በዓል ልደት ኣብ ትግራይ፡ 'ምዕዳግ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ገዲፍናዮ ኢና'

ኣውደኣመት መፀ ኵሉ ከም ሃብተገነቱ ከብዕል ሃገምደገም ይብል።

መናድቕ ገዛወቲ ካብ ምልካይን ምኹስታርን ክሳብ ተረሲዖም ዝነበሩ ኣጭርቕቲ ምጅፍጃፍን ዝዘልቕ ኣቀባብላ ይግበር።

ሓበሻ ኣውደኣመት ብፍሉይ ህንጣወ ስለ ዝፅበዮ፡ካብ ዘምፀአ ኣምፂኡ እታ መዓልቲ መሐጐሲቱ ክትከውን ይህርኩት።

ዘለዎ ማጕላ ወይ ምክት ጐቲቱ ይኣቱ።

ትሕት ዝበለ እቶት ዘለዎ ድማ ኩኩናይ ወይ ቃቓዊት ኣብ እግሪ ዓራት ኣሲሩ፡ካራ ኣብሊሑ ይሓድር።

ሰቲ ምንስናስ፡ መሸላ ወይ እውን ዒልዎ ምዕንባብ፡ ግድነት ስለ ዝዀነ ቡን ፈሊሑ ገዛ ብዕጣን ከርበ ዓጎግ ኢሉ ተዘይሓሊፉ ኣውዳመት ኣይመስልን።

ገሊኡ ከኣ ምስ ጐረባብቱ ኣብ ስጋ ቀረመት ኣትዩ ናይ ኣሕዋት ተማቒሉ ኣውደኣመት የሕልፍ።

ኣብ ትግራይ ኣውደኣመት ቀደምን ሎሚን እንታይ ይመስል?

ብፍላይ ገንዘብ ናይ ምግዛእ ዓቕሙ ካብ ዝወድቕ ንደሓር ምስ ንኣውዳመት ዝግበር ምቅርራባት ዘሎ ኵነታት ንርአ።

ኣብ ትግራይ ብተዛማዲ ሰላማዊ ሃዋህው ምስ ተፈጠረ፡ ህዝቢ ዝጎደለ ክምልእ፡ ዝወደቐ ከቕንዕ ኣብ ጉያ ይርከብ።

ኵሉ ናብራ ቤቱ ክውትፍ ዝገብሮ ፀፋዕፋ ርኡይ እዩ።

ሎሚ እውን ምስ ጐረባበቱ ዘራኽቦ ኣፍደገ ኣብ ዝተዓፀወሉ ግዜ፡ ብዝተረኸበ ወዝቢ ንምንባር ዝግበር ሃለኽለኽ መዓልታዊ እናዛየደ ይመፅእ ኣሎ።

ኰይኑ ግን ዋጋ ዕዳጋ ወዓል ሕደር ኣብ ዝተሓበበሉ ግዜ ኴንካ ክስገር ዝፀዓር ዘሎ ህይወት ፈታኒ እዩ።

ቅድሚ ኲናት ትግራይ ዝነበረ ዋጋ፡ ይትረፍ እሞ ካብ ዓሚ ቅርሺ ናይ ምግዛእ ዓቕሙ ካብ ዝንኪ ንነዘ ዘሎ ፍልልይ ብፍላይ ኣብ ገለ ኣቑሑት ናይ ሰማይን መሬትን እዩ።

ኣውደኣመት ንምሕላፍ ኣብ ዝህሉ ፀደፍደፍ፡ቅድሚ ውሱን ዓመታት ዋጋ ኩንታል ፃዕዳ ጣፍ 4000 ብር እሞ ድማ ከቢሩ እንትበሃል እንከሎ ይስማዕ ነበረ።

ኣብዚ ሎሚ እዋን ዋጋ ኹንታል ጣፍ 14 ሽሕ ምስ በፀሐ ብፍላይ ኣብ ትካላት መንግስቲ ተቖፂሩ ዝሰርሕ ሰብ ርብዒ ኩንታል ካብ ምግዛእ ንዝሓለፈ ዓቕሚ የብሉን።

ወይዘሮ ኣለምፀሃይ ብርሃነ ኣብ ሓደ መንግስታዊ ቤት ዕዮ ተቖፂራ ትሰርሕ።

ወርሓዊ 3,500 ብር መሃያ ትኽፈል።

ኵንታል ጣፍ ገዚኣ ከም ዘይትፈልጥ ትዛረብ።

ነታ ርብዒ ኩንታል እኳስ ብኣከፋፍላ እዮም ዝህቡኒ ትብል።

"ንእግዝሄሩ ዝበለ ሓደ ነጋዳይ ሓው፡ ወርሓዊ ካብ መሃያይ እናጨለፍኩ ክህቦ ርብዒ ኩንታል የፅንሐኒ፤ ኩንታል እንተወሲደ መዓዝ ክኸፍሎ? ብዝተረ‍ፈኒ ሰልዲ ኣስቤዛ ክዕድግ ኣይክእልን" ትብል።

ሕሩጭ ፊኖ ንኣውደኣመት ሕብሽትን ሕምባሻን ተደላዪ እዩ።

ዝበዝሕ ከተመታይ ንኹንታል 10 ሽሕ ሂቡ ሕሩጭ ክገዝእ እዩ ኢልካ ኣይሕሰብን።

ካብ ሓሙሽተ ኪሎ ኣትሒዝካ ናይ 10 ኪሎ ሃጥ እንተበለ ናይ 25 ኪሎ ቁፃር ኣንጠልጢሉ ይኣቱ።

ፍርቂ ኩንታል ንምግዛእ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ብዙሓት ይዛረቡ።

ሓበሻ ኣውደኣመት መፀ ደም ኣፍሲሱ ተዘይውዒሉ ኣውደኣመት ዘሕለፈ ኣይመስሎን።

ስለዚ ዝረኸበ ትንፋስ ጤለበጊዕ ዝደኸየ ትንፋስ ደርሆ ከሕልፍ ኣለዎ።

ሎሚ ንቓቓዊት ደርሆ 1500 ብር ሂቡ ንምዕዳግ ዝኸብዶ ብዙሕ እዩ።

እንቋቑሖ ከይገዝእ እኳስ ዋጋ ሓንቲ እንቃቑሖ 17 ብር ኰይኑ።

ኣጒሉ ዶስ ኣይኣጐለን ሓንቲ ዓይኑ ፀቒጡ ናብ ፀሓይ ገፅ ሪኡ እንቋቑሖ ካብ ዘይገዝእ ዓመታት ዘቑፀረ ብዙሕ ኣሎ።

ተበርህ ተስፋይ ቡን እሞ ኸኣ ኣውደኣመት ብዘይ ሰቲን ዕምበባን ኣይስተየላን።

ገዛ ምሉእ ሰቲ ምርብራብ ቀደም ተሪፉ ትብል።

"ካብ ሓይቂሕለት ዝበሃል ከባቢ ዝመፅእ ክንዲ ሊንጎ ሰብኣይ ዝኸውን ሰቲ ናይ ሓሙሽተ ወይ ዓሰርተ ብር ቆፂሮም እዮም ዝሸጡልካ፤ ሰምሃል ነታ ኣብ እዝንኻ ተንጠልጥላ ንምርካብ እኳስ ጋዶ። ከምቲ ናይ ቀደም ናይ ሓሙሽተ ቅርሺ ሰቲ ገዚእኻ ኣውዳኣመት ክተሕልፍ ኣይትኽእልን" እያ ትብል።

ኣውደኣመት መፀ ሓድሽ ክዳን ዝተገዝኣሉ ቈልዓ ምርኣይ ከቢድ እዩ።

ቀደም ንኣውዳመት ክዳን ዝተገዘአሉ ቈልዓ፣ ናብ ኣውዳመት ዘውግሕ ለይቲ ተኸዲነዮ እየ ዝሓድር ኢሉ ዝህውኽ ዝነበረ ቈልዓ፣ ሎሚ በዓልን ዘይበዓልን ምፍላይ ኣይክእልን።

ድሕር ስምምዕ ሰላም ኣብ ጐደናታት መቐለ ዕዳጋ ሰልቫጅ ክዳውንቲ ፅቡቕ ኣማራፂ ኰይኑ ቀሪቡ ኣሎ።

ብፍላይ ሰንበት ማርቻፐዲ መሊኡስ መሕለፊ መካይን ፅርግያ ክሳብ ዝፀብብ ኣጭርቕቲ ሰልቫጅ ይሽይጥ ኣሎ።

ከምቲ ናይ ቀደም ናብ ቡቲክ ኣቲኻ ክዳንን ጫማን ተዓቂንካ ምግዛእ ንውሑዳት ጥራይ ዝምልከት መግለፂ ሕንቃቐ ኰይኑ ኣሎ።

ሳላ ዕዳጋ ሰልቫጅ ሰባት ፃሕለ እንግደዖም ይኸድኑ ኣለዉ።

ብኻልእ ገፅ ድማ፡ ካብ ብገዛእ መረበቶም ተፈናቒሎም፡ ኣርባዕተ ዓመት መመላእታ ኣብ ሃሩርን ኣሳሒታን ይነብሩ ኣለዉ።

ይትረፍ ዶ ድባብ ኣውደኣመት፡ ነታ መዕፀዊት ጎረሮ እኳስ ጋዶ ኰይኑዎም ግን ድማ ይነብሩ ኣለዉ።

ኣይተ ተሰፋይ ሞላ፡ ዓረቢያ እናደፈአ ይናበር። እሞ ድማስ ኣርባዕተ ቈልዑ ወሊዱ የዕቢ ኣሎ።

ህይወት ግን ከም ዓረቢያ ክትድፋኣሉ ኣይከኣለትን፤ ኣብ ርእሲ ርእሲ ቈልዑ ኣዳቒቑ ምንባር ኣይከኣለን።

"ዋጋ ፅብፅባሕ እናነሃረ ሰሪሕና እውን ክነርክቦ ኣይከኣልናን" ይብል።

ጣፍ ካብ ዘይሽምትን ደቁ እንጀራ ጣፍ ካብ ዘይርእዩን ነዊሕ ከም ዝተቘፀረ ድማ ይዛረብ።

"መሸላን ስርናይን ሓዊስና ኢና እንጀራ ንስንክት። ሕሩጭ ፊኖ ምዕዳግ ዳርጋ ምሉእ ንምሉእ ገዲፍናዮ ኢና" ኢሉ።

ካብ ሹቕ ባኒ ገዚእና ቈልዑ ንሰን ኣዀምሲዖም ክውዕሉ ንገብር ኣለና ብምባል ህይወት ዘይትውፃእ ተራር ዓቐበት ከም ዝዀነቶ ኣዘንትይ።

ኣወዳኣመት ንስድራ ኣይተ ተስፋይ ወላ ሓንቲ ትርጕም ኣይህልዎን። ከምቲ ወትሩ ባኒ ተማቒልና ክንውዕል ኢና።

ሓበሻ ንኣውደኣመት ዝተጋነነ ትፅቢትን ትርጕምን ብምሃብ ሰብ ከም ቤቱ እምበር ከም ጎረቤቱ ኣይነብርን ዝብልዋ ወርቃዊ ኣበሃህላ ሸለል ብምባል ኣብ ዕዳን ዕንድዳን ይእዘኽ ኣሎ።

ኣብ ልዕሊኡ ዋጋ ዕዳጋ እናተሓንበበ፡ ሕብረተሰብ ብሜላ ምንባር ኣይመሃርን ዘሎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብርክት ዝበለ ቁፅሪ መንእሰይ ስራሕ ኣልቦ ኰይኑ ጠንቂ ማሕበራዊ ቅልውላው ይኸውን ኣሎ።

ኣብ ትግራይ ዝተሃነፃን ንኣሻሓት መንኣሰይ ዕድል ስራሕ ፈጢረን ዝነበራ ፋብሪካታት ምስ ተዓፀዋ ዳግም ስለዘይተኸፈታ ስራሕ ኣልቦነት መናእሰይ ተጋዲዱ ኣሎ።

ስእነት ስራሕ መንኣሰይ ጠንቂ ስርቂ ኰይኑ ንህዝቢ የሻቕል ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ከተማታት ኣብ ውሽጢ ባጃጅ ተሳፈርቲ መሲሎም ብጕጅለ ንሰባት ብኻራ ኣፈራሪሖም ገንዘብ፡ ወርቂ፡ ሞባይልን መንዚዖም ዝወስዱ ብግልፂ ይረአ ኣሎ።

ብኣንፃሩ ድማ ባጃጅ ገዚኦም ወይ ድማ ተኻርዮም ለይትን ቀትርን ሰሪሖም ስድራ ዝናብዩ ኣዝዮም ብዙሓት መናእሰይ ኣለዉ።

ነዳዲ ኣብ ዝጠፍኣሉ እዋን ካብ ፀሊም ዕዳጋ ብኽባር ዋጋ ገዚኦም ቅንያት ኣውደኣመት ከም ፅቡቕ ዕድል ተጠቒሞም ኣብ ፀፋዕፋዕ ዝርከቡ'ውን ኣለዉ።

ብፍላይ ኣብ ከተማ ዝሰርሓ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቝፀሩ ወነንትን ተኻረይትን ባጃጅ ኣብ ፅዑቕ ስራሕ ወፊሮም ኣለዉ።

ከምቲ ዝጐይዎ ሓደጋ ደኣ ኣየበዝሕን ዘሎ እምበር ቅነ በዓል መባልዕቶም እያ።

ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ቅነ ኣውደኣመት ዝረአ ዘሎ ብዝሒ ሰብ እምኒ ደርቢኻ ኣብ መሬት ኣይትዓልብን።

ፖሊስ ትራፊክ ስርዓት ከትሕዙ ኣብ ጥቡቕ ክትትልን ቁፅፅርን ይረኣዩ።

ሕብረተሰብ ዝሃበ ሂቡ ኣውደኣመት ከሕልፍ ዝገብሮ ዘሎ ጉያን ፀደፍደፍን መስደመሚ እዩ።

ብሓደ ገፅ ስራሕን ንግዳዊ ምንቅስቓስን ተዘሓሒሉ ዝበዝሕ ሰብ እቶቱ ተወሓሒድዎ ኣሎ።

ብኻልእ ሸነኽ ድማ ዝዓቘረን ኣብ ኣውደኣመት ነጊፉ ክውድእ ኣብ ሃረባሃረባ ይርከብ።

ሰናይ በዓል!