እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መዓልታዊ ዝርኣየቶ ሞት ትሕትና ክላበስ ገይሩኒ'ዩ እትብል ሓኪም መርመራ ሬሳ
*መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ ብዛዕባ ኣስክሬንን መርመራ ሬሳን ዝምልከቱ መብርሂታት ዝሓዘ'ዩ።
ዶክተር ሸርሊ ቫሱ ፈላሚት ሓኪም መርመራ ሬሳ ብምዃና፡ ብዙሓት ሽልማታት ረኺባ’ያ።
ስድራቤታ ግን ብዛዕባ ዝርዝር ሞያኣ ዝሓቶ ስርሓት ክሰምዑ ኣዝዮም ይፈርሑ።
ዶክተር ቫሱ ን30 ዓመታት ሬሳ ናይቶም ብሃንደበት፡ ብዓመጽ ወይ ብጥርጣረ ዝሞቱ ሰባት መርሚራ።
ንሳ፡ ኣብታ ልዕሊ 33 ሚልዮን ሰባት ዝነብሩላ ደቡባዊ ግዝኣት ህንዲ ዝዀነት ኬራላ ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ ክኢላ መርመራ ሬሳ [ፓቶሎጂ] እያ።
እዚ ብፍላይ ኣብ ገለ ክፋል ህንዲ ዘይተለምደ ነገር’ዩ፤ ኣብ ዙርያ ሞት ባህላዊ ተነጽሎ ስለዘሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምቅጻል ሬሳ ይርሕቓ እየን።
ዶክተር ቫሱ ክሳብ ሕጂ ካብ ድቂ ክሳብ 100 ዓመት ናይ ዝተጸግዑ ሬሳ ኣስታት 20 ሽሕ ሰባት መርሚራ እያ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስርሓ ድማ ንሞት ርእያቶ።
እታ ጓል 68 ዓመት ክኢላ፡ ዝኽርታት ኣብ ክንዲ ናይ ሕክምና መጽሓፍቲ ልብኻ ኣብ ዝሰቕሉ ልብ-ወለዳዊ ዛንታታት ገበን ዘዘንበሉ’ዮም።
ናይ መጀመርታ ጕዳይ
ዶክተር ቫሱ፡ ብ1981 [ኣ.ኤ] ተምሃሪት ሳልሳይ ዲግሪ እንከላ እያ ንፈለማ እዋን ኣካላት ወዲ ሰብ መርሚራ።
ኣብቲ ግዜ፡ ፕሮፌሰራ ኣብ ትሕቲ መንጫሕጫሕታ 13 ሜትሮ ትሕቲ ማይ ዝተረኽበ ርእሲን ገለ ኣዕጽምቲ ላዕለዋይ ክፋል ቅልጽምን ክትምርምር ሓቲቱዋ።
“እቲ ዓጽሚ ኵሉ ስነ-ህይወታዊ ትሕዝቶኡ ጠፊኡ’ዩ ነይሩ” ይብል።
ምስ ካልኦት ክልተ ተምሃሮ ኰይና፡ እቲ ርእሲ ምስ ዓንዲ ሕቘ ዝተኣሳሰረሉ ኣገባብ ብምርኣይ፡ እቲ ግዳይ ወዲ ተባዕታይ ምዃኑ ኣረጋጊጻ።
ዕድመኡ ካብ 14 ወይ 15 ዓመት ከም ዝነበረ ድማ ገሚቶም።
ኣብቲ እዋን እቲ፡ “ኣዕጽምቲ ላዕለዋይ ክፋል ቅልጽም፡ ነቲ ኣካላት ንምቝራጽ ኣብ ዝተገብረ ፈተነ፡ ሓያሎ ዘይመሳሰሉ በሰላታት የርእዩ” ክትብል ኣብ ጸብጻባ ጽሒፋ።
“ቅትለት’ዩ” ክትብል’ውን ደምዲማ።
ዶክተር ቫሱ ኣብቲ እዋን ካሜራ ስለ ዘይነበራ፡ ነቲ ኣዕጽምቲ ናብ ሓደ ፎቶ ስቱድዮ ወሲዳቶ። ይዅን’እምበር፡ በቲ ኵነታት ዝሰንበደ ስኣላይ፡ ነቲ ሬሳታት ምስ ረኣየ፡ ናብ ፖሊስ ደዊሉ።
ብሰንኩ፡ ዶክተር ቫሱ ተጠርጣሪት ንከይትኸውን እቲ ኣብዚ ዕዮ ዝመደባ ፕሮፌሰር ጣልቃ ክኣቱ ከም ዝተገደደ ትዝክር።
ድሒሩ፡ እቲ ግዳይ ቅድሚ 41 መዓልታት ደሃዩ ዝጠፍአ ወዲ እቲ ከባቢ ምዃኑ ተፈሊጡ።
እቲ ቀንዲ ጥርጡር ድማ ወዲ 18 ዓመት ወዲ ሓወቦኡ’ዩ ነይሩ – ኣብ መወዳእታ ግን ምስ ሞት እቲ ግዳይ ብዝተሓሓዝ ዝዀነ ሰብ ኣይተፈርደን።
ኣብ እዋን መርመራ ሬሳ እንታይ’ዩ ዝግበር?
ዕላማ መርመራ ሬሳ፡ ግዜን ጠንቂን ሞት፡ ከምኡ’ውን መንነት እቲ ዝሞተ ሰብ ምዃኑ ንምፍላጥ እዩ።
ዶክተር ቫሱ ኣብ 1982’ያ ናብ ክፍሊ መርመራ ሬሳ ሆስፒታል ኮዚኮድ ተጸንቢራ።
ኣብ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍ 90 ደቓይቕ ዝሓቱ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ መርመራ ሬሳታት ተካይድ ነይራ። ኣብ ጽዑቕ መዓልቲ፡ ክሳብ ሸውዓተ ሬሳ ትምርምር።
ብተደጋጋሚ፡ ዝተቓጸለ፡ ዝተቘርጸ፡ ዝበስበሰ፡ ዝተጨፍለቐ፡ መልክዑ ዝተበላሸወ፡ ዋላ’ውን ተዃዒቱ ዝወጽአ ሬሳታት ደቂ ሰባት መርሚራ።
ዶክተር ቫሱ፡ እቲ ቀዳማይ ስጕምቲ፡ “መጕዳእቲ፡ ምልክታትን ዘተሓሳስብ ርኽበታትን” ንምድላይ፡ ናይ ደገ ስእላዊ መርመራ ከም እትገብር ትዛረብ።
ስዒቡ ውሽጣዊ መርመራ ኣፍልቢ፡ ከብድን ጐሎን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጦም ዝርከቡ ኣካላትን ኣቃውማን ይካየድ፤ ንመርመራ ድማ ቅምሶታት ቲሹ ትእክብ።
ኣብ መወዳእታ፡ ሓንጐል ንኽምርመር ርእሲ ይኽፈት። እቲ ግዳይ ብጥይት እንተተቐቲሉ፡ እቲ ጥይት ዝበስዖም ቦታታት ንምፍላጥ ምሉእ ኣካላት ራጂ ይለዓል።
እቲ መዋቲ ሕማም ዓባይ ሰዓል እንተነይሩዎ ወይ’ውን ሕክምናታት መንሽሮ ይከታተል እንተነይሩ፡ ከጋጥም ዝኽእል ጸገማት ንምክልኻል ክልተ ሓካይም ብሓባር ይሰርሑ።
ዶክተር ቫሱ’ውን ብተወሳኺ ኣብ ዓመት ሓደ ወይ ክልተ ሓደ ኣባል ስድራቤት ንህጻናት ሓዊሱ ኣብ ሓባራዊ ነብሰ ቅትለት ክሳተፉ ዘእመነሉ ፍጻመታት ከም ዝረኣየት ትዝክር።
“ኣካል ሞያዊ ስራሕና'ዩ፤ ሬሳታት ቈልዑ ምስ ረኣኻ ግን ትሓዝን” ትብል።
'ገበናዊ ምንጻል ጥንሲ'
ዶክተር ቫሱ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኬራላ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኮዚኮድ ክትሰርሕ እንከላ፡ ሞት መንእሰያት ነፍሰጾራት ክውስኽ ኣስተብሂላ’ያ።
ኣብ እዋን መርመራ ናብቲ ሆስፒታል ዝመጽኡ ኣስክሬናት፡ ዘይተለምደ ርኽበታት ከስዕብ ስለ ዝጀመረ ዶክተር ቫሱ፡ እቲ ሞት ብሰንኪ "ገበናዊ ምንጻል ጥንሲ" ዘጋጥም ዘሎ ከም ዝዀነ ጥርጣረ ሓዲሩዋ።
“ኣብ ከባቢ ክሳድ ማህጸን ዝተቘርጸ ምልክት ረኺበ፤ እቲ ጥንሲ ብስሩዕ ሓኪም ክንጸል እንከሎ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ክፉእ ምልክት ኣይገድፍን’ዩ” ትብል።
እተን ደቂ ኣንስትዮ ብሰንኪ ቃንዛ ዝመልኦ ረኽሲ ከም ዝሞታ ተረጋጊጹ።
ካብ ክፍሊ ሕክምና ማህጸን ናይቲ ዶክተር ቫሱ ትሰርሓሉ ዝነበረት መንግስታዊ ሆስፒታል ጥሮታ ዝወጽኡ ሓገዝቲ ካብቲ ሆስፒታል ዝተሰርቁ ናውቲታት ተጠቒሞም ኣብ ገዛኦም ምንጻል ጥንሲ ክፍጽሙ ተረኺቦም።
ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ተታሒዘን ተኣሲረን እየን።
መርመራ ሬሳታት ገበናዊ ባህርያት ዝምልከት መርትዖ ካብ ምቕራብ ብተወሳኺ፡ እቲ ግዳይ ብዘይዝዀነ ጐነጻዊ ምኽንያታት ዝሞተ እንተዀይኑ ንምፍላጥ ይሕግዙ።
ዶክተር ቫሱ፡ ሓደ ውልቀሰብ፡ ጓል 98 ዓመት ኣደኡ ካብ ዓራታ ወዲቓ ምስ ሞተት፡ ከም ሓደ ጥርጡር ከይርአ ልዑል ስግኣት ከም ዝሓደሮ ትዝርክር።
መርመራ ሬሳ ዶክተር ቫሱ ግን እቲ ሞት ብሓደጋ ዘጋጠመ ምዃኑ ተረጋጊጹ።
“ቅሩብ ናይ መውደቕቲ ሓደ ንኣሽቱ ህጻናትን ኣረጋውያንን ቀታሊ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ብፍላይ ብኣንፈት እቲ ሓንጐልን ዓንዲ ሕቘን ዝተኣሳሰርሉ እንተወዲቘም ሓደገኛ እዩ።”
ብነብሪ ዝተበልዐ ኣካል
ኣብ መወዳእታ 1980ታት ዶክተር ቫሱን ካልእ ሓኪምን ናብቲ ካብ ኮዚዶኤ ኣስታት 110 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ ሕዛእቲ ነብሪ ዋያናድ ብምኻድ ሬሳ ናይ ሓንቲ ብነብሪ ዝተበልዐት ጓል ኣንስተይቲ መርመራ ሬሳ ገይሮም።
እታ ግዳይ፡ ርእሳን ክሳዳን ጥራይ እዩ ተረኺቡ።
ኣብቲ ቦታ፡ እታ ግዳይ ነፍሰ ቅትለት ክትፍጽም ዝፈተነት ኰይና፡ እቲ ክሳዳ ዝሓነቐትሉ ሻርፓ ምስ ተበትከ ናብቶም ኣናብር ዝርከብሉ ወዲቓ።
መርመራ ናይቲ ሬሳ ግን እቲ ሞት ነብሰ ቅትለት ከም ዘይኰነ ተረጋጊጹ።
“እቲ ቀታሊ፡ እቲ ኵነታት እታ ግዳይ ብሻርፓኣ ተጠቒማ ንነብሳ ከተጥፍእ ዝገበረት፤ ድሕሪኡ ጨርቂ ተበቲኹ ከም ዝወደቐት ንኽመስል ገይሩ ዘዋደዶ’ዩ። ሰብ ካብ መሬት ልዕል ኣብ ዝበለ ከባቢ ክስቀል እንከሎ፡ እቲ ዝርኣዮ ምልክት ዝተፈልየ’ዩ” ትብል ዶክተር ቫሱ።
እቲ ገበነኛ ነታ ግዳይ ሓኒቑ፡ ድሕሪኡ ክዳና ቀዲዱ ናብቲ ገረብ ደይቡ ኣብ ጨንፈር እቲ ገረብ ከም ዝኣሰራ ተረጋጊጹ።
ፖሊስ፡ እቲ ክስተት ምስ ሓደ ኣሰልጣኒ ሓርማዝ ዘቕረቦ ጥርዓን ምጥፋእ በዓልቲ ቤቱን ተሓጋጋዚኡን ዝተኣሳሰር ኰይኑ ረኺቡዎ።
ድሕሪኡ መርመርቲ ነቲ ምክትል [ኣሰልጣኒ ሓርማዝ] ብምድላይ ነቲ ናይ ቅትለት ውዲቱ ኣቃሊዖሞ።
ብዙሕ ሞት
ከም ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ወይ ሓደጋ መኪና ዝኣመሰሉ ክስተታት፡ ብዙሕ ሞት ከስዕቡ እንከለው፡ ነፍሲ ወከፍ ሞት ነንበይኑ’ዩ ዝምርመር።
ኣብ ሰነ 2001 [ኣ.ኤ]፡ ኣብ ሰሜን ኬራላ ሓንቲ ባቡር ካብ መስመር ባቡር ወጺኣ ናብቲ ከባቢ ኣብ ዝነበረ ሩባ ጸዲፋ፤ 59 ሰባት ድማ ሞይቶም።
ኣብ መጀመርታ ዝወጽኡ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና፡ እቲ ሞት ብምጥሓል ዘጋጠመ ከም ዝዀነ ገሊጸን።
ዶክተር ቫሱን ጕጅለኣን ኣብቶም ኣስክሬናት መርመራ ምስ ገበሩ ግን፡ ብሰንኪ ምጥሓል ዘጋጠመ ሞት ሓደ ሰብ ጥራይ ምዃኑ ኣረጋጊጾም።
እቶም ዝተረፉ ድማ ብሰንኪ ኣብ ርእሶም ብዝበጽሐ መጕዳእቲ ከምኡ’ውን ብባልጃታትን ፍርስራስን ዝበጽሖም ምጽቕቓጥ እዮም ሞይቶም።
ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት፡ ኣብ ደቡብ ምብራቕ ኮዚኮድ ኣስታት 50 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ማላፑራም፡ ሓንቲ ኣውቶቡስ ብሓዊ ተቓጺላ 44 ሰባት ሞይቶም።
መብዛሕትኦም ሬሳታት ብሓዊ ዝተቓጸሉ ኰይኖም ኣብቲ እዋን ዶክተር ቫሱ ኣብ ዲኤንኤ ዝተመርኰሰ ውጽኢት ንምርካብ ዘኽእላ ቴክኖሎጂ ኣይነበራን።
“እቶም ግዳያት ንምልላይ፡ ከም ቅርጺ ኣካላቶም፡ ውልቃዊ ንብረቶም (ከም ሰዓት፡ ሰንሰለት፡ ጫማ፡ ክዳውንትን ቦርሳን) ዝበሉ ኢና ተጠቒምና” ትብል።
እቲ መርመራ ሬሳታት ብተወሳኺ ካልኦት መርትዖታት እውን ዘካተተ’ዩ ነይሩ።
ዶክተር ቫሱ፡ "ሓደ ካብ ፍሉጥ ቤተ መቕደስ ክሪሽና ዝመጸዕአ ሓደ ነዊሕ ሰብኣይ እዩ ነይሩ፤ ኣብ ከብዱ ዘይሓቐቐ ብርያኒ ጸኒሑ” ትብል።
ድሒሩ ዓርኪ እቲ ግዳይ ዝዀነ ውልቀሰብ ብሓባር ብርያኒ ከም ዝበሉ ኣረጋጊጹ፤ እዚ ድማ መንነት እቲ ግዳይ ንምፍላጥ ሓጊዙ።
ቴክኖሎጂ ምምሕያሽ
ዶክተር ቫሱ ን34 ዓመታት ኣብቲ ዓውዲ ጸኒሓ ኣላ። ኣብዞም ዓመታት ሰፊሕ ምምሕያሽ ቴክኖሎጂ ርእያ እያ።
“ሲንጋፑርን ጃፓንን ድሮ ናብ ቨርቹዋል መርመራ ሬሳ ይሰጋገራ ኣለዋ፤ እዚ ድማ ካራን ደም ዘይብሉን እዩ" ትብል።
ኣካላት ሓደ ግዳይ ብሲቲ ስካን ምስ ተመርመሩ፡ “ሓካይም ንነፍሲ ወከፍ ካብ ካብ ቆርበት ክሳብ ዓጽሚ ዘሎ ኣካላት ይምርምሩ።”
እዚ ቴክኖሎጂ ሕጂ ኣብ ገለ ክፋል ኣመሪካን ኣውሮጳን ከምኡ’ውን ኣብ ኒውደልሂ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ፕሪምየር ይርከብ።
ዘድክም ስራሕ
ዶክተር ቫሱ ናይ መወዳእታ መርመራ ሬሳ ኣብ 2014 ዓ.ም እያ ገይራ፤ ኣብ 2016 ድማ ጥሮታ ወጺኣ።
ሕጂ ኣብ ኮሌጅ ሕክምና ብሕቲ ትምህር ኣላ።
በቲ ነዊሕ ዓመታት ዘሕለፈትሉ ስራሕ ሕጕስቲ’ኳ እንተዀነት፡ ኣስክሬናት ኣሉታዊ ስምዒታት ከም ዘለዓዕል ብምግላጽ ናብ ካልእ ዓውዲ ክትሰጋገር ምኽኣላ ከም ዘሐጕሳ ገሊጻ።
“ኣብ ጥቓ መካነ መቓብር ክኸይድ ኣይደልን’የ” ትብል።
ዶክተር ቫሱ መርመራ ኣስክሬን ኣብ እትገብረሉ እዋን ስሩዕ መግቢ ክትበልዕ ኣይትኽእልን።
ስለዚ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ቸኮላታ በሊዓ’ያ ትውዕል ነይራ።
ኣብ ደቡብ ህንዲ ምስ ሞት ዝተኣሳሰሩ ቦታታት ብዙሕ ባህላዊ ተነጽሎ’ዩ ዘሎ።
ዶክተር ቫሱ ኣብ ስራሕ ውዒላ ናብ ገዛኣ ቅድሚ ምእታዋ ሰብነታ እትሕጸበሉ ሽቓቕ ካብ መንበሪ ገዛኣ ወጻእ ሰሪሓ።
በዓል ቤታ እውን ሓኪም ክኸውን ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ንሳ ክትርእዮ ዝውዓለት ክዛረብ ግን “ኣዝዩ ከም ዝፈርሕ” ትዛረብ። ደቃ’ውን ብዛዕባ ሞያኣ ኣይሓቱን።
ክልተ ዳያኑ ኣሕዋታ’ውን ካብቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ንምስክር ዘድሊ ወጻእ “ብዛዕባ መርመራ ኣስከሬን” ሓቲተን ኣይፈልጣን።
እዛ ሓኪም፡ ሞት ንዅለ መዳያዊ ኣተሓሳስባኣ ከም ዝቐየሮ ትዛረብ።
"መዓልታዊ ዝረኣኹዎ ሞት ትሕትና ክላበስ ገይሩኒ'ዩ፤ ትዕቢት ዝብሃል ኣይህልወካን። ንጹህ ህይወት ጥራይ ክትነብር ኢኻ እትብህግ"።