እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
የመን፡ 'ብመጥቃዕቲ ኣመሪካ ዝሞቱ ዝበዝሑ ኢትዮጵያን እዮም - ኤርትራውያን'ውን ኣለዉ' - መሰኻኽር ዓይኒ
ኣመሪካ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሑቲ ኣብ ዝርከብ ሰሜናዊ ምዕራብ የመን ብዘካየደቶ ደብዳብ ዝሞቱ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ከምዝዀኑ ተገሊጹ።
ኣብ ማእከል መዳጐኒ ስደተኛታት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 68 ኣፍሪቃውያን ከምዝተቐትሉ ሰበስልጣን ሑቲ ምሕባሮም ይፍለጥ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ዓይኒ ከኣ እቲ ቍጽሪ ልዕሊ እቲ ዝተጠቐሰ ምዃኑ ተዛሪቦም።
ኣልማሲራ ቲቪ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ በቲ ኣብ ዞባ ሳዓዳ ኣብ ዝርከብ መዳጐኒ ዝተኻየደ ደብዳብ ካልኦት 47 ሰባት ከምዝቘሰሉን፡ መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ከቢድ ኵነታት ከምዝርከቡን ሓቢሩ ነይሩ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ናይቲ ሑቲ ዝመርሖ ምምሕዳር፡ "ምስ ገበን ኲናት ዝዳረግ" ክብል ገሊጽዎ።
መዘኻኽር ዓይኒ እንታይ ይብሉ?
ኢትዮጵያውያን፡ ሶማላውያንን ካልኦትን ዜጋታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምእታው፡ ንየመን ከም መሰጋገሪ ይጥቀሙላ።
ብፍላይ ኣብ ዶባት ሰፋሕቲ መጥቃዕቲ ከምዘጋጥሞም ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብቲ ናብ ሰኑይ 28 ሚያዝያ 2025 ዘውግሕ ለይቲ፡ ኣብ ዞባ ሰዓዳ ዝርከብ መዳጐኒ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ዝሞቱ ሰባት ቍጽሮም ልዕሊ 100 ከምዝዀነ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ገሊጾም።
ዓብዱራሕማን ያሲን ዝተህባለ ነቶም ኣብ ከተማ ሰዓዳ ተሃሪሞም ኣብ ሆስፒታል ዝርከቡ ኣብ ምክንኻን ዝርከብ ኢትዮጵያዊ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ እቶም ዝሞቱን ዝቘሰሉን ዳርጋ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ተዛሪቡ።
"ብዓይነይ ዝርኣኽዎ፡ በቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ዝሞቱን ዝቘሰሉን ብዙሓት'ዮም። ክሳብ ሕጂ ከኣ 100 ከምዝሞቱ ከነረጋግጽ ክኢልና ኣለና" ኢሉ።
ኣስዒቡ፡ "20 ብኸቢድ ቆሲሎም ኣብዚ ኣነ ዘለኽዎ ሆስፒታል ሰዓዳ ይእለዩ ኣለዉ። ኵሎም ደቂ ተባዕትዮ ኢትዮጵያውያን'ዮም። መንግስቲ የመን'ዩ ንዅሎም ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ኣኪብዎም ነይሩ" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።
ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነባሪ እቲ ከባቢ'ውን እቲ ቁጽሪ ምውታት 127 ከምዝዀነ'ዩ ዝሕብር።
"ኣብቲ ቦታ ወተሃደራዊ መሳርሒታት ኣሎ መስለኒ - ኣመሪካ መጺኣ ደብዲባ። ብዙሓት ሰባት ድማ ተቐቲሎም። ከምቲ ዝሰማዕናዮ እንተዀይኑ እቶም 127 ኢትዮጵያውያን'ዮም" ኢሉ።
እቲ ቍጽሪ ልዕሊኡ ክኸውን ከምዝኽእል ዝሓበረ እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ኢትዮጵያዊ፡ ሶማላውያንን ኤርትራውያን'ውን ካብ መንጐ እቶም ግዳያት መጥቃዕቲ ከምዝዀኑ ሓቢሩ።
"እቲ ቦታ ካብ የመን ናብ ስዑዲ ዝሰግሩ ስደተኛታት ዝእሰርሉ መኻዚኖ'ዩ። ብዛዕባ እቲ ቍጽሪ ከኣ ኣዝየ ርግጸኛ'የ። ክዛይድ እውን ይኽእል'ዩ" ኢሉ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ መዓልቲ፡ 115 ስደተኛታት ኣብቲ ማእከል ከምዝነበሩ ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣብ ፍርስራስ ሓደ ዝዓነወ ህንጻ ዝተሸፈኑ ብዙሓት ሬሳታት ዘርኢ ቪድዮ ተዘርጊሑ'ሎ።
ሰራዊት ኣመሪካ ግን ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ መግለጺ የለን።
ኣብ መጀመርታ መጋቢት፡ ካብ ጅቡቲ ስደተኛታት ጽዒነን ዝተበገሳ ኣርባዕተ ጃላቡ፡ ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ የመን ብምግልባጠን ልዕሊ 180 ስደተኛታት ከም ዝጠሓሉ ይዝከር።
ካብቶም ግዳያት ናይ ገሊኦም ካልኣይ ቀብሪ ኣብ ደቡብ ትግራይ ከምዝተኻየደሎም ይዝከር።
'መጥቃዕቲ ሓዪሉ ክቕጽል እዩ'
ማእከላይ እዚ ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብ15 መጋቢት ኣንጻር ሑቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝእዝዝ ጀሚሩ ሓይልታቱ ልዕሊ 800 ዒላማታት ከም ዝሃረመ ድሕሪ ምግላጹ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እዩ እዚ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ዘሎ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ድማ "ኣማኢት ተዋጋእትን ብርክት ዝበሉ መራሕትን ሑቲ ከም ዝቐተሉ" ገሊጹ።
ሰብመዚ ሑቲ ግን፡ በቲ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉ ብምሕባር፡ ካብ መንጐ ኣባላት እቲ ጕጅለ ግን ውሑዳት ከምዝተቐትሉ ኣመልኪቶም።
ሑቲ ካብ ሕዳር 2023 ጀሚሩ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ብሚሳይላት፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ንኣሽቱ ጀላቡን መጥቃዕቲ ብምፍናው፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸራ መራኽብ ንግዲ ዒላማ ገይሮም እዮም።
ክልተ መራኽብ ኣጥሒሎም፣ ሳልሰይቲ ሒዞም፤ ኣርባዕተ ኣባላት መርከብ ድማ ቀቲሎም።
ማእከላይ እዚ ኣመሪካ፡ "ተልእኾ እቲ ወፍሪ ክሳዕ ዝፍጸም፡ እቲ መጥቃዕቲ ሓዪሉ ክቕጽል ምዃኑ፡ እዚ ድማ ኣብቲ ዞባ ናጽነት ምንቅስቓስ ንምውሓስን ድሕነት ምክልኻል ኣመሪካ ንምርግጋጽን እዩ" ኢሉ።
ሑቲ ምስ እስራኤል፡ ኣመሪካ ወይ ዓባይ ብሪጣንያ ጥራይ ዝተኣሳሰራ መራኽብ ዒላማ ከምዝገበሩ እዮም ዝገልጹ።
ብሰንኪ'ቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ልዕሊ 150 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ፡ 4.8 ሚልዮን ሰባት ከም ዝተመዛበሉን 19.5 ሚልዮን- ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ'ታ ሃገር፡ ተጸበይቲ ረዲአት ከምዝዀኑን ጸብጻባት ይሕብሩ።