንምንቅስቓስን ነቲ ዝተገበረላ እገዳ ንምስባርን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነተን ድኹም ጽገና ዝግበረለንን ግቡእ መድሕን ዘይብለንን መራኽብ ትጥቀም ብምህላዋ ክትኽሰስ ጸኒሓ።

ሚሸል ቦክማን፡ እተን ብሰንበት ሓደጋ ዘጋጠመን መራኽብ ነዳዲ ግን ኣካል እቲ ጽገና ብዘይግበረለንን ግቡእ መድሕን ዘይብለንን መራኽብ ዝካየድ ምስግጋር ነዳዲ ኣይመስልን ትብል።