እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ፡ 'ሑቲ ኢዶም ስለዝሃቡ ኣብ ልዕለኦም ዝካየድ መጥቃዕቲ ደው ክብል'ዩ' ኢሉ
ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ የመን ዝርከቡ ዕጡቓት ሑቲ እተካይዶ መጥቃዕቲ ከተቋርጽ ምዃና ዝገለጸ፡ እቲ ጕጅለ "ኢዱ ስለዝሃበ" እዩ ኢሉ።
ዖማን ምስቲ ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ ሑቲ "ተዅሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ" ከምዝተበጽሐ ብምርግጋጽ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መራኽብ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ደው ክብል'ዩ።
ፕረዚደንት ትራምፕ "[ሑቲ] ክዋግኡ ድልየት የብሎምን፡ ነዚ ድማ ነኽብሮ ኢና፣ ኢዶም'ውን ስለዝሃቡ ኣብ ልዕለኦም ዝፈስስ ቦምባታት ደው ከነብሎ ኢና" ክብል ኣብ ጐድኒ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ማርክ ካርኒ ካብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ተዛሪቡ።
ትራምፕ እዚ መግለጺ ምስሃበ - ቅሩብ ጸኒሑ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዖማን፡ እቲ ስምምዕ፡ ክልቲኦም ወገናት ሓደ ነቲ ካልእ ዒላማ ከምዘይገብሩ ብምጥቃስ፡ "ስሉጥ ዋሕዚ ኣህጉራዊ ንግዳዊ መራኽብን ምርግጋጽ ዝብል'ውን ከምዘጠቓልል ብጽሑፍ ገሊጹ።
ሑቲ ዛጊድ ብዛዕባ እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ርእይቶ ኣይሃቡን።
ኣሜሪካ ካብ መጋቢት ጀሚራ ኣብ ልዕሊ ሑቲ እተካይዶ መጥቃዕቲ ኣየር ዘሐየለቶ ኰይና ኣብ የመን 1000 ዒላማታቶም ዝወቕዑ ዕዉታት መጥቃዕቲታት ከምዝፈጸመት ሰራዊት ኣሜሪካ ይገልጽ።
ትራምፕ ኣብቲ ካብ ኦቫል ኦፊስ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሑቲ "ድሕሪ ሕጂ መራኽብ ከምዘየጥቅዑ" ገሊጹ።
እቲ ፕረዚደንት ኣስዒቡ፡ "ድሕሪ ሕጂ መራኽብ ከምዘየጥቅዑ ኣረጋጊጾምልና ኣለዉ፣ ዕላማ ናይቲ ንገብሮ ዝነበርና መጥቃዕቲ ድማ ንሱ'ዩ" ኢሉ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ዖማን በድር ኣል ቡሳይዲ ሃገሩ፡ ኣብ መንጐ ኣሜሪካን ዕጡቓት ሑቲን ዝተገበረ ጻዕሪ ሽምግልና ከምዝመርሐት ሓቢሩ።
"ንቐጻሊ ክልቲኡ ወገን ሓደ ነቲ ካልእ መጥቃዕቲ ኣይክገብርን'ዩ፤ እዚ ድማ መራኽብ ኣሜሪካ ሓዊስካ ኣብ ቀይሕ ባሕርን መጻብቦ ባብ ኤልመንደብን ዒላማ ኣይክግበራን'የን፤ እዚ ድማ ናጽነት ምንቅስቓስን ስሉጥ ዋሕዚ ኣህጉራዊ ንግዳዊ መራኽብን ዘረጋግጽ'ዩ" ኢሉ።
ሑቲ ምስቶም ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን መንፈሳዊ ሓድነቶም ብምርግጋጽ ኣብ ልዕሊ እተን ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ዝጀመሩ ኰይኖም፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ተፈጺምዎም'ዩ።
ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ መራኽብ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ብምክያድ ክልተ መራኽብ ዘጥሓሉ ኰይኖም ካልእ ሳልሰይቲ መርከብ ድማ ኣብ ቍጽጽሮም ድሕሪ ምእታው ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ናይታ መርከብ ቀቲሎም።
በቲ መጥቃዕቲ፡ ዓበይቲ ኩባንያታት መራኽብ ከይተረፋ ንመስመር ቀይሕ ባሕሪ ምጥቃም ደው ከብላ እንከለዋ ኣብ ክንድኡ ብደቡብ ኣፍሪቃ ተዃሊለን ክግዕዛን ንተወሳኺ ወጻኢታት ክቃልዓን ተገዲደን ኣለዋ።
ብኣሜሪካ ዝምራሕ ሓይልታት ሓይሊ ባሕሪ፡ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝፍጸም ዝነበረ ብርክት ዝበለ መጥቃዕቲ ሑቲ ከምዘፍሸለን፣ እቲ ኣብ ልዕለኦም ዝካየድ መጥቃዕቲ ብ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጆ ባይደን ከምዝጀመረን ይፍለጥ።
ሑቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰሜናዊ ምዕራብ የመን ኣብ ዝርከብ መዳጐኒ ማእከል ኣሜሪካ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብውሕዱ 68 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ከምዝተቐትሉ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ሑቲ ናብ እስራኤል ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ዝፈነወ ኰይኑ ሰንበት ዝተወንጨፈ ሚሳይል ኣብ ተልኣቪቭ ጥቓ መዓርፎ ነፈርቲ ቤን ጉርዮን ከምዝዓለበ ተገሊጹ።
እስራኤል ብግዲኣ ርእሰ ከተማ ሰንዓ ኣብ ዝርከብ ቀንዲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ የመን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ብምክያድ ምላሽ ሂባ። እዚ ድማ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ "ምሉእ ብምሉእ ከም ዝዓነወ" ኤኤፍፒ ዝጠቐሶ በዓል ስልጣን መዓርፎ ነፈርቲ ሓቢሩ።
መጥቃዕትታት እስራኤል ንመሳለጥያታት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ፋብሪካ ሲሚንቶን የመን ከምዝወቕዐ ተፈሊጡ'ሎ።