'ብሓባር ነባሪ ታሪኽ ሰሪሕና: ድሓን ኲን ቢንያም ግርማይ' - ኢንተርማርች

ቢንያም ግርማይ ካብታ ኣርባዕተ ዓመትን መንፈቕን ዝተጻወተላን ዓበይቲ ዓወት ዝተጎናጸፈላን ቤልጂማዊት ጋንታ ኢንተማርች ብወግዒ ከምእተፋነወ እታ ጋንታ ኣብ መርበብ ሓበሬታኣ ኣፍሊጣ።

ቢንያምን ኢንተርማርችን ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመትን መንፈቕን 12 ናይ መድረኽ ዓወት ከመዝግቡ እንከለዉ፡ ልዕሊ 40 ግዜ ኸኣ ናብ ፖድዮም ደይቦም።

"ብሓባር ነባሪ ታሪኽ ሰሪሕና። ድሓን ኲን ቢንያም ግርማይ" ክትብል እታ ጋንታ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘወጽኣቶ ናይ ስንብታ ሰናይ ትምኒታ ነቲ ኣፍሪቃዊ ኮኾብ ስፖርተኛ ገሊጻትሉ።

ኣብ 2021 ናብታ ጋንታ ምስ ተጸንበረ ነቲ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኰይኑ ኣብ ሻምፕዮና ዓለም ትሕቲ 23 ዓመት ዘመዝገቦ ናይ ካልኣይ ደረጃ ተወሰኽቲ ዓወታት'ዩ ክደራርበሉ ጀሚሩ።

ምስታ ጋንታ ኰይኑ ኣብ 2022 ኣብ ቤልጂም ኣብ ዝካየድ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ገንት ወቨልገም ቀዳማይ ብምእታው ነታ ጋንታን ንገዛእ ርእሱን ኣብ ኣውሮጳ ዝዓበየ ዓወት ኣመዝጊቡ።

ኣብ ተሳሳሊ ዓመት ኣብ ዓስራይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታሊ'ውን ቀዳማይ ብምውጻእ ኣብ ዎርል ቱር ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ቀዳማይ ጸሊም ኣፍሪቃ ዘብሎ ዓወት ኣመዝጊቡ።

2024'ውን ንቢንያምን ንጋንታኡ ኢንተርማርችን ቀዳዊቶም ዓመት'ያ ነይራ።

ቢንያም ኣብቲ ዓመት ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ሰለስተ ናይ መድረኽ ዓወታት ብምምዝጋብ ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ክኸውን በቒዑ።

እታ ጋንታ'ውን ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ብመንገዲ ቢንያም'ያ ናይ መጀመርታ ናይ መድረኽ ዓወት ከተመዝግብ ክኢላ።

ብዘይካ'ዚ ቢንያም ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ሰለስተ ናይ መድረኽ ዘመዝገበ ኣፍሪቃውን ቀዳማይ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ቀጠልያ ማልያ ዝተዓወተ ኣፍሪቃዊ ክኸውን ከኢሉ።

ምስታ ጋንታ ኣብ ዝገበሮ ፋንዋ፡ ቢንያም፡ "ምስ ኢንተርማርች ጽቡቕ ግዜ'የ ኣሕሊፈ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት ሓሙሽታ ዓመታት እታ ጋንታ ኣብ ልዕለይ ብዘንበረቶ እምነት ተቐዳዳማይ ዎርልድ ቱር ክኸውን ስለዘብቅዓኒ ሕቡን'የ" ኢሉ።

ኣስዒቡ፡ "ኣዝዩ ጥቡቕ ዝዀነ ጥምረት ኢና ፈጢርና፡ ምስዞም ተጻወትቲ፡ ምስ ኣባላት እዛ ጋንታን ምስ ምምሕዳርን ዘሕለፍኩዎ እዋን ኣዝዩ ፍሱህ'ዩ ነይሩ፣ ሕጂ እዋን ሓድሽ ምዕራፍ'ዩ፤ ንዅሉኹም ከኣ ኣዝየ የመስግን" ኢሉ።

እቲ ኣብ 2021 ናብ ኢንተርማርች ዝጸንበሮ ላዕለዋይ ሓላፊ እታ ጋንታ ጂን ፍራንኮሲ ቦርላርት ብወገኑ፡ "ምስ ቢንያም ኣዝዮ ተዘካሪ እዋናት ኢና ኣሕሊፍና፣ በዚ ዘሕለፍናዮ ግዜ ኸኣ ኣዚና ሕቡናት ኢና፡ ነቲ ዝነበሮ ሓያል ክእለት ናብ ሓደ ኣብ ናይ ብሽክለታ ዓለም ወሳኒ ተራ ዘለዎ ሰብ ስለዝቐየርናዮ ኣዚና ሕጕሳት ኢና፡ ንዘልኣለም ዝነብር ተዘክሮ'ዩ፡" ኢሉ።

ከም ኣብነት ከኣ ነቲ ኣብ ሻምፕዮና ዓለም ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ዘመዝገቦ ናይ ካልኣይ ደረጃ፣ ኣብ ገንት ወቨልገም ዘመዝገቦ ናይ መድረኽ ዓወት፣ ኣብ ጂሪ ዲ ኢታሊ ቀዳማይ ዝወጽኦ፡ ኣብ ሰርዅት ፍራንኮ በልግ ዘመዝገቦ ዓወት፣ ብዓቢኡ ከኣ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ዘመዝገቦ ሰለስተ ናይ መድረኽ ዓወታትን ቀጠልያ ማልያን ምውናኑን ንቢንያምን ንጋንታ ኢንተርማርሽን ብፍሉይ ተዘክሩ ዝነበሮ ምዃኑ ጂን ፍራንኮሲ ቦርላርት ዘኪሩ።

ጂን ፍራንኮሲ ቦርላርት ኣብቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እታ ጋንታ ዝጽሓፎ መፋነዊ ቃል 'Yekenyeley, Biniam! ' ብምባል'ዩ ንቢንያም ብቋንቋ ኣደኡ ኣመስጊንዎ።

ጋንታ ኢንተርማርች ብሕጽረት ባጀት ምስ ካልእ ቤልጂማዊት ጋንታ ሎቶ ክትጽንበር ኣብ ውሳነ ምስ ተበጸሐ፡ መጻኢ ቢንያም እንታይ'ዩ ክኸውን ዝብል ብንጹር ካብ ቢንያም ይዅን ካብታ ጋንታ ኣይተሰመዐን ጸኒሑ።

ሕጂ ግን እቲ ክሳብ 2028 ምስ ጋንታ ኢንተርማርች ኩንትራት ዝነበሮ ቢንያም ካብታ ጋንታ ከምዝተፋነወ ርግጽ ኰይኑ'ሎ፤ እታ ሽማ ካብ እስራኤል ፕሪሜር ቴክ ናብ ኤንኤስኤን ሳይክሊን ቲም [Never say Never cycling team] ዝቐየረት ጋንታ ንቢንያም ኣብ ሕቝፋ ክትጽንብሮ ምዃና ዳርጋ ርጕጽ ይመስል ኣሎ።