ንኬንያውያን ዘቘጥዑ ሓወልቲ ኣትለታት ፈሪሶም

ካብ ዝፈረሱ ሓወልትታት እቲ ሓደ

ምንጪ ስእሊ, Cyrus Sholim

ሰበስልጣን ኤልዶሬት ዝተበሃለት ኬንያዊት ከተማ፡ ሓወልትታት ሰለስተ ኣትለታት ከም ዝፈርስ ገይሮም።

እቶም ሓወልትታት ክፈርሱ ዝተገበረ ድማ ላግጺ ምስ ሓየለን "ዘሕፍር" ዝብል ርእይቶታት ብምቕራቡን ምዃኑ ተፈሊጡ።

እቶም ሓወልትታት ቅድሚ’ቲ ንኤልዶሬት ኣፍልጦ ከተማነት ንምሃብ ብሓሙስ ዝተዳለወ ስነስርዓት እዮም ወግዓዊ ኰይኖም።

ይዅን እምበር ነበርቲ እቲ ከባቢን ኬንያያንን እቶም ሓወልትታት ምስቶም ዝውክሉዎም ዝበሃሉ ኣትለታት ምምስሳል ከምዘይብሎም ዝገልጽ ሰፊሕ ተቓውሞ ኣስሚዖም። ብፍላይ ኣብ ኢንተርነት ዝተረኣየ ተቓውሞ ሰፊሕ ነይሩ።

ኤልዶሬት ዝበዝሑ ካብቶም ብደረጃ ዓለም ዓበይቲ ዓወታት ዘመዝገቡ ኣትለታት ኬንያ ዘፍረየት ብምዃና "ዓዲ ሻምፕዮናት" ብዝብል ትፍለጥ።

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ንኤልዶሬት ወግዓዊ ኣፍልጦ ከተማነት ቅድሚ ምሃቡ ድማ እቶም ሓወልትታት ክእለዩ ተገይሩ’ሎ።

እታ ከተማ ኣብዚ ሰሙን ሰለስተ ሓወልትታት ኣትለታት ዘጠቓለሉ፡ ከም ቅርጺ ዕፉንን ምንጪ ጸባን ዝኣመሰሉ ብዙሓት ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ኣዳልያ’ላ።

እዚኦም ከኣ ነቲ ናይቲ ከባቢ ስፖርታዊ ዝናን ሕርሻዊ ውርሻን ክውክሉ ብዝብል ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት እታ ከተማ ዝተተኸሉ እዮም።

እቶም ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ግን ሽዑ ንሽዑ ሰፊሕ ነቐፌታ ብምስሓቦም ካብቲ ትጽቢት ዝተገበረሉ ሓበን ንላዕሊ መንቀሊ ሰፊሕ ላግጺ ኰይኖም።

ንሓወልቲ እታ ኣብ 1500 ሜትሮ ክብረወሰን ዓለም ዝሓዘት ኣትለት ፌይዝ ኪፒየጎን ከምእትውክል ዝተገመተት ጓል ኣንስተይቲ ኣትለት ዘርኢ ስእሊ ዝዝርግሐ ኬንያዊ፡ እቶም ስርሓት ስነጥበብ "ከም ሃገር ንዘለናዮ ደረጃ" ዝውክሉ እዮም ኢሉ።

“ሓወልቲ ፈይዝ ኪፒየጎን ምባል ዘሕፍር’ዩ” ይብል ካልእ ኬንያዊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ።

ካልእ ተጠቃሚ ኤክስ ብወገኑ ኣብ ማራቶን ዓለማዊ ዝና ንዘለዎ ኣትለት ኤልዩድ ኪፕቾገ ዝውክል ዝተበሃለ ሓወልቲ ዘርኢ ስእሊ ብምጥቃዕ፡ “እቲ ነዚ ዝገበረ ፈጺሙ መንግስተ ሰማይ ኣይርእን’ዩ” ክብል ተቓውሞኡ ገሊጹ።

ሓደ ኬንያዊ ጋዜጠኛ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰበስልጣን እታ ከተማ ነቶም ሰለስተ ሓወልትታት (ክልተ ናይ ደቂኣንስትዮ ሓደ ናይ ወዲ ተባዕታይ ኣትለት) ብረቡዕ ምሸት ናብ ዘይፍለጥ ቦታ ከም ዝወሰድዎም ገሊጹ።

ሰበስልጣን እቶም ሓወልትታት ንመን ከም ዝውክሉ ብወግዒ’ኳ እንተዘይገለጹ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ግን ሓደ ሓወልቲ ንኪፒየጎን ካልእ ድማ ንኪፕቾገ ከምዝውክሉ ይዛረቡ።

ፕረዚደንት ሩቶ ንኤልዶሬት ሓምሸይቲ ከተማ ኬንያ ገይሩ ኣብ ዝኣወጀሉ ስነ-ስርዓት፡ ነቶም ኣብ ኦሎምፒክ 2024 መዳልያ ዝዓተሩ ኣትለታት‘ውን ኣቀባብላ ገይሩሎም።

ነፍሲ ወከፎም ከኣ መተባብዒ ገንዘብ ተሸሊሞም።

ኬንያ ኣብ ፓሪስ ኦሎምፒክ ዝለዓለ ደረጃ ዝሓዘት ኣፍሪቃዊት ሃገር ኰይና፡ 4 ወርቂ ዝርከቦም ብድምር 11 መዳልያታት ብምርካባ ኣብ ዓለም መበል 17 ደረጃ ተሰሪዓ።