እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ኣብ ውግእ ዩክረይን ከም ዝተቐተሉ ኣመሪካ ገሊጻ
ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ኣንጻር ሓይልታት ዩክረይን ኣብ ዝዋግኡሉ ዝነበሩ ከባቢ ዶብ ኩርስክ ሩስያ ከም ዝተቐትሉ ኣመሪካ ኣፍሊጣ።
እዚ፡ ሰሜን ኮርያ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ንሩስያ ክትድግፍ ኣስታት 10 ሽሕ ወተሃደራት ከም ዝለኣኸት ካብ ዝግለጽ ንደሓር ንመጀመርታ እዋን ዝግለጽ ዘሎ ወተሃደራዊ ክሳራ እታ ሃገር ኰይኑ'ሎ።
ወተሃደራዊ ስለያ ዩክረይን - 'ጂዩኣር' ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ብውሕዱ 30 ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ኣብ ውግእ ከምዝተቐትሉ ወይ ከምዝቖሰሉ ሓቢሩ።
ቢቢሲ ነቲ ሓበሬታ ካብ ናጻ ኣየረጋገጾን።
እቶም ቅድሚ ሕጂ ናይ ውግእ ተመኩሮ ዘይብሎም ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ፡ ናብ ሩስያ ድሕሪ ምልኣኾም ቀዳሞት ሰሙናት ኣብ ልምምድ ድሕሪኡ ድማ ደገፍ ኣብ ምሃብ ከም ዝጸንሑ ይእመን።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ብቐዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሩስያ ኣብ ኩርስክ ኣብ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ "ዓቢ ቁጽሪ" ዘለዎም ወተሃደራት ሰሜን ሆርያ ክትጥቀም ጀሚራ ምባሉ ይዝከር።
ጸሓፊ ፕረስ ምክልኻል ኣመሪካ ሜጀር ጀነራል ፓት ራይደር ትማሊ ሰኑይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሃገሩ ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ "ኣብ ኩርስክ ጎኒ ጎኒ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ውግእ ምውፋሮም" ከምእትኣምንን "ዝሞቱን ቆሲሎምን" ከም ዘለዉን ተዛሪቡ።
ቁጽሪ ዝተቐተሉ ወይ ዝቖሰሉ እንተዘይገለጸ'ኳ፡ እቶም ወተሃደራት ካብ ቀረባ መዓልታት ጀሚሮም ኣብ ውግእ ከም ዝነበሩ ሓቢሩ።
ወሲኹ ድማ፡ ሰሜን ኮርያውያን ኣብ ኣጋር ሰራዊት ተዋፊሮም ክኾኑ ከም ዝኽእሉን ክሳብ ሕጂ ተሳትፎኦም ኣብ ኩርስክ ጥራይ ዝተሓጽረ እዩ ተባሂሉ ከም ዝሕሰብን ብምጥቃስ እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ዩክረይን ከም ዘይተዋፈሩ ዘመልክት ምዃኑ ኣረዲኡ።
ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ሙሉእ ወራር ዝኸፈቱ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ምብራቓዊ ክፋላት እታ ሃገር ይግስግሱ ምህላዎም ይግለጽ።
ወተሃደራዊ ስለያ ዩክረይን - ጂዩኣር፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያውያን ወተሃደራት ዝበጽሐ ክሳራታት ብቐዳምን ሰንበትን ኣብ ቁሸታት ኩርስክ ፕለኮቮ፡ ቮሮብዛን ማርቲኖቭካን ከም ዘጋጠመ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ቴሌግራም ዝዘርግሖ ብድሮን ዝተቐድሐ ቪድዮ፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ብድሕሪ ኣግራብ ክሕብኡ የርእይ።
ኣብ ልዕሊ መደበር ዩክረይን ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ዝተሳተፉ ወተሃደራት ሰሜን ኮርያ ምዃኖም ድማ ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ ወተሃደራት ሩስያ ንህላወ ሰሜን ኮርያውያን ክሓብኡ ብምሕሳብ ንገጽ ናይቶም ኣብ ውግእ ዝተቐተሉ ሰባት ሓዊ ከንድዱ ይፍትኑ ከም ዘለዉ ዘርእይ ዝበሎ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ጠቂዑ።
"ሓይልታት ምክልኻልን ስለያን ዩክረይን ንመጠን ስፍሓት ናይቲ ንሰሜን ኮርያውያን ኣብ ልዕሊ ዝሓቖፋ ኣሃዱታት ሩስያ ዝወረደ ጭቡጥ ክሳራ ንምፍላጥ ይሰርሑ ኣለው" ኢሉ።
"ሰሜን ኮርያውያን ኣብዚ ኲናት ዝሞቱሉ ሓደ ምኽንያት የለን" ክብል'ውን ወሲኹ።