'ፍሽኽ ክብል ዘገድደኒ ጸቕጢ'ሎ' - ደቀንስትዮ ኣብ ቦታ ስራሕ

ጓል 24 ዓመት እያ። ኣብ ናይሮቢ - ኬንያ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ትሰርሕ።

እዛ መንእሰይ፡ ኣብ ኣኼባታት ስራሕ ኰነ ካልእ ንእትኣምነሉ ነገር ብቐሊሉ እትርታዕ ስለ ዘይኰነት፡ ኣብቲ ናይ ርእሰን ርእይቶ ዘለወን መንእሰያት ደቀንስትዮ ዘይፈቱ ክፋል፡ ከም "ኣጸጋሚት" ከይትርአ ስግኣት ይሓድራ።

ኣብ መጀመርታ፡ ስራሓ ኵሉ ነገራት ባህ ዘብል ነይሩ። ጸኒሑ ግን፡ ንዝዀነ ፍጹም ደስ ዘይብል፡ ሕማቕ ዋዛታት ሓለፍቲ ፍሽኽ ክትብል፡ ክትስሕቕ ዘገድዳ ሃዋሁ ክርኣዮ ጀሚሩ።

ሓደ እዋን፡ ሓደ ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታ ቀዲሙዋ ዝተቘጸረ መሳርሕታ፡ ግብራዊ ክኸውን ዘይክእል ኰይኑ ዝተሰምዓ ሓሳብ ኣቕረበ።

ሽዑ፡ ቅልጥፍ ኢሉ ፌዝ (ነዚ ዛንታ ኢሉ ሽማ እዩ)፡ ርእይቶኣ ቅድሚ ምግላጻ እቲ መሳርሕታ ሽማ ጸዊዑ፡ "ፌዝ'ውን ምሳይ ትሰማማዕ እያ!" በለ።

ወሲኹ፡ "ትሰማምዒ ኢኺ ሓቐይ?" ክብላ እንከሎ፡ እቶም ካልኦት ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሩ ክጥምቱዋ ጀሚሮም።

ፌዝ ግን፡ ፈጺሙ ዝተሰማምዓትሉ ጕዳይ ኣይነበረን፤ ብሰንኩ ጸቕጢ ተሰሚዕዋ።

"ኣጸጋሚት ወይ ጠባያ ዝቀያየር ሰብ ገይሮም ክርእዩኒ ኣይደለኹን። ከይፈተኹ ፍሽኽ ንኽብል፡ ዘይኣመኩሉ ንክቕበልን ዓንቃፊት ንኸይብሃልን ዝገብረኒ ዘይተዘርበ ጸቕጢ ተሰሚዑኒ።"

ኣብቲ እዋን'ቲ ኣብ ሓደ ተደላዪ ኩባንያ ስራሕ ካብ እትጅምር ክልተ ዓመታት ገይራ ነይራ።

ኣብ ስድራኣ ክኣ፡ ፈላመይቲ ናብ ዩኒቨርሲቲ ክትኣቱ ዝኽኣለት ጓለንስተይቲ ብምዃና፡ ብዙሕ ክትበጽሖ ዝደለየት ነገራት ነይርዋ።

"ኣብ ከምዚ ዝበለ ጀማሪ መድረኽ ምስ መሳርሕተይ ዘይምስምማዕ እንተጀሚረ ከመይ ኢለ'የ ክስጕም?" ኢላ ንነብሳ ትሓትት።

ፌዝ፡ እቲ ኣብ ህንዲ፡ ናይጀርያን ኬንያን ትዅረት ገይሩ ዝተዳለወ ጸብጻብ ደቀንስትዮ ኣብ ቦታ ስራሕ 2025፡ ሒዙዎም ዝወጽአ ጸቕጢታት ካብ ዝወረደን ደቀንስትዮ ሓንቲ እያ።

እቲ ጸብጻብ፡ ነዚ ኵነታት "እቲ ዝተሰብረ መደያይቦ" ኢሉ ይገልጾ።

እዚ ድማ ኣብ መሳልል ትካላት ንዘሎ ርኡይ ዕንቅፋት ዘመልክት ኰይኑ፡ ኣብ መንጐ ናይ መጀመርታ ደረጃን ተራታት ምሕደራን ዘሎ ውክልና ደቀንስትዮ ኣዝዩ የንቈልቍል ምህላው የርኢ።

ኣብ ግንቦት 'ማኪንዚ' ብዝተባህለ ናይ ምሕደራ ኣማኻሪ ትካል ዝተሓትመ ጸብጻብ፡ ንመጀመርታ ግዜ ዓመታዊ መጽናዕቱ ክንዮ ሰሜን ኣመሪካ ኣስፊሑ፡ ኣብዘን ሰለስተ ዓበይቲ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዘለዋ፡ ደቀንስትዮ ኣብ ላዕለዎት ጽፍሒ መሪሕነት ብዓቢኡ ትሑት ውክልና ከም ዘለወን ኣረጋጊጹ።

ኣብ ኬንያ፡ ደቀንስትዮ ኣብ ከም ክንክን ጥዕናን ፋይናንሳዊ ኣገልግሎትን ዝኣመሰሉ ዓውድታት ኣብ ጀማሪ ደረጃ 50 ሚእታዊት ውክልና ክህልወን እንከሎ፡ ኣብ ላዕለዎት ደረጃታት 26 ሚእታዊት ጥራይ ኰይኑ ተረኺቡ።

እዚ ኣብ ናይጀርያን ህንድን'ውን ተመሳሳሊ እዩ።

ፌዝ፡ ነቲ ኣብቲ ኣኼባ ዝነበረ መሳርሕታ ኣይተማጐተቶን፤ እኳ ደኣ ፍሽኽ ኢላ ዋላ ሓንቲ ቃል ከይተረዛበት ሓለፈቶ።

እዚ ከምዚ ዓይነት ተመኵሮ፡ ክኢላታት "likeability labour" ኢሎም ይጽውዕዎ።

"[እዚ] ነቲ ምእማኑ ዘጸግም ጭንቀት ዝፈጥር ክውንነት ብፈኲስ ዝገልጽ ቃል'ዩ፡" ትብል ክኢላ ስነማሕበረሰብን ሓላፊት ናይቲ ነዚ ቃል ዝቐረጸ ትካል ኣማኻሪ ርክባት ጉድ ሻውት ዝዀነትን ኤሚ ኪን።

እዚ፡ "ደቀንስትዮ ኣብ ቦታ ስራሕ ንኽፍተዋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዝገብርኦ ቀጻሊ ዳግመ ግምት፡ ልዕሊ ዓቐን ምሕሳብ፡ ፍርሒ፡" ዘመልክት ምዃኑ ትረዛብ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ትካል መጽናዕቲ- ሼፕሺፍተርስ- 56 ሚእታዊት ደቀንስትዮ ኣብ ስራሕ ፍቱዋት ንክዀና ዘይተኣደነ ጸቕጢ ከም ዝስምዐን ይገልጽ፤ ደቂ ተባዕትዮ 36 ሚእታዊት ጥራይ እዮም ዝሕዙ።

ኣብ መላእ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ 1000 ደቀንስትዮ ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ ዝተመርኰሰ እቲ ጸብጻብ፡ ጾር ምፍታው ኣብ ሞያዊ ሃዋሁ ክሳብ ክንደይ ሱር ዝሰደደ፡ ከምኡ'ውን ብዘይፍትሓዊ መገዲ ዝተዘርግሐ ምዃኑ'ውን የጕልሕ።

መብዛሕትኡ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ዋላ'ውን ብዛዕባ እቲ ዝዛረባሉ ዘለዋ ርእሰ ጕዳይ ምሉእ ርእሰ ምትእምማን እንተሃለወን፡ 'ከይጸልኡኒ' ካብ ዝብል ስክፍታ ኣዘራርባአን ኣለስልስ ከብላኦ ከም ዘለወን ይስምዐን።

ልሙዳት ሓረጋት፡ "እቲ ዝብሎ ዘለኹስ ትርጕም ዘለዎ ዶ ይመስለኩም? ይቕሬታ . . . ቅልጥፍ ኢለ ጥራይ ክዛረብ . . ." ክብላ ንዘዕበን።

እዚ ዓይነት ቀጻሊ ርእሰ-ኣርትዖት፡ ክበጽሐን ካብ ዝግመት ጸቕጢ ንምክልኻል ብዝብል ዝጥቀማሉ ኰይኑ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ርግጸኛ ወይ ሞጓቲት ኰይነን ከይርኣያ ብዝብል ዝኽተልኦ ኣገባብ ምዃኑ ኪን ትገልጽ።

"እዚ ደርባዊ ባእታ'ውን ኣለዎ፡" ትብል ንዓባይ ብሪጣንያ ብምጥቃስ።

"ኣብ ትሑት እቶት ዘለዎም ስርሓት ዝተዋፈራ መራሕቲ ስድራ ደቀንስትዮ ኰነ ኣብ ዓበይቲ ትካላት ዝሰርሓ፡ [ብርእሰ ምትእምማን ዝዛረባ እንተዀይነን] ተነቀፍቲ እየን፡" ኢላ።

ንብዙሓት ኣብ ውልቃዊ ሃዋሁ ንነብሰን ምሕላቕ ዘይለመዳ ደቀንስትዮ፡ እቲ ጸቕጢ ካብ ምምስሳል ወይ ዝያዳ ፍትው ምዃን ዝዛየደ እዩ።

"ፍትው ምዃን ብቐሊሉ ዝውሰድ ኣይኰነን፤ እቲ ጕዳይ ውሑስ ምዃን፡ ተሰማዕነት ምርካብን ብዕቱብ ዝወስደካ ሰብ ምህላው ምፍላጥን'ዩ፡" ክትብል ኪን ተረድእ።

ኣብ 2024 ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ትካል ምልመላ ቴክስቲዮ ዘካየዶ መጽናዕቲ ነዚ ይድግፍ።

ኣብ 253 ትካላት ካብ 25,000 ውልቀሰባት ዝተረኽበ መረዳእታ ብምትንታን፡ ደቀንስትዮ ኣብ ስብእና ዝተመርኰሰ ግብረ መልሲ ናይ ምርካብ ተኽእሎአን ኣዝዩ ዝለዓለ ምዃኑን፣ 56 ሚእታዊት ደቀንስትዮ ኣብ ገምጋም ኣፈጻጽማ "ዘይተፈተውቲ" ዝብል ስያመ ከም ዝተዋህበን የመልክት።

ኣብዚ፡16 ሚእታዊት ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ'ዮም ከምዚ ዓይነት ነቐፌታ ተዋሂቡዎም።

ብኣንጻሩ ደቂ ተባዕትዮ፡ ካብ ካልኦት ጾታታት ብኣርባዕተ ዕጽፊ ዝያዳ "ተፈተውቲ" ተባሂሎም ብኣወንታ ክጽውዑ ይኽእሉ።

"ደቀንስትዮ ብዝተሓዋወሰ ማሕበራውን ባህላውን ምኽንያታት ንኽፍተዋ ዝገብረን ስርሓት ይዓማ፡" ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማልቲሚድያ ኬንያ ክኢላ ስነማሕበረሰብን ላዕለወይቲ መምህርን ዶክተር ግላዲስ ንያቺዮ።

"ደቀንስትዮ ብሓፈሻ ኣለይቲ ንክዀና፡ ንኸገልግላን ድሌታት ካልኦት ቅድሚ ገዛእ ርእሰን ንኽሰርዓን እየን ዝቕረጻ፤ እዚ ከይተቐየረ ናብ ናይ ስራሕ ቦታ ሰጊሩ ንረኽቦ፡" ትብል ዶክተር ንያቺዮ።

እዚ "ብቋንቋ ኪስዋሂሊ - 'ኣደ ቤት ጽሕፈት' ዝብል ቃል እዩ ዝገልጾ ክትብል ተረድእ።

እታ ኣደ ቤት ጽሕፈት ድማ፡ ሓደ ስራሕ ብግቡእ ከመም፡ ተወሳኺ ሃልኪ ትገብር፡ ሻሂ ተዳሉ፡ መግቢን ካልኦት ኣገልግሎታትን ብምሃብ ትውፈ።

ጓለንስተይቲ ከምዚ ክትገብር ምድላያ ጸገም እኳ እንተዘይሃለዎ፡ "ደሞዝ ግን ኣይክትረኽበሉን፤ ስራሕካ ክትሰርሕ ትጽቢት ይግበር፤ ምናልባት'ውን ተወሳኺ ስራሕ ክትሰርሕ ዝጽበዩዋ ምዃኖም'ዩ፡" ትብል።

ዶክተር ንያቺዮ፡ እዚ ጸገም ንምውጋድ ናይ ፖሊሲ ለውጢን ምትብባዕ ደቀንስትዮን ከም ዘድሊ ትኣምን።