እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወለዲ ናይቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ዝሃልቁ ዘለዉ ተጋሩ ስደተኛታት እንታይ ይብሉ?
ኣብዚ ሰሙን፡ ናይቶም ካብ ጅቡቲ ብጃልባ ተበጊሶም ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ የመን ዝጠሓሉ ስደተኛታት ናይ ገሊኦም ኣጎበል (ካልኣይ ቀብሪ) ኣብ ደቡብ ትግራይ ተፈጺሙ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓሙስ ካብ ጅቡቲ ስደተኛታት ጽዒነን ዝተበገሳ ኣርባዕተ ጃላቡ፡ ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ የመን ብምግልባጠን ልዕሊ 180 ስደተኛታት ከም ዝጠሓሉ ይፍለጥ።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ኣይ ኦ ኤም) ሃለዋት እዞም ስደተኛታት ከም ዝተሳእነን ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉን ኣፍሊጡ እዩ።
ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ 27 ለካቲት 2025 ጃላቡ ተገምጢለን ዝሞቱ መንእሰያት፡ ካብ ደቡብ ትግራይ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ዝኸዱ ትሕቲ 18 ዝዕድሚኦም ሰገናት ከም ዝርከብዎም ስድራ ግዳያት ንቢቢሲ ገሊጾም።
ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ዝርከቡ ስድራቤታት ድማ ድሮ ናይቶም በዚ ሓደጋ ዝሞቱ ስደተኛታት መርድእ ደቆም ተነጊርዎም፤ ካልኣይ ቀብሪ ከም ዝተፈጸመ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።
ደድሕሪ እተን ዝተገልበጣ ጃላቡ ስዒቦም ንምብጋስ ተዳልዮም ዝነበሩ ካልኦት ደቂዓዲ'ዮም፡ እቶም ሰገናት "ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ከም ዝሞቱ፡" ንስድራ ግዳያት ደዊሎም ነጊሮምዎም።
ጣብያ ሆርዳ ካብተን ዳግማይ ስርዓተ ቀብሪ እዞም ሰገናት ዝተፈጸመለን ከባብታት ሓንቲ ክትከውን ከላ፡ ሽድሽተ ስድራቤታት መርድእ ደቀን ተረዲአን ኣለዋ።
"ወደይ ናይ ስደት ሓሳብ ኣይነበሮን"
ካብ መንጎ እተን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ የመን ቅድሚ ምብጽሐን ዝተገልበጣ ጃላቡ፡ እታ ሓንቲ 31 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታትን ሰለስተ የመናውያን ሰራሕተኛታት ኣሳፊራ ከም ዝነበረት ኣሰውሸይትድ ፕረስ ጸብጺቡ ነይሩ።
ቢቢሲ ካብ ስድራ ግዳያትን ኣማሓዳሪ እታ ጣብያን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ድማ ዝበዝሑ እቶም ብዘጋጠመ ምግልባጥ ጃልባ ዝሞቱን ካብ ጣብያ ሆርዳ ዝኸዱ መንእሰያት ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰገናት ከም ዝዀኑ የመልክት።
ቢቢሲ ንስድራን ወለድን ካብቶም ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ የመን ዝሞቱ ሰገናት እዮብ ዝናቡ፣ መሓሪ ሽብሩን እያሱ ዝናቡን ኣዘራሪቡ።
ሰለስቲኦም ኣብ 15-16 ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ክዀኑ ከለዉ፡ ካብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ጣብያ ሆርዳ ብኸባብያውያን ኣሰጋገርቲ ተታሊሎም እዮም ነቲ ሓደገኛ ጕዕዞ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ስዑድ ዓረብ ንምእታው ወሲኖም ጕዕዞ ጀሚሮም።
ካብ ገዝኦም ኣብ ዝወጽእሉ ሓደ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ ግና እዚ ሓደጋ ከም ዘጋጠሞም ወለዶም ይገልጹ።
ኣይተ ዝናቡ ረዳኢ መርድእ ወዶም ወዲ 15 ዓመት እያሱ ዝናቡ ብቐዳም 29/06/2017 ኣቈጻጽራ ግእዝ እዩ ተነጊርዎም።
"ካብ ዓዲ (ገዛ) ወጺኡ ኣይፈልጥይ። ብዕለት 21 ንሕና ከይፈለጥና ካብ ገዛ ወጺኡ ጠፊኡ። ላዕልይ ታሕትይ ላበልና ቀኒና። ሓዩ ካብ ዝበሃል ከባቢ [ጁቡቲ] ዘሳፈሮም ሰብ ላብ ባሕሪ ኣትዮም'ዮም ኢሉ ደዊሉ ጸውዩና፡" ይብሉ።
እያሱ ናይ ሻምናይ ክፍሊ ትምህርቱ ዛዚሙ ናብ ታሽዓይ ክፍሊ ሓሊፉ ትምህርቱ ንምቕጻል ኣብ ምድላው ከም ዝነበረ ዝዛረቡ ኣቡኡ ኣይተ ዝናቡ፡ ወዶም እያሱ ናብ ስደት ናይ ምኻድ ሓሳብ ከም ዘይነበሮ ይገልጹ።
" 'ትምህርቲ ክመሃር እየ' እዩ ልብል ነይሩ። ናይ ስደት ሓሳብ ኣይነበሮይ፤ ኡሽ እብሉ ሰብ ኸደ ኢሉ እዩ ናብ ስደት ኸይዱ፡" ይብሉ።
ቢቢሲ ንወለዲ መዋቲ ሰገን መሓሪ ሽብሩ ወይዘሮ መብራህተ ከበደን ኣቡኡ ኣይተ ሽብሩን ኣብ ዘዘራረበሉ፡ ብኽያት ሓዘንተኛታት ይስማዕ ነይሩ። ንሞት ውላዶም ካብ ምርግጋጽ ብዝዘለለ ብዛዕባ እቲ ክስተት ብዝርዝር ከውግዑ ኣብ ዝኽእልኡ ኵነታት ኣይነበሩን።
ኣማሓዳሪ ጣብያ ሆርዳ ኣይተ ፋኖ ሓጎስ፡ ኣብቲ ንሱ ዘመሓድሮ ጣብያ ዝርከባ ቍሸታት መላሕሶን ሆርዳን ጥራሕ ኣብ ሓደ መዓልቲ ሽድሽተ ስድራቤታት ብቐዳም መርድእ ከም ዝተነገሮምን ብሰንበት ድማ ኣጎበል ከም ዝተፈፀመን ንቢቢሲ ይገልጽ።
"ካብ ሓደ ጐጥ ሽድሽተ ዕሸላት ቈልዑ ኣብ ባሕሪ ሞይቶም፡" ብምባል፡ ወዲ ሓፍቱ'ውን ካብቶም ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ዝሞቱ ሰገናት ሓደ ከም ዝዀነ ይሕብር።
ስድራ እዞም ግዳያት፡ ቅድሚ 10 መዓልታት ሃንደበት ደቆም እንክስእንዎም፡ ኣብቲ ከባብታት ደሃዮም ካብ ምድላይ ብዝዘለለ ናብ ስደት ክኸዱ እዮም ዝብል ጥርጣረ ኣይነበሮምን። በዚ ድማ ክሳብ እታ ገሊኦም ኣብ ክልል ዓፋር ገሊኦም ድማ ካብ ጅቡቲ ደሃይ ዝሰምዕሉ ዕለት፡ ኣብ ከባቢኦም ደሃይ ደቆም ክደልዩ እዮም ቀንዮም።
ኣይተ ፋኖ፡ "ብዕለት 21/06/ 2017 (ኣ.ግ) እዮም ተላዒሎም። እቲ መንገዲ ኣሻዕ ከም ዝበጽሕዎ….. ኣብ ሽድሸተ መዓልቲ'ዮም ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ በጺሖም። ካብ ገዛ ካብ ዝወጽኡ ኣብ ሻድሻይ መዓልቶም'ዮም ጥሒሎም፡" ይብል።
በዚ ሓደጋ ካብ መንጎ ዝሞቱ ሰገናት ወዲ 16 ዓመት እዮብ ዝናቡ ኣብርሃ፡ ንኣማሓዳሪ እታ ጣብያ ኣይተ ፋኖ ሓጎስ ወዲ ሓፍቱ እዩ።
"ተምሃራይ ሻምናይ ክፍሊ'ዩ፣ ካብ ትምህርቲ ኣቋሪጹ'ዩ ከይዱ። ሰለስተ መዓልቲ ምስ ጠፍአ ናበይ ከይዱ ኢልና ኢና ንደልዮ ነይርና። ደሓር ግና ናብ ስዑዲ ኢሉ ከም ዝኸደን ኣብ ሚለ (ክልል ዓፋር) ከም ዝበጽሐን ሰሚዕና፡ ዝደለኻዮ ክንገብረልካ ኢና ኢልና ክንምልሶ ብዙሕ ኢና ጽዒርና። 'ኣሕና ደጊም ከይድና ኢና ኣይንምለስይ' ኢሉና፡" ይብል።
ደደሕሪ እተን ዝተበገሳ ጃላቡ ንምስዓብ ዝተዳለዉ ግን ድማ ጕዕዞ ዘይጀመሩ ኣብቲ ገማግም ባሕሪ ይጽበዩ ዝነበሩ ደቂ ዓዶም ንሞት እዞም ሰገናት ከም ዘርድእዎም እዞም ስድራ ግዳያት ይገልጹ።
"ደቂ ጣብያና፡ እኒ እዮብ ዝጸዓነት ጃልባ ከም ዝተገልበጠት ነጊሮምና። 'ንሕና ጃልባ መሊኣ ቀሪና እነህና፡ እዞም ዝኸዱ ግና ተገምጢሎም' ኢሎምና፡" ይብል ኣኩኡ ንእዮብ ፋኖ ሓጎስ።
እዮብ፡ መሓሪን እያሱን መርኣያ እቲ ኣብ ትግራይ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንምብጻሕ ዝግበር ዘሎ ሕሱም ጕዕዞ ስደትን ምስ ብዙሕ ተስፋታቶም ኣብ ባሕሪ ዝተርፉ ዘለዉ መንእሰያትን እዮም።
"ደለልቲ ብገንዘብ እናዓሰቡ'ዮም ዘውጽእዎም"
እቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ኵናት ትግራይ ድሕሪ ምግትኡ ኣብ ትግራይ ከቢድ ማሕበረሰባዊ ቅልውላውን፡ ትሑት ቍጠባዊ ምንቅስቓስን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ሰፊኑ ይርከብ።
እዚ ኵነታት ንኣሰጋገርቲ ደቂሰብ ጥጡሕ ባይታ ከም ዝዀነሎም ድማ ካብ ትግራይ ዝወጽኡ ሓበሬታት የመልክቱ።
ኣማሓዳሪ እታ ኣብ ደቡብ ትግራይ ትርከብ ጣብያ ሆርዳ ኣይተ ፋኖ ሓጎስ፡ ኣብቲ ከባቢ ንጡፍ ምንቅስቓስ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ከም ዘሎን፡ እቶም ደለልቲ ኣብ ክልል ዓፋርን የመንን ምስ ዘለዉ ኣሰጋገርቲ ዝተኣሰሰሩ ከም ዝዀኑን ይሕብር።
እቶም ኣሰጋገርቲ ንትሕቲ ዕድመ ሰገናትን መንእሰያትን ዒላማ ብምግባር ገንዘብ ሂቦም እናታለሉ የስግርዎም ከም ዘለዉ ድማ ይገልጽ።
"ክሳብ እቲ ናብ ባሕሪ ዝበጽሕሉ ከባቢ ዝበጽሑ፡ ደለልቲ ነቶም ቈልዑ ናይ ሻሂ ኢሎም ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ሽሕ ብር ሂቦም የዕሽውዎም። ኣብ የመን ምስ በጽሑ ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ኣውጺእና ኢና ብምባል፡ ንወለዲ ልዕሊ 100 ሽሕ ብር የኽፍልዎም፡" ይብል።
ትካል ስደተኛታት ዓለም፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ የመን ካብ ዝተገልበጣ ጃላቡ ሃለዋት 181 ስደተኛታትን ሓሙሽተ የመናውያን ሰራሕተኛታት እተን ጃላቡን ከም ዝሰኣነ ገሊጹ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕኢ 60 ሽሕ ስደተኛታት ናብ የመን ከም ዝሰገሩ መረዳእታ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
ልዕሊ 580 ደቂኣንስትዮን 100 ህጻናትን ዝርከብዎም ልዕሊ 3,400 ስደተኛታት ድማ ሞይቶም ወይ ሃለዋቶም ኣይተፈለጠን።