እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እኩብ ሰብ ንምሕታት ዝጽገማ ስለምንታይ እዩ?
ደቂ ኣንስትዮ መደባት ራድዮ ከቕርባን ኣብ ቅድሚ ኣማኢት ተዓዘብቲ ዝተፈላለየ ህዝባዊ መደባት ክመርሓ ይረኣያ እየን።
እንተዀነ፡ ሕቶ ምሕታት ኣብ ዘድልየሉ፡ ማለት ኣእዳው ምውጻእ ኣብ ዝጅምረሉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እተን ቀዳሞት ዊጥ ዝብላ ኣእዳው ኵለን ናይ ደቂ ተባዕትዮ እየን።
ብርግጽ ደቂ ኣንስትዮ ክሓታኦ ዝደልያ ሕቶታት ክውሕድ ይኽእል እዩ፤ ብዙሕ ግዜ ግን ከምኡ ኣይኰነን።
ኣብ ሓደ መድረኽ፡ ደቂ ኣንስትዮ ካብቶም ተሳተፍቲ ክሓተኦ ደልየን ዝነበራ ሕቶ ነጊረናኒ እየን፡ ግን ከኣ ኣይሓተታን። ብሓቂ ጽቡቕ ሕቶ እዩ ነይሩ።
ናይ ዓመታት ተመሳሰሊ ተመኵሮታተይ፡ መጽናዕትታት ክጥምት ደሪኹኒ እዩ።
መብዛሕትኡ ኣብዚ ኣርእስቲ ዝግበር መጽናዕቲ ንህዝቢ ክፉት ዝዀነ ፍጻመታት ዘይኮነስ ኣብ ኣካዳሚያዊ ዋዕላታት ተሳተፍቲ ብምዕዛብ ዝተገብረ እዩ፤ ከምኡ ዀይኑ'ውን መሃሪ እዩ።
እቲ መርትዖታት ከም ዝሕብሮ እቲ ናተይ ተመኵሮ ዘይንቡር ኣይኰነን።
ንኣብነት ሾሻና ጃርቪስ ካብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ በርክለይ ኣብ 2022 ዝተሓትመ መጽናዕቱ፡ ካብ ተመራመርቲ ስነ-ህይወት ክሳብ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠትን ስነ-ቝጠባን ንዅሉ ዝሓቘፈ ዋዕላ መን ዝበዝሕ ሕቶታት ከም ዝሓተተ ተዓዚቡ።
እቲ ኣገባብ፡ ካብ መንበርካ ተንሲእካ ኣብ ማይክሮፎን፡ ኣብ ቅድሚ ተሳተፍቲ ደው ኢልካ ኵሉ ሰብ እናረኣየካ ዝሕተተሉ ዋዕላ እዩ ነይሩ።
ካብቶም ተሳተፍቲ 63% ደቂ ተባዕትዮ ስለዝነበሩ፡ 63% ሕቶታት ካብ ደቂ ተባዕትዮ ክመጽእ ትጽቢት ክትገብር ትኽእል ኢኻ፤ ብግብሪ ግን ደቂ ተባዕትዮ 78% ሕቶታት ሓቲቶም።
ኣብ 10 ሃገራት 250 ኣካዳሚያዊ ክፍልታት ሰሚናራት ኣብ ዝተዓዘብናሉ እዋን እውን ተመሳሳሊ እዩ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮለጅ ለንደን እትርከብ ኣሌሻ ካርተር ዝምራሕ መጽናዕቲ እዩ ተኻይዱ።
ንሳ፡ ብማእከላይ ገምጋም ቍጽሪ ናይቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ማዕረ እኳ እንተዀነ፡ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ብኽልተ ዕጽፊን ፈረቓን ሕቶ ናይ ምሕታት ተኽእሎአን ከም ዝወሓደ ኣረጋጊጻ።
ሓቂ እዩ፡ ኣብዞም መጽናዕትታት እቶም ተዓዘብቲ ነቲ ዝተሓተተ ጭቡጥ ሕቶታት ጥራይ እምበር መን ኢዱ ኣውጺኡ ኣብ ዝብል ኣይኮኑን።
ስለዚ እቶም ተቐበልቲ ሕቶ፡ ነቲ ሕቶታት ካብ ደቂ ተባዕትዮ ክወስዱ ዝመረጹሉ ተኽእሎ እውን ኣሎ።
ንደቂ ኣንስትዮ እንታይ እዩ ንድሕሪት ዝጐተን ዘሎ?
ደቂ ኣንስትዮ ዘይሓታ፡ ዘገድሰን ሕቶ ስለዘይብለን ኣይኰነን።
ኣሌሽያ ካርተር፡ ካብ 20 ሃገራት ካብ ዝመጹ 600 ምሁራት ንዝተገብረ መጽናዕታዊ መልሲ ተንቲናቶ።
ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ሓደ ሓደ ግዜ ዋላ ሓንቲ ሕቶ ኣብ ኣእምሮኦም እንተሃለወ ክሓቱ ድሌት ከምዘይነበሮም ተዓዚባ።
ደቂ ኣንስትዮ ግን እቲ ዘይሓተታሉ ምኽንያት፡ ንኽሓታ ድፍረት ስለዝስእና፣ ነቲ ዓውዲ ብጌጋ ተረዲአንኦ ከይኰና ብምስጋእ፡ እቲ ኣቕራቢ ኣዝዩ ፍሉጥ ወይ ዘፍርሕ ምዃኑ፡ ወይ ድማ ሕተኦን ንባዕለን ግልጺ ዘይኰነለን ምዃኑን፡ ጽቡቕ ሕቶ ክሓትት ድየ ዝብል ስክፍታ ኣለወን።
ብርግጽ፡ ኣብ ቅድሚ ሰለስተ ሚእቲ ሰባት፡ እቲ ቀንዲ ቍምነገር [ኣርእስቲ] ከም ዝሰሓተ ክንገር ዝደሊ ሰብ የለን።
እዚ መጽናዕቲ ግን እዚ ዝንባለ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ንድሕሪት ናይ ምጉታት ተኽእሎኡ ዝለዓለ ምዃኑ ይሕብር።
ካብ ደቂ ኣንስትዮ ብዕጽፊ ዝበዝሑ ደቂ ተባዕትዮ፡ ጌጋ ዝረኣዩ ኰይኑ ክስምዖም እንከሎ፡ ሕቶ ንኽሓቱ ከምዝደፋፍኡ ይዛረቡ።
ኣብ ኣመሪካ ጃርቪስ፡ ደቂ ኣንስትዮ ሕቶ ምሕታት ኣዝዩ ጭንቀት ከም ዝፈጥረለን ክዛረባ እንከለዋ፡ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ሕቶ እንተዘይሓቲቶም፡ ንኻልኦት ቦታ ንምሃብን፡ እቲ መድረኽ ውሑዳት ከይዕብልለዎ ብምሕሳብን ከምዝዀነ ይዛረቡ።
ብዛዕባ እንታይነት ናይቲ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝሓቱዎ ሕቶታት እውን ተመርሚሩ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ደቂ ተባዕትዮ ነዋሕቲ ሕቶታት ናይ ምሕታት ወይ ኣብ ሓደ እዋን ልዕሊ ሓደ ሕቶ ክሓቱ ተኽእሎኦም ዝለዓለ ዀይኑ ተረኺቡ።
እቲ ጸገም ግን፡ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ኣይኮኑን ።
ጂልያን ሳንድስትሮም ካብ ዩኒቨርሲቲ ሳሴክስ፡ ኣብ 160 ቀጥታዊ ዋዕላታት ወይ ህዝባዊ መድረኻት ንዝቐረቡ ልዕሊ 900 ሕቶታት ምስተንተነት፡ ገና ኣብ ዘይተሓትመ መጽናዕታዊ ጽሑፋ ከምዝሰፈረቶ፡ ኣብ ጾታ ዝተመርኮሰ ፍልልይ ኣይረኸበትን።
እንተዀነ፡ ናይቶም ደቂ ተባዕትዮ ሕቶታት፡ ነዊሕ ክኸውን ወይ ብዙሕ ክፋላት ክህልዎ ተኽእሎ ነይርዎ።
ካልኦት መልክዕ ኣተሓትታ፡ ከም ንኣቕራቢ ብሰላምታ ምጅማር፡ ምንኣድ ወይ ንነብሶም ብምልላይ ክነጻጸሩ ከለዉ፡ ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ፍልልይ ኣሎ።
ደቂ ኣንስትዮ ነቲ መድረኽ ዘሎ ኣቕራቢ ብሰላምታ ናይ ምጅማር ተኽእሎአን ልዑል እዩ።
ብዝዀነ ኵሉ ሰብ ሕቶ ክሓትት ግዜ ስለዘየለ፡ ገለ ሰባት ብድሌቶም እንተዘይሓቲቶም፡ ብሓቂ ትርጕም የብሉን፡ ክበሃል ይኽእል እዩ።
እቲ ጸገም ፍርቂ ተሳተፍቲ ንኽጽንበሩ ፍቓደኛታት እንተዀይኖም፡ ከምቲ ብኻልእ ኣገባብ ክትረኽቦ እትኽእል ዝተፈላለየን ኣድላይን ዝርዝር ሕቶታት ኣይትረክብን ትኸውን።
ክሳብ ሕጂ እቶም መጽናዕትታት ኣብ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘተኮረ ዝንባለ ኣለዎ።
እንተዀነ፡ ካልኦት ትሑት ውክልና ዘለዎም ወይ ዝተገለሉ ጕጅለታት እውን ሕቶታት ካብ ምሕታት ይዕቀቡ ድዮም ዝብል ምርኣይ ጽቡቕ ምዀነ።
ሕቶታት ምሕታት ትዅረት ክትረክብ ይሕግዝ እዩ፤ ዝበለጸ ስራሕ ክትረክብ እንተደሊኻ ድማ ውፅእ ኢልካ ክትርአ ኣገዳሲ እዩ።
ተመራማሪ ጁንሃንሉ ዣንግ፡ ኣብ ኢንሲቱት ፓስተር፡ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ተደሪኹ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ሰባት፡ ብዙሕ ሕቶታት ዝሓቱ ኣስማት ናይ ምዝካር ተኽእሎኦም ዝለዓለ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ብርግጽ ኣስማቶም ናይ ግድን ብኣወንታ ተዘኪሩ ማለት ኣይኰነን። ምናልባት እቶም ብቐጻሊ ሕቶታት ዝሓቱ ዘሕርቑ ብምዃኖም ይዝከሩ ይዀኑ።
እቲ ካልእ ጸገም፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምጅማር ኣካዳሚያዊ ሞያአን፡ ሕቶታት ክትሓትት ምፍራሕ ከምዘየድልየካ፡ ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ መርአያ ዘይምህላወን እዩ።
ስለዚ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ንኽሓታ እንታይ ክግበር ይከኣል?
ምስ ምትእትታው ኣገልግሎት ኢንተርነት ተኣሳሲሩ፡ ዓው ኢልካ ሓንቲ ቃል ከይተዛረብካ፡ ብቐጥታ ብኦንላይን ሕቶታት ክትሓትት ሓድሽ ዕድል ኣሎ።
ሓድሓደ ግዜ ስምካ ከይተገልጸ፡ ኢድ ዊጥ ምባል ከየድለየካ፡ ምፍራሕን ስንባደን ከየሰከፈካ፡ እቲ ማይክ ይሰርሕ ድዩ ወይስ ኣይሰርሕን ዝብል ስክፍታ ከይሓደረካ፡ ኣብ ስክሪን ኣብ ዝርከብ ናይ ዕላል ሳጹን ብምጽሓፍ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
እቲ መራሒ መድረኽ ድማ ኣብ ጣውላ ዝርዝር ሕቶታት ይቕበል።
ካብኡ ዝሓሸ ድማ፡ ሕቶኻ ኣቐዲሙ ብኻልእ ተልዒሉ እንተነይሩ፡ ነቲ ሕቶ ናብ ፓነል ኣየቕርቦን እዩ። ዕሽሽ ኢሎም ክሓልፍዎ እዮም። ስለዚ ብርግጽ እዚ ገለ ካብቲ ጭንቀት ከወግድ ይኽእል እዩ።
ኣብ ናይ ኦንላይን ፍጻመታት ደቂ ኣንስትዮ ልክዕ ከም ደቂ ተባዕትዮ ብዙሕ ሕቶታት ይሓታ’ዶ ንዝብል ግን፡ ሕጂ’ውን፡ 'ኣይፋሉን' ይብል ተመራማሪ ዣንግ።
ኣብ ሰነ 2021 ብኢንተርነት ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ባዮኢንፎርሜቲክስ ፈረንሳ ብዝሒ ሕቶታት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን መዝጊባ።
እዚ መድረኽ፡ ክሳብ ቀረባ እዋን ዝበዝሑ ልኡኻት ደቂ ተባዕትዮ ዝሳተፍሉ ዓውዲ ኰይኑ፡ እቲ ዋዕላ ብኦንላይን ምስ ኰነ ግን ዳርጋ ማዕረ ቍጽሪ ጾታ ተሳተፍቲ ነይሮም።
እንተዀነ፡ ደቂ ተባዕትዮ 115 ሕቶታት ክሓቱ እንከለዉ፡ ደቂ ኣንስትዮ ድማ 57 ሕቶታት ጥራይ ኣቕሪበን።
ኣብ ደረጃ ዕድመ እውን ለውጢ ተራእዩ።
ልዕሊ 35 ዓመት ዝዕድመኦም ደቂ ተባዕትዮ ካብ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ውሑዳት ጾታታትን ልዕሊ ትሽዓተ ዕጽፊ ሕቶታት ሓቲቶም።
ሳንድስትሮም፡ ኵሉ ሰብ ሕቶ ክሓትት ምቹእ ኵነታት ኣብ ምፍጣር፡ መራሕቲ መድረኽ ተራ ከምዘለዎም ይኣምን።
ብመሰረት መጽናዕቲ ዣንግ፡ ጾታ እቲ መራሒ ዝዀነ ጽልዋ ኣይነበሮን። ለውጢ ንምምጻእ ክጥቀመሉ ዝኽእል ስትራተጂታት ግን ክህሉ ይኽእል እዩ።
ሓደ ወዲ ተባዕታይ ቀዳመይቲ ሕቶ እንተሓቲቱ ብድሕሪኡ ስዒበን ዝሓታ ብዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ሒደት ምዃነን ተረጋጊጹ።
ስለዚ ምናልባት፡ እታ ቀዳመይቲ ሕቶ እትሓትት ጓል ኣንስተይቲ ምምራጽ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ብዝበለጸ ድማ ንእሽቶ ጓል ኣንስተይቲ ኢዳ ምስ እተውጽእ ጽቡቕ ምዀነ።
ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ብዛዕባ ኣብዚ ዓውዲ ዝተገብረ መጽናዕቲ ንተሳተፍቲ ነጊረዮም ነይረ።
ቀዳመይቲ ክትሓትት እትደሊ ጓል ኣንስተይቲ እንተሃልያ ድማ ብግልጺ ሓቲተዮም እየ።ካልእ ተመሳሳሊ መጽናዕቲ ኣማራጺ ኣቀራርባ ከምዘድሊ የመልክት፤ ኣብ መንጎ ኣቕራባይ ጽሑፍ ምጅማርን፤ ክፍል ግዜ ሕቶን መልስን ተዓዘብትን ሓጺር ዕረፍቲ ምህላው።
እዚ ጽቡቕ ውጥን ይመስል፤ ምኽንያቱ ሰባት ሕቶታቶም ኣብ ጥቐኦም ምስ ዘለዉ መቓምጦም ቀዲሞም ክዘራረብሉ ዕድል ስለ ዝህብ።
እዚ ፈቲነዮ እየ። ኣዝዩ ዝበዝሕ ሕቶታት ድማ ይመጸካ፤ ምኽንያቱ ሰባት ሕቶኦም ዕሽነት ከምዘይኰነ ንምርግጋጽ ዕድል ይህቦም።
ደቂ ኣንስትዮ እውን ኣብ ነዊሕ ግዜ ዝያዳ ሕቶታት ክሓታ ተራእየን እየን።
ስለዚ ምናልባት ንሕቶታት ተሳተፍቲ ዝያዳ ግዜ ምፍቃድ ዝብል ኣማራጺ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ዋላ እኳ እዚ ዅሉ ሰብ ዝድግፎ ነገር ከምዘይኮነ እንተተገንዘብኩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኣካዳሚያዊ ኩነታት ኣብ ዝካየድ መጽናዕቲ ኢና እንምርኰስ ዘለና።
ኣብ ህዝባዊ ኣኼባታት’ውን ከምኡ ይፍጸም ድዩ ኣይፍጸምን ምፍላጥ መሳጢ ምዀነ።
ዝዀነ ዀይኑ፡ ብልጫ ናይዞም ዳሕረዎት ኣማራጺታት፡ ንደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዘይዀኑስ፡ ንዝዀነ ዝተገለለ ኰይኑ ዝስምዖን ዘይዛረብን ሰብ፡ ዝሕግዝ እዩ።