እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰሜን ኮርያ፡ ወተሃደራታ ኣብ ጐድኒ ሩስያ ከምዘሰለፈት ንመጀመርያ ግዜ ብወግዒ ኣሚና
ሰሜን ኮርያ፡ ወተሃደራታ ኣብ ኲናት ዩክረይን ኣብ ጐድኒ ሩስያ ከምዘሰለፈት ንፈለማ ግዜ ኣሚና። ሰራዊት እታ ሃገር፡ ብመንገዲ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "መራሒ ኪም ዮንግ ኡን ብዝሃቦ መምርሒ መሰረት፡ ሰራዊትና ኣብ ጐድኒ ሩስያ ተሰሊፉ፡ ዞባ ኩርስክ ሓራ ንምውጻእ ምሉእ ብምሉእ ሓጊዙ እዩ፡" ኢሉ።
ፒዮንግያንግ ነዚ ትገልጽ ዘላ፡ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሩስያ ቫለሪ ገራሲሞቭ፡ ንፈለማ ግዜ ብወግዒ "ጅግንነት" ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ድሕሪ ምምጓሱ እዩ።
ሰበስልጣን ምዕራባውያን ሃገራት፡ ካብቶም ናብ ሩስያ ዝተላእኩ 11 ሽሕ ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ 1 ሽሕ ዝዀኑ ኣብቲ ኲናት ከምዝተቐትሉ ክገልጹ ተሰሚዖም እዮም።
ሓለቓ ስታፍ ሩስያ ብተወሳኺ፡ ሩስያ ንምዕራባዊ ዞባ ኩርስክ ደጊማ ምሉእ ብምሉእ ከምዝተቘጻጸረት ገሊጹ፤ ነዚ ግን ዩክረይን ትነጽጐ።
ኣሜሪካ ንመግለጺ ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝሃበቶ ግብረመልሲ፡ ሰሜን ኮርያ ኣብ ምንዋሕ እቲ ኲናት ብዝተጻወተቶ ተራ ሓላፍነት ክትወስድ ይግባእ ኢላ።
ኣሽሓት ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ዞባ ኩርስክ ከምዝተንቀሳቐሱ ትካላት ስለያ ደቡብ ኮርያን ኣሜሪካ ካብ ነዊሕ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ሰሜን ኮርያ ዝወሰደቶ ውሳነ ኣብ መንጐ ፒዮንግያንግን ሞስኮን ዝተበጽሐ ሓባራዊ ኪዳን ምክልኻል መሰረት ብምግባር ምዃኑ፡ እቲ ማዕከን ዜና ሰሜን ኮርያ ወሲኹ ጠቒሱ።
ኪም፡ "እቶም ንፍትሒ ዝቃለሱ ኵሎም ጀጋኑን ወከልቲ ክብሪ ኣደመሬት እዮም፡" ኢሉ ክብል እቲ ማዕከን ዜና ኣስፊሩ።
ሩስያን ሰሜን ኮርያን "ሽርክነተንን ሕውነተንን" ኣብ ኩርስክ ኣመስኪረን፣ እቲ "ብደም ዝተረጋገጸ ምሕዝነት" ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ናብ ኵሉ መዳያት ንኽሰፍሕ ኣበርክቶ ክገብር እዩ።
እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፡ ሰሜን ኮርያ ንሩስያ ብኣጽዋራት ክትሕግዝ ምዃና ኣመልኪቱ።
እዚ ኰይኑ ግን፡ ማዕከን ዜና ሰሜን ኮርያ ብዛዕባ ኵነታት ወተሃደራቱን ድሕሪ ምዝዛም ተልእኾ ኩርስክ፣ ተኽእሎ ምምላሶምን ካልእን ዝበሎ የለን።
እቶም ወተሃደራት፡ ኣብ መንጐ ፑቲንን ኪምን ድሕሪ ዝተገብረ ዓሚቝ ምርድዳእ እዮም ካብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣትሒዞም ናብ ሩስያ ዝተላእኩ።
እቲ ክልቲኦም መራሕቲ ዝበጽሕዎ ስምምዕ፡ ክልቲአን ሃገራት ዝዀነ ተጻብኦ ምስ ዝገጥመን እውን ብሓባር ክምክታ ተሰማሚዖም።
እቶም ናብ ሩስያ ዝተላእኩ ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ፡ ካብቲ ፍሉይ ሓይሊ ዝተዋጽኡ ኰይኖም፡ ንክውንነት ዘመናዊ ውግእ ድሉዋት ከምዘይኰኑ ወተሃደራዊ ክኢላታት ይገልጹ።
ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ፡ ጀነራል ኦሌክሳንድር ስይሪስክ ንዓቕሚ እቶም ኮርያውያን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መጠንቀቕታ፡ ንወተሃደራት ዩክረይን ኣመና ከምዘሸገሩዎም ሓቢሩ ነይሩ።