እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ፡ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሲመት ንዘይሕጋውያን ስደተኛታት ክኣስር ክጅምር እዩ
ንምክትታል ዶባት ኣመሪካ ሓላፍነት ዝተዋህቦ፡ ቶም ሆማን ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዓቢ ዘመተ ከም ዝገብር ቃል ኣትዩ'ሎ።
እቲ ኣብ ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሓላፍነት ተሰኪሙ ዘሎ ትካል ኣብ ኣመሪካ ብዘይ ፍቓድ ዝነብሩ ስደተኛታት ንምእሳርን ንምስጓግን ወፍሪታት ክጅመር ምዃኑ ምንጭታት ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ኣመሪካ ሲቢኤስ ሓቢሮም።
ይኹን'ምበር እቲ ብሓለዋ ዶብ ዝተገልጸ ስርሒታት ኣበይን መዓስን ክጅምር ከም ዝኽእል ንጹር ኣይኰነን።
ኣቐዲሞም ዝወጽኡ ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ፡ ካብ ሰሉስ ጀሚሩ፡ እቲ ፈላሚ ምጥራዝ ኣብታ ብብዝሒ ስደተኛታት ዝነብሩላ ከተማ ቺካጎ፡ ክጅምር ምዃኑ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ሆማን ግን ብሰንበት ንጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብዛዕባ እቲ ምጥራዝ ዝጅምረሉ ቦታ ሓበሬታ ስለ ዝዞሮቐ ምምሕዳር ትራምፕ ዳግማይ ይሓስበሉ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ትራምፕ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ እቲ ዝዓበየ መደብ ምስጓግ ከተግብር ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ።
ሆማን ድማ ኣብ ከምዚ ዓይነት ዘመተ፡ ገበነኛታትን ኣባላት ጕጅለ ገበንን ቀዳምነት ከምዝወሃቦም ገሊጹ።
ንሱ ንጋዜጣ ፖስት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዕላማታት ምጥራዝ ኣብ ምምሕዳር ቺካጎ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ዝሰፍሐ ቦታ ክካየድ ምዃኑ ገሊጹ።
"ኣይሲኢ (ICE) ካብ ቀዳማይ መዓልቲ ኣትሒዙ ስግኣታት ድሕነት ህዝቢን ስግኣታት ሃገራዊ ድሕነትን ንዝበሎ ሰባት ምእሳር ክጅምር'ዩ። ቅድሚ ሕጂ ብዝወጽአ መምርሒ ምምሕዳር ከይተደረትና ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከቡ [ዘይሕጋውያን] ሰባት ክንኣስር ኢና። ስለ ምንታይ ቺካጎ ብፍሉይ ተጠቒሳ ግን፡ ኣይፈልጥን፡" ኢሉ።
ኣብዚ ሰሙን ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ድማ ኣብ መላእ ሃገር "ዓቢ ወፍሪ" ከም ዝካየድ ቃል ኣትዩ።
ቅድሚ ሕጂ ከኣ ቺካጎ ነቲ ጃምላዊ ምስጓግ "ግራውንድ ዜሮ" መበገሲት ክትከውን ምዃና ገሊጹ ነይሩ።
ሆማን ኣብ መወዳእታ ሰሙን ኣብ ፎክስ ኒውስ ብዛዕባ እቲ ምስጓግ "ዘመተ" ዘይኰነስ "ዕላማ ዝገበረ ናይ ምትግባር ስርሒታት" ክኸውን'ዩ ክብል ሓቢሩ።
ነቲ ጻዕርታት ከኣ "ጽቡቕ ውጥን" ክብል ገሊጽዎ።
"ኣኽበርቲ ኢሜግሬሺንን ጉምሩክን፡ ንመን ከም ዝደልዩን ዳርጋ ኣበይ ከም ዝረኽብዎምን ብልክዕ ክፈልጡ'ዮም" ይብል ሆማን።
ንሱ፡ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ፕረዚደንትነት ትራምፕ ናይ ምስጓግ በረራታት ክጅምራ ትጽቢት ከም ዘለዎን፡ ካብ ከም ማሕበር ሲቪላዊ ሓርነት ኣመሪካ ዝኣመሰሉ ትካላት ናይ ምስጓግ ጻዕርታት መዓልታዊ ሓበሬታ ክቐርብ ትጽቢት ከም ዘለዎን ገሊጹ።
"ክንክሰስ ምዃንና ርግጸኛ እየ፤ ግን ክንገብሮ ኢና" ኢሉ።
ሪፓብሊካዊ ትራምፕ፡ ኣብቲ ቀዳማይ እብረ ፕረዚደንታዊ ስልጣኑ ኣብ 2017 እውን ብጃምላ ክጥረዝ ቃል ኣትዩ ነይሩ።
ይኹን'ምበር ኣብ መወዳእታ ኣስታት ፍርቂ ናይ ደሞክራት ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብተን ቀዳሞት ኣርባዕተ ዓመታት ካብ ዝገበሮ ቁጽሪ ፍርቂ ዝዀኑ ስደተኛታት ሰጒጉ እዩ።
መበል 47 ፕረዚደንት ትራምፕ ንፖሊሲ ዶባት ብሰፊሑ ዝድግፍ መደባት ሒዙ እዩ ናብ ስልጣኑ ዝመጽእ ዘሎ።
ኣብ ኒውዮርክ ታይምስን ኢፕሶስን ብሰንበት ዝተሓትመ ዳህሳስ ኣስታት 55% ኣመሪካውያን ንኸምዚ ዓይነት ጃምላዊ ምስጓግ ወይ ብትሪ ወይ ብመጠኑ ከም ዝድግፉ ኣረጋጊጹ'ሎ።
ትካል ኣኽበርቲ ሕጊ ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን (ICE) ወትሩ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ይሰጉግ እዩ።
ይኹን'ምበር፡ እቲ ሎሚ ድሕሪ በዓለ ስሜት ትራምፕ ዝጅመር ስርሒት፡ ነተን ምስ ሰበስልጣን ኢሚግሬሽን ፌደራል ምትሕብባር ዝድርታ "መዕቆቢ" ዝበሃላ ከተማታት ዒላማ ክገብር ከም ዝኽእል ትጽቢት ከም ዝግበር፡ ነቲ ውጥን ዝፈልጡ ክልተ ምንጭታት ንሲቢኤስ ሓቢሮም።
ኣብ ከባቢ ቺካጎ ዝርከቡ ሰበስልጣን ኣይሲኢ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ንዝርከቡ ሓለፍቲ እቲ ትካል ከይሓበሩ ኣብቲ ኣብዚ ሰሙን ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ወፍርታት ክጽንበሩ ከም ዝሓተቱ ሲቢኤስ ሓቢሩ።
ኒውዮርክ፡ ሎስ ኣንጀለስ፡ ዴንቨርን ማያሚን እውን በቲ ዘመተ ዒላማ ከም ዝዀና ዎል ስትሪት ጆርናል፡ ነቲ ውጥን ዝፈልጡ ስሞም ዘይተጠቕሰ ምንጭታት ብምጥቃስ ጸብጺቡ።
ገለ ጸብጻባት፡ ትራምፕ፡ ነተን ንውጥን ማእሰርቲ ዝዕንቅፋ ኣብያተ ክርስቲያናት ኰነ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ፖሊሲ ኢሜግሬሺን ከወግዶ ምዃኑ ይሕብሩ።
ኣብ ቺካጎ ኣብ ዝበዝሑ ላቲኖ ዝነብሩሉ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ኣምለኽቲ ስክፍታታቶም ንቢቢሲ ኣካፊሎም።
"ፈሪሐ ኣለኹ፡ እቶም ወረቐት ዘይብሎም ሰባት እንታይ ይስምዖም ከም ዘሎ ክግምት ኣይክእልን እየ" ይብል ዲ ካማቾ ዝተባህለ ወዲ 21 ዓመት ካብ ሜክሲኮ ዝመጽአ ሕጋዊ ስደተኛ።
ቀሺ ኤማ ሎዛኖ፡ "ሓሙሽተ ቈልዑ ዘለዎ ሰብ እንተተወሲዱ፡ ነቶም ቈልዑ መን ይኣልዮም? ናብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ድዮም ክኸዱ? ስድራ ቤት ክመቓቐል ድዩ?" እንታይ እዩ ክኸውን ብምባል ስግኣቱ ገሊጹ።
ኣብ ትሕቲ ፕረዚደንት ዲሞክራትስ ጆ ባይደን ዝነበረ ሕግታት፡ ብሓፈሻ ኣይሲኢ ንማእሰርቲ ከበድቲ ገበነኛታት ዝዀኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዶብ ዝሰገሩ ወይ ንሃገራዊ ድሕነት ሓደጋ ዘስዕቡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ቀዳምነት ክህብ ከም ዘለዎ እዩ ዘረድእ።
ጉጅለ ትራምፕ ብገበን ዝፈጸሙ ስደተኛታት ክጅምር ምዃኑ ምልክት ክህብ እንከሎ፡ ኩሎም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት - እንተላይ እቶም ኣብ ኣመሪካ ንነዊሕ ዓመታት ዝነብሩን ዝሰርሑን ገበናዊ ታሪኽ ዘይብሎምን - ናይ ምእሳርን ምስጓግን ተኽእሎኦም ዝለዓለ ክኸውን ይኽእል እዩ።
መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ኣብ ዝቖጽሩሉ ቦታታት ህንጸት ዝካየድ ዘመተ ኢሚግሬሽን'ውን ዳግማይ ክጅምር ትጽቢት ይግበር።
እዚ ድማ ብመንግስቲ ባይደን ተቛሪጹ ከም ዝነበረ ሲቢኤስ ሓቢሩ።
ይኹን'ምበር፡ እቲ ስርሒት ንሰበስልጣን ጸገማት ከስዕብ ይኽእል'ዩ - እሱራት ንምሓዝ እውን ናይ መጽንሒ ኣብያተ ማእሰርቲ የድሊ።
ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጆርጅያ፡ ብሓደ ቅድሚ ሕጂ ብስርቂ ድኳን ዝተኣስረ ዘይሕጋዊ ቬነዙዌላዊ ስደተኛ ዝተቐትለ ተመሃራይ ዝተሰምየ 'ላከን ሪለይ ኣክት' ዝብል ሕጊ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ብኮንግረስ ክጸድቕ ትጽቢት ይግበር።
እቲ ዝቐረበ ሕጊ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ኣመሪካ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝነብሩ ብገበናዊ ንጥፈታት ዝተጠርጠሩ ስደተኛታት ክእሰር ዝጠልብ እዩ።