እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሰንኪ ባርዕ ምስ ሰለስተ ደቃ ህይወታ ዝስኣነት ነፍሰ ጾር ኣደ
ኣብ ሱዳን መዓስከር ስደተኛታት እምጉርጉር ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓንቲ ትግራወይቲ ኣደ ምስ ሰለስተ ደቃ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ጸብጻብ ቴሌቪዥን ትግራይ የመልክት።
እቲ መንግስታዊ መዓከን ዜና ንምንጭታቱ ጠቒሱ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እታ ኣደ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ትቕመጥ ከምዝነበረትን ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ኵናት ሓድሕድ ካብ ካርቱም ናብቲ እምጉርጉር ተባሂሉ ዝጽዋዕ መዓስከር ስደተኛታት ከምዝተመዛበለት ተፈሊጡ'ሎ።
እታ ኣደ ነፍሰጾር ከምዝነበረት ዝተገለጸ ኮይኑ በቲ ሓደጋ ምኽንያት ምሉእ ስድራ'ዩ ጠፊኡ ዘሎ።
ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ኣብ ካልእ ኡሙራኩባ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መዓስከር ስደተኛታት ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ክልተ ህጻናት ከምዝሞቱ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ጋዜጠኛ መድሃንየ ግደይ ገሊጹ ነይሩ።
እቶም ሽዑ ዝሞቱ ህጻናት ኣሕዋት ኮይኖም ወዲ ሓሙሽተን ወዲ ክልተን ዓመት ቆልዑት ከምዝኾኑ ይዝከር።
ኣብቲ ተጋሩ ስደተኛታት ዝቕመጥሎም መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳን የጋጥም ብዘሎ ተደጋጋሚ ሓደጋ ባርዕ ዛጊድ ህይወት 10 ስደተኛታት ተወለድቲ ትግራይ ከምዝሓለፈ ይግለጽ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከለሎ ብሰንኪ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ቅድሚ 4 ዓመት ካብ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ዝቕመጡ ግዳይ ሓደጋታት ውሑጅ ይኾኑ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።
ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ብዝተወልዐ ኵናት ምኽንያት፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ተጋሩ ናብ ሱዳን ሃዲሞም ኣብኡ ከምዘዕቖቡ ይፍለጥ።
ብተመሳሳሊ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተቐማጦ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ግዝያዊ መዕቖቢ ስደተኛታትን ቴንዳ ዘርጊሖም ክነብሩ ተገዲዶም ብምህላዎም ንሓሳረ መከራ ተሳጢሖም ከምዘለዉ ይንገር።
ቅድሚ ክልተ ዓመት ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብውዕሊ ፕሪቶርያ መስረት ነገራት ናብቲ ቅድሚ ኵናት ዝነበሮ ንቡር ኩነታት [status quo ante] ክምለስ ተሰማሚዖም'ኳ እንተነበሩ ዛጊት እዚ ኣብ ባይታ ክትግበር ኣይክኣለን ዘሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር ቀሪቡ ብዛዕባ ምምላስ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ተሓቲቱ ኣብ ዝመለሰሉ እዋን ንመራሕቲ ትግራይ ከሲሱ ነይሩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መደረኡ "ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ናብ መረበቶም ክመለሱ ዘይከኣሉ ብሰንኪ ፖለቲካን ሰብኣውነትን ዝተሓዋሶም ገለ ፖለቲከኛታት ትግራይ'ዩ" ኢሉ ነይሩ።
መራሕቲ ህወሓት ብወገኖም ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ውሑስ ክኸውን ከምዘይሰርሐ ይኸስዎ።
ሓደ ቢቢሲ ክረቑሖ ፍቓደኛ ዘይኮነ ላዕለዋይ ሓላፊ ናይቲ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ብወገኑ ኣብ ጉዳይ ምምላስ ተመዛበልትን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይን ንማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓታቲ ይገብር።
ንሱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ዘይተመለሰሉ ምኽንያት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመሰረት እቲ ዝፈረሞ ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ ቃሉ ስለ ዘይተረኸበ'ዩ፡" ኢሉ።
ምዕራብ ትግራይ ናብቲ ቅድሚ ኵናት ዝነበሮ ምምሕዳራዊ ግዝኣት ትግራይ እንተ ተመሊሱ መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ከይዅርዩ' ኢሉ ዝሰግኦም ሓይልታት ከም ዘለዉን ምስ ህወሓት ምሉእ ምትእምማን ስለ ዘየሎን ምስ ካልእ ናይ ደገ ሓይሊ ክራኸቡ ዕድል ዝኸፍት'ዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎ'ውን እቲ ሓላፊ ተዛሪቡ።